ሃይለ ቢዘን “ሰባር ስቕታ”፣ ናይ “ሕድሪ” ኣሰናዳኢ፣ ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ሓቲቱ
ሃይለ ቢዘን፤ እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ገጣምን፣ ጋዜጠኛን፣ ጸሓፍን ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ሓቲቱ።
ሃይለ ብመንግስቲ ኤርትራ ብዘጋጠሞ ተኸታታሊ ጸቕጥን ምክትታልን ብተወሳኺ ምርመራዊ ሕቶታት ብዛዕባ እታ “ድሕሪ’ቲ ማዕጾ” ትብል መጽሓፍ ድሕሪ ምውጽኡን ስለዝረኸበን እዩ ኣብዚ ኩነት እዚ በጺሑ ዘሎ። ናይ ሃይለ ቢዘን መጻሕፍትን ጽሑፋትን ግጥምን ኣብቲ ሃገር ዝረእ ዝተዓብሰ ሕብረተ ሰብ ስለዘንጸባርቕ ሃይለ፣ “ሰባር ስቕታ”፣ ዝብል ሳጓ ወጺእዎ። እዚ ስም እዚ ኣውራ እዛ ናይ “ድሕሪ’ቲ ማዕጾ” እትብል መጽሓፉ ድሕሪ ምውጽኣ እያ ተዘርጊሓ።
ሃይለ ቢዘን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ፖለቲካዊ ጉዳይ ጋዜጠኛን ኣሰናዳኢ ናይ “ሕድሪ” መጽሔት ማለት እታ ወግዓዊት ስነ ሓሳባዊት መጽሔት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነይሩ።
ብተወሳኺ ሃይለ ቢዘን ኣብ ናይ “ሕውየት” ዝተባህለ ብግሊ እትሕተም ዝነበረት መጽሔት ናይ ቦርድ ኣባል ነይሩ። ሕይወት መጽሔት ብ2001 ካብ ምሕታም ተኺልኪላ። እዚ ማለት ነጻ ጋዜጣታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኸልከላሉ እዋን እዩ። ቅድሚ ኣብ ዩጋንዳ ዑቕባ ምሕታቱ፣ ሃይለ ኣብ ናይ ሚኒስትሪ ዜናን ሓቤረታን፣ ከም ናይ ሕዝባዊ ርክባት ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ሃይለ ድሕሪ ነጻነት ሰለስተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዘሰናድአን እዩ። ከምኡ እውን ተዋስኦን ስነ ጽሑፋዊ ሓተታትን ካልእ ጽሑፋት ብምብርካት ኣብ ናይ ኤርትራ ባህላዊን ጹሕፋዊን ታሪኽ ኣበርክቶ ዝገበረ ሰብ እዩ።
ኣብዚ መወዳእታ እዋን ምስ ሳሚ ሳሊነን ዝተባህለ ሰኣላይ “ፍቕርቲ ኣስመራ” እትብል መጻሓፍ ኣውጺኡ ነይሩ።