መልእኽቲ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንዓመታት ዝኣክል ብስርዓት ኢሰያስ ዝወረዶን፡ ዝወርዶ ዘሎን ኣደራዕ ስቓይ ዘብቅዓሉ ግዜ ንምርኣይ ዝኣክል ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ብተስፋን ሰናይ ትምኒትን ክጽበዮ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንሆ እቲ ግዜ ኣኺሉ ጉባኤ ንምጅማር ፡ገለ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ይርከብ ፡ በዚ ኣጋታሚ’ዚ ውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝባውያን ትካላትን ፡ ንኹሎም ብሄራት ኤርትራን ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ሃገራዊ ሓድነትና ዓቢ እምነመሰረት ከንብርን ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታትና ውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣስፊኑ፡ ነቲ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፡ ፈላሊኻ ግዛእ ዝሰረቱ ኣዕናዊ ሽርሒታት ንኸብቅዕን ፡ ድሕሪ ምውዳቕ እቲ ስርዓት ውን ስምብራቱ ንኽይገድፍ ፡ ኣብ ምግባር ሓጋዚ ክኸውን ስለዝኽእል ፡ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ፡ ብተገዳስነት ክስረሓሉ ይግባእ።
1. ንኹሉ መሰላዊ ጉዳያት ህዝብና ፍታሕ ንምንዳይ ፡ እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ መንገዲ ወይ ኣገባብ ፡ ንፍትሒ ዕላማ ዝገበረ ሓባራዊ ዘተ ጥራይ እዩ ኢልና ንኣምን ። እዚ ምስ ዝኽወን ውን ደገፍ ናይ መላእ ህዝቢ ኣብ ምርካብ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል።
2. ድልየታት ህዝቢ ብዝምልከት እቲ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ባዕሉ ደኣምበር ፡ ካልእ ኣካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ውሳኔ ናይ ምንባር መሰል ከምዘይብሉ ምፍልጥ የድልይ ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘሎና ኣኽብሮትን ሓልዮትን ዝገልጽ ክንዲዝኾነ ፡ ኩለን ፖለቲካውያን ሓይሊታት ከም ዕላማ ክግደሳሉን ክሰርሓሉን ይግባእ።
3. ዝኾነ መሰላዊ ጉዳያት ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ብሄራዊ መሰላት ዝተኮሩ ጉዳያት ፡ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ወደቕ ክርኤ ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ፡ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ፡ ፍትሓዊ መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ ። ምኽንያቱ መዕለቢ ከይተገብረሉ ተንጠልጢሉ ንጽባሕ ክጽበይ እንተበቒዑ ፡ ናይ ሓደጋ ጥጁእ ካብ ምኳን ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ከምዘይኮነ ንኣምን ።
4. ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ዝኾነ መንነት ዝውንን ክንሱ ፡ ስርዓት ኢሰያስ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ብቛንቛ ብምፍልላይ ሃለዋት ህዝቢ ንምህሳስ ዘካየዶ ተንኮለኛ ስርሓት እናኣወገዝና ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጹር ቦታን ሃለዋትን ክህልዎ ንጽዕር ።
5. እንታይነት ብሄር ዝገልጹ ፡ ህሉው ኣቃውማ ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእተዉ ፡ ካብ ደገ ብልቓሕ ዝመጹ መለክዒታት (DEFINITIONS) ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ቅቡል ከምዘይኮኑ ንሕብር። ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ኣቃውማ ናይ ዝተፈላለዩ ህዝቢታት ዝተሞርኮሱ ፡ ንብሄርነት ዝገልጹ ርድኢታት ስለዘለዉን ፡ ንሕና ውን ናይ ገዛእርእስና መለክዒ ስለ እንውንንን።
6. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ ንመንነት ጀበርቲ ኤርትራ ብዝምልከት ከምቲ ኣብ 1ይ ጉባኤኡ ዘረጋግጾ ፡ መንነት ጀበርቲ ኤርትራ ፡ ከምቲ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ንብሄር ጀበርቲ ኣካል ናይ ብሄር ትግርኛ ንምግባር ብሓይሊ ኣገዲዱ ዝወሰኖ ውሳኔ ዘይኮነስ ፡ ጀበርቲ ኤርትራ ብሄራዊ ምልክታት ዝውንን ነብሱ ዝኸኣለ ብሄር ምኳኑ ደጊምና ነረጋግጽ ። ነዚ ብዝምልከት ውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ምስ ኩሎም ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ መቃልስቱ ብምትሕብባር ክሰርሕ ጸኒሑን ከምዘሎን ይሕብር ።
7. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ መስል ብሄራት ምሕላው ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሃገራዊ እዩ ኢሉ ይኣምን ። ነዚ መሰረት ብምግባር ከኣ ፡ መሰል ብሄር ጀበርቲ ምሕላው ሓላፍነት ናይ ሰልፊ ናህዳ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ሓላፍነት ናይ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ሰላምን ደሞክራሲን ንምስፋን ዝቃለሱ ሃገራውያን ባእታታት ምኳኑ ይኣምን።
ዓውት ንሃገራዊ ጉባኤ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
27/10/2011