ረሞዳን ሙባረክ ይኹነልና
واسعد ايامك
وكل عام وانتم بخير
ረሞዳን ሙባረክ ይኹነልና
ብሓፈሻ ኤርትራውያን ኩልና ብፍላይ ካኣ ኣመንቲ ምስልምና
ረሞዳን ፍልይቲ ወርሒ ካብ ኩለን ኣዋርሕ
ናብ ረብኻ ብዝያዳ ተቅርብ ትመርሕ
እቲ ረቢ ዝኣዘዘና ረሱል ዝበሉና
ንምትግባር ገለ ከይገደፍና
ኩሉ ተዳሊዩ ዝጽበያ
ነታ ዝበደለት ነብሲ ንኽኣልያ
ብዙሕ ይሰግድ ዱዓ እንዳ ገበረ
ጸይሙ ይውዕል ካብ ምግቢ ነብሱ እንዳ ኣሰረ
ሙሳማሓ ይሓትት ረቡ እንዳ ዘከረ
ንመስጊድ ይቀዳደም ጀማዓ ከርክበላ
ፈርዲ ምስ ተሰግደ ሶና ይውስኸላ
ኣልሓምዱሊላህ ኢሉ ንረቡ የመስግነላ
ናይ የዱንያ ዘንቡ ይሓተት መቅፊራ
ናይታ ዳረ-ሰላም ዝኾነት ኣኼራ
ጽቡቃ ይምነ ዱዓ እንዳገበረ
ፍቅሪ ሕውነት ሰላም ከኾነልና እንዳዘከረ
ንረቡ ይልምን ሰላም ንሃገርና ንዓለምና
ሽሻይ ራህዋ ክኹነልና
ኣሚን ኣሚን ኣሚን
ምሉእ ሓሳባቱ
ንጀና ኻኣቱ
ክፍጽም ትእዛዝ ናይ ረቢ ክሳብ ዕለተ ሞቱ
ኣማን ሰላም
ካብ ማእከላይ ምብራቕ