ኣዝማሪኖ ናይ ቋንቋ ዓረብ ገጽ ክጅምር እዩ
እቲ “ናይ ዓረብ ገጻት ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ካብ ዝህሉ ነዊሕ እዋን ገይሩ። እዚ “ቀረባ እዋን” ብዝቐልጠፈ ጊዜ ንኽመጽእ ኣድላዪ እዩ ነይሩ። ብምድንጓይናን ብምጽባይናን ንኽትምሕሩና እናተማሕጸና፣ መዓልቲ እንሆ ኣኺሉ።
ናይ ኣዝማሪኖ መርበብ ኣዳለውቲ ብ”ሕራይ” ዝሰርሑ ብምዃኖም፣ ነዚ ዝኣመሰለ ገጻን ንኽዳሎን ክወጽእን ክእለትን ተወፋይነትን ዘለዎም ሰባት ክሳብ እንረክብ ጊዜ ወሲዱ። እዚኣቶም ድማ ሎሚ ንተኽታተልቲ ንኸገልግሉ ተዳልዮም ይርከቡ። እዚ ገጻት ብምኽፋት በቶም ብዓረብኛ ዝዛረቡ ዝካየድ ዘተን ክትዓትን ንናጻ ማዕከን ኣዝማሪኖን ተኸታትልትናን ዝያዳ ከምዘህብቶሞም ንእምን።
ብተወሳኺ ክንብሎ እንደሊ፣ ምዕባለ ናይዚ መርበብ ኣገልግሎት ኣብ ተኸታተልትናን ጸሓፍትን ምትሕብባርን ስለዝምርኲስ፣ ነቶም ኣብዚ ገጻት ብቋንቋ ዓረብ ክትሰዱ እንተደልዩ፣ ጽሑፋትኩም ናብ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትልእኹ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣዝማሪኖ ስታፍ