ጀጋኑ ሳልስቲ
ኔሩ ሓሳቡ - ከገልግል ሃገሩ
ግቡኡ ፈጺሙ - ክገብር ናብርኡ
ግና ‘ንተረኣዮ - ዓመታት ነዊሑ
ጋማን ክብል - ጸጉሩ ሸይቡ
ምስ ረኣዮ ኩሉ - ኣንፈቱ ስሒቱ
ክወጽእ ካብ ሃገር - ዘይነበረ ኣብ ሓንጎሉ
መቸም ዓቕሊ ጽበት - ዘይገብሮ ዘይብሉ
ብዙሕ’ውን ገረሞ - ምስ ረኣየ በጻሕቲ
ብጻዕዳ ቑምጣ - ሳዕሲዖም ሳልስቲ
http://www.youtube.com/watch?v=9SuZjtK5NcE&feature=related
ግርም’እባ እዚኦም - ጀጋኑ ሳልስቲ
ደቂ ሃገር ክነሶም - ቱሪስት ክመስሉ
ማይ ከይተረፈ - ተሰኪሞም ዝኸዱ
እቲ በሊሕ ሓንጎሉ - ነዚ’ዩ ነጺጉ
ንሱ ክብል ከርተት - ንሶም ክሙገሱ
ካብ ወጻኢ ከይዶም - ሳልስቲ ናይ ዘሕለፉ
ሳዕሲዖም ተራእዮም - ንጽባሒቱ ክብሉ ግልብጥ
ንሱ ኣብ ጸሓይ - ኣብ ዶሮና ክብል ከርተት
ንዘይንጹር ዕላማ - ንዝተሓናፈጸ መደብ
ደሓር ገሪምዎ - ኣብ ዜና ምስ ረኣዮም
ሳዋ ጥዑም’ዩ ክብሉ - ኣፎም መሊኦም
ክቕጽል ኣለዎ ይብሉ - ኣብ ማዕዶ ሰፊሮም
ፍጹም ዘይተሰቆሮም - ናብራ ኣሕዋቶም
ዋላስ ኣይሰምዑን - እዝኖም ተጻኒዕዎም
ነዛ ሳንቲም ርእዮማ - ጥራሕ’ቲ ሓደ ገጻ
ብዙሕ ምስረኣዩ - እንተዝግልብጥዋ
ድሕሪ ስእሊን ሳዕስዒትን - ከመይ ሙኻኑ ናብራ ሳዋ
ብዘይ ልቡ በተግ - ንሱዳን ዘበለ
ከርተተት ኢሉ - ኣብ ጃልባ ዝደየበ
ገለ ቀኒዕዎ - ኣውሮፓ ‘ንተዓለበ
ሀ ኢሉ ክጅምሮ - እቲ ናብራ ሰደት
ካብ ምስራሕ ኣጓዱ - ናይ በዓል ኮሎኔል
እንተሓሸ ኢሉ - ስደት ከስተማቕር
August 2010