“መን’ዩ ዘሎ?”
“መን’ዩ ዘሎ?”
ሞት ከም ዘሎስ
መቓብር’ዩ ምስክሩ…
ህይወት ከም ዘሎ…ግና
ኣበይ ኣሎ እቲ ኣሰሩ?
ዶስ….
እቶም ህላዌ ሞት ዝረስዑ
እዮም እቶም ዝነብሩ….
ዶስ….
እቶም ህላዌ ሞት ዝዝክሩ
እዮም እቶም ዝህልው…
ሻቡ
ፍልልይ ክልቲኡ
መን ይፈልጦ...?
ሰብ ኣብ ህይወቱ ከይነብር…
ዝኽሪ መቓብሩ እንዳዓበጦ…
ለካስ…
እቲ ዘንብር’ዩ
እቲ ዝነግር…
ለካስ..
እቲ ዝቕትል’ዩ
እቲ ዝቐብር….
ኣሃ…
ሞት ከም ዝሞትሲ
ሕጂ’የ ፈሊጠ
ህይወት….
ኣብቲ መቓብር ምስ ተዋሕጠ….
ኪሮስ ዮውሃንስ
ሚያዝያ/2009