ውዒልካዶ ኣብኡ ኔርካዶ ሽዑ! (3)
ብዓይኒ ሕጂ እንተተመዚኑ! እንድዕሉ!!
ምናልባት እቲ ትሕዝቶ ወይ ትጽቢትና እንተዘይተጋኒኑ
ወይ’ውን ሽሕር እንተዘየልዩ ንኹልና ዘዕነኑ
ስለምንታይ ኢዩ ዓቢ-ንኡስ ዝነብዕ ደኒኑ
ክሳብ መኣስ’ዩኸ ክነብር ከም’ዚ’ሉ
ምእንቲ ነጻነት ተባሂሉስ ነጻነቱ ስኢኑ
ግራቱን ሓንጎሉን ቃዲሩ።
ድሮ’ኳ ዝሓለፈ ሓሊፉስ ተቖጺሩ ዛንታ
ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዕስራ ዓመታ
መዛረቢ ዓለም መመክሒ ጎረባብታ
ኮይና ተረኺባ ወዲቓ ናብ ባይታ።
እታ ስልጣን ርስቲ ተቖጺራ!
ቤተ-መንግስቲ ብመለኽቲ ተባሒታ
መጽሓፍ ሕግን ስርዓትን ጠፊኣታ
ፋሕ ብትን ኣትይዎም ዜጋታታ
ዓዲ ብስእነትን ስግኣትን ተዘሚታ
እዚ ደኣ ከመይሉ ክኸውን ንነጻነት ምልክታ።
ሕጻናት ኣይ ብኢዶም ኣይ ብእግሮም
መጉሃይ ወለዶም መሪሩ ዕድሎም፣
ብጥሜት ደሪቖም ከም ቋንጣ
ዓይኖም ፈጢጣ ከብዶም ዘፍጢጣ
ብሕጽረት መኣዛ ተሪፎም ካብ ብልጫ።
ዝገርም’ዩ!
ቱ’ኹሉ ምህልላ ቱ’ኹሉ እዝግዮታ
ዘስዓቦ መንግስቲ ከም ዘይርከቦ መተካእታ
ውላድ መብጽዓ ኮይኑ ሰርኒቕዎ ብሽቀጣ
ንሃገር ብምልእታ ብበትሪ ስታሊን ይቕጥቅጣ።
ጸሎትከ ደቀይ ትወቅዕድ’ያ ተገልቢጣ
ኢድ ኣባዥጎ’ውን ከም’ዛ እዋን ተሰልቢጣ
እዚ ኹሉ ኣደራዕ ትርኢ’ላ ኣጽቂጣ።
ዓዲ ራዕድን ሽበራን መሊኡዋ ውሽጣ
ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ ተነጺላ ካብ ዓለም ካብ ጎረባብታ
ኣብ መወዳእታ ድማ!!
ከመ’ዓልካ ዝኸልእ ተጸይቓ መፈለጣ
እነሆ ሎሚ ኣብ ቅርዓት ክሳብ ትልለ ብማዕቀብ ተገዚታ።
ይቕጽል!