እንታይሞ ( So what?)
ብዕንጕለ ጌሩ: ሃገር ዝመለጠ
ምዕብልና ኢልዎ: ዎዮ ዘይፈለጠ
ብሓይሊ ድፊኢት፡ ብመስኾት እንተመጸ
ምጋሹ ኣይተርፎን’ዩ: ቲኬቱ እተቆርጸ
ጀግና እንዳ መከተ: ኣብ ገዛ’ዶ ይውዓል
ሓፍ ኣብሎ ኢድካ: ሓፋሽ ንምልዓል
ካብ ባሕሪ ከርስኻ: ኣውጽኣዮ ፍርሒ
ርእሲ ምድናን’ኮ; ኣይኮነን’ቲ ፍትሒ
ኣጽምእ ሲናይ፡ ባሕሪ ዝሰንጠቅካ
ሃየ ይኣክል በል፡ ስረካ ዓጢቅካ ! ! ! ! !
መረጸ ኣስመላሽ