ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም
ዕለተ መስዋእቲ፡ ለካቲት 19 2021
ካብ ኣብኡ ባሻይ ገብረማርያም ካሳን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ውነሽ ርጆን ኣብ ወርሒ መስከረም 1945 ኣብ ኣፈልባ ተወሊዱ። ወላዲቱ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ናይ ሕርሲ ኩነታት፣ ብዘይ ጉድኣት ክትገላገል ብምኽኣላ፣ ልዑል ፈጣሪ ንምምስጋን ወለዱ “ ኣድሓኖም ” ዝብል ረዚን ስም ከምዝሃብዎ ታሪኽ ቤተሰቡ ይሕብር።
ሕሳስ ልደ እንዳ ኣቦይ ባሻይ ገብረማርያም ዝኾነ ኣድሓኖም፣ ምዉቕን፡ ፍቅርን፡ ምሕብሓብን ዝመላኦ ግዜ ህጻንነት ኣብ ሑቕፊ ወለዱን ኣሕዋቱን ኣሓቱን የሕሊፉ። ኣብ ምስግጋር ካብ ህጻንነት ናብ ቁልዕለት፡ ብፍላይ ምስቶም ንስለ ናጽነት ኤርትራ በጃ ዝሓለፉ የሕዋቱ ሓጎስን መምህር መሓርን እናተጻወተ ዕድመ ናይ ትምህርቲ በጽሐ።
ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣብታ ኣብ ከብዲ ዓዲ ተደኲና ዝነበረት ቤት-ትምህርቲ ኣፈልባ ብምምዝጋብ፣ ናይ መባእታ ትምህርቱ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ዝውሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ፈተናታት፡ ብልዑል ነጥቢ ብምሕላፍ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ተኸታተሉ።
ብምቕጻል፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፡ ኣብ ሰይንት ጆሰፍ (St. Joseph School) ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተኸታቲሉ። ብምቕጻል ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ብምምጻእ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸንበሩ።
ምስእናይ ኣብቲ ናይ 1970ታት ምንቅስቃስ ተምሃሮ ውፉይ ተሳትፎኡ፡ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ድሕሪ ምክትታል፣ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1972 ሃገራዊ ጉቡኡ ንምፍጻም፡ ምስ ብዓል ተጋዳላይ ብርሃነ ገረዝግሄር፣ ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ፡ ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍረምን ካልኦትን ዝነበርዎም ናይ ቃልሲ ብጾቱ ብሓባር ብምዃን፣ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።