ሕ.መ. ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ የተግብር።
ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ኤርትራ እዚ ውሳነ ይምልከቶም ምዃኑ ይግመት። እቲ ናይ እገዳ ውሳነ ብ13 ካብ 15 ድምጺ እዩ ጸዲቑ።
ቻይና ድምጺ ካብ ምሃብ ክትቁጠብ እንከላ እታ ሓንቲ ናይ ባይቶ ዓረብ ኣባል ዝኾነት ሊብያ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጻ።
ነዚ ኤርትራ ትገብሮ ተባሂሉ ዘሎ ክሲ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ብዙኅ ግዜ ነጺጎምዎ እዮም። ናይ ኣሜሪካ ኣካል ስለያ “ፈጠራን” “ምስ ዕሽነት ዝመሳሰል ዘገርም እዩ” ይብሉ።
እታ ሃገር እዚ እገዳ ኣብ መጋባእያ ብሚያዝያ ምስቀረበ፣ ነዚ ብምቅዋም ኣባልነታ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሲሒባ ነይራ።
ብሮይተርስ ዝተረኽበ ንድፊ እገዳ ኤርትራ “ኣጽዋር ንዝሓዙ ጉጅለታትን ኣባላቶምን ንኣል ሸባብ እውን እንተኾነ ምሕጋዝን ምዕላምን ንዋትን ካብ ምሃብ ክትቁጠብ ይጠልብ” ይብል።
ብድሕሪ’ቲ ብ2006 ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተገብረ እገዳ ንደሓር፣ ንመጀመርታ እዋን ኤርትራ ናይ ሕ. መ. እገዳ ዝግበረላ ሓዳሽ ሃገር ትኸውን ኣላ።
ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር፣ ኣርኣያ ደስታ፣ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ እዚ እገዳ እዚ ““ምስ ዕሽነት ዝመሳሰል ዘገርም (ludicrous) መቅጻዕቲ ስጉምቲ” በለ።
ከምኡ እውን ናይዚ እገዳ እዚ ኣብ ተግባር ምውዓል፣ “ንኢትዮጵያ ናይ ወተሃደራዊ ዕንደራ ክትግብር ብምድፍፋእ ኣብቲ ከባቢ ካልእ ናይ ምንዋጽ ኩነት ከእቱ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።
ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ እዚ ናብ ሶማል ዝኸይድ ናይ ኣጽዋር ዋሕዚ ካብ ዝግደሰሉ ነዊሕ እዋን ገይሩ እዩ። ኣብቲ ሃገር ዝርከቡ ሕሉፋውያን ናይ ኣልሸባብ እስላማውያንን ህዝቡል-ኢስላምን ንርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ንምቁጽጻር ምስ ናይ መንግስቲ ወከልቲ ይዋግኡ ኣለዉ።
ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣብ ሶማል ካብ ዝግበር ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ሞቓድሾ ዕዳጋስ ኣጽዋር ከምድላይካ ዝርከበሉ ኩነት እዩ ዘሎ።