ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዓቢ ክሳራ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኢዩ!
ሎሚ ሰሉስ ዕለት 21 ነሓሰ 2012 ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ሰሚዕና። እዚ መርድእ’ዚ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራን ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን እውን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ገዲም ተጋዳላይ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ሙሉእ ዕድሚኡ ንስለ ፍትሒ ኣብ ቃልሲ ጽንኩር ጉዕዞ ዘሕለፈ፣ ብድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ድማ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብወለዶታት ዘይርሳዕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሓያል መራሒ ኢዩ።
መለስ፣ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ደጀን ዝነበረ፣ ብሰንኪ ፋሉላዊ ምሕደራ ህግደፍ ንዝተዘናበሉን ብካልኦት ሃገራት ጥርዝያ ንዝተበየነሎምን ኤርትራውያን ዑቕባ ንክረኽቡ ዘፍቀደ፣ ንኣማኢት መንእሰያትና’ውን ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምምሃር ዕድል ንምርካብ ከይተሓለለ ዝሓገዘ ትጉህ መራሒ ኢዩ ዝነበረ። መለስ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ስለ ናጽነት ኣብ ሜዳ ዝነበርና ኤርትራውያን ናይ ቀረባ ብጻይናን መጓዕዝትናን ዝነበረ ምኩር ተቓላሳይ ኢዩ።
ወዲ 57 ዓመት መለስ ዜናዊ፣ ኣብ መዋእሉ ንኢትዮጵያውያን ዘውረሶም ኣከያይዳ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባን ማሕበራዊ ሂወትን ተዓቂቡ ናብ ዳሕረዎት መራሕቲ ንክመሓላለፍ ንትስፎ። ወዲ ሰብ ታሪኽ ሰሪሑ ኢዩ ዝሓልፍ’ምበር ነባሪ ኣይኮነን። መለስ ድማ ነቲ ኣብ ጉዕዞኡ ዝሰርሖ ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ፣ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።
ንነፍሱ መንግስተ-ሰማያት ይሃቦ።
ንስድራ ቤቱን ንሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።
ደምበ ኣለና