ብሓፈሻ ንኹሎም ኣሰላም ብፍላይ ኻኣ

ንኹልና ኤርትራውያን

 

ዒድና በዓላትና መሉእ ከኾኑልና

እቲ ኣብ ሃገርና ተዋሪዱ ዘሎ ህዝብና

እቲ  ኣብ   ስደት ዝሳቀ ዘሎ ሕ/ሰብና

ማዓልታዊ  ንስደት ተቃሊዑ ዘሎ ህዝብና

እቶም ኣብ መድረ-በዳ ሲና

ብጅማላ ዝሞቱ ዘለዉ ስድራና

እቶም ኣብትሕቲ ጉድጓድ ዘለው እሱራትና

ብስንኪ  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ወሪዱና

እቶም ጠላማት ዝጣሓሱ መሰል ስደተኛ

ከም መስሪ ሱዳን ኣይክንርስዑን ኢና

ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘረክብዎ ዘለዉ ህዝብና

በዚ ኣጋጣሚ ኹልና

ንገበነኛ ተግባራቶም እንዳኾነና

ንናይ ዓለም ተጠባባቅቲ ከነስምዕ ድምጽና

ሓላፍነ  ነፍሲ   ወከፍና ምዃኑ ኣሚና

ካብዚ ስርዓት"ዚ ክንገላገል እንተኾይና

ልዕሉ ኹሉ ሓድነት ይሓተና

ምክብባር ይኹን ኣብ ሞንጎና

ብወጻዓ ኩልና ኣሚና

ከይዝንጋዕና ፈታሕ ኣናዲና

ምእንቲ ድሕነት ሃገርና ህዝብና

ዝመጹ ክሎም ባዓላትና

ኣብ ሃገርና ክነብዕሎም ዱዓ (ጸሎት) ናብ ፈጣሪና

ነዚ ስርዓት እዚ ኣውዲቅና

ስላም ክሰፍና ኤርትራ ሃገርና

ኣብ ሃገርና ክነብዕሎም ዒድና ባዓላትና

ኩልና ብሓደ ሓቢርና

ኣሚን

 

ኣማን ሰላም

ካብ ማእከላይ ምብራቕ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...