ናብ ክቡራት ህዝብታት ኢትዮጵያ፣

ናብ ክቡር ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ረፓብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣

ናብ ክብራት ስድራቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ።

ናይ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኢትዮጵያ፣ ቐዳማይ ሚኒስተር ክቡር ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ብማዕከናት ዜና ሃንደበታዊ ሞቶም ምስ ሰማዕና መሪር ሓዘን ተሰሚዕና።

ብፍላይ ንኹቡር ህዝብታትን መንግስትን ውድብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ከኣ ንዞብናን፣ኣፍሪቓን ንመላእ ዓለምን፣ ዓቢ መራሒ ከም ዝጎደሉና ንምስክሮ ሓቂዩ።

ተጋዳላይ ኣይመውትን ስለ ዝኾነ ዘይመውትን ዘይሳዓርን ገድሊ ሓዲጎምልና ስለ ዝኾኑ፣ ብልቢ እናመጎስና፣ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ቓልሲ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ነባሪ ሓውልቲ ኣለዎም።

ነዚ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ከኣ ብሽም ዲሞክራስያው ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ ተሳተፍቲ ምዃና ንገልጽ።

ንስድራቤቶምን ንመላእ ህዝብታት ትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም።

ካብ

ዲሞክራስያው ውድብ ብሄር ብሌን ኤርትራ

21.08.2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...