ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን
ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ብጸቕጢን ምፍርራሕን ዘይሕጋዊ ግብሪ ይእክብ ተባሂሉ ኣብ ፖሊስ ወግዓዊ ክሲ ተመስሪትሉ።
ፖሊስ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ነቲ ብግዴታ ካብ ዜጋታት ዝእከብ ዘይሕጋዊ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ብዝምልከት፡ ካብ ክልተ ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎም ሽወደናዉያን ወግዓዊ ክሲ ከምዝተቐበለ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሎሚ 8 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣረጋጊጹ።
እዞም ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮንን ኣቶ መድሃኔ ንርኣዮን ዝተባህሉ ዜጋታት ተቐማጦ ከተማ ኡፕሳላ ዝኾኑ ኤርትራዉያን፡ ነቲ ብስም ክልተ ሚእታዊት ዝፍለጥ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ብግዴታ ጽቕጥን ዝእከብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ምእካብ ተዋፊሩ ዝጸንሓን ዘሎን ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ዝቐንዐ፡ ኣብ ዝነብርሉ ከተማ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘቕረቡ እቲ ዜና ጸብጺቡ።
እቶም ዜጋታት ነቲ ዘይሕጋዊን ብግደታን ጸቕጥን ብኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኽፈልን፡ ነዚ ዝየማልአ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዝወርዶ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ከምኡ እዉን ኣብ ኤርትራ ንዘሎዉ ስድራኻ ዝበጽሖም በደላት ከመይ ከምዝመስል ዝገልጽ መብርሂን ኣብነታትን እዉን ኣታሓሒዞም ምስቲ ጥርዓን ንፖሊስ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን ንኣገግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ” እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎም ሽወደናዉያን ብጸቕጥን ግዴታን ዝግበር ዘይሕጋዊ ንጥፈት እዩ” ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርዓን ህግደፍ ክቐርብ ናይ መጀመሪያ ተርእዮ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ምጽራይ ድሕሪ ምግባር ኣኽባር ሕጊ ዉሳነ ክሲ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር።
መሓሪ ኣብራሃም
ስቶክሆልም