ንሞት ዶ ትጽበያ!
ካብ ኣስመራ
“ንሞት ዶ ትጽበያ!” ብእትብል ቃል ዝሰደልኩም ዘለኹ ሓበሬታ፡ ጸሓፊኣ ባዕለይ ኢየ፡፡ እቲ ቀንዲ ኣስዒበ ዝገልጸልኩም ዝርዝር ሓበሬታ ዘዕለለኒ ግን ዒራዒሮ ኣብ ሓለዋ ዝርከብ ዓርከይ ኢዩ፡፡ ዓርከይ ንውሽጡ እንዳነብዐ ዝገለጸለይ ሓበሬታ ንገዛእ ነብሰይ ንዝንተ እለት ካብ ሕልናይ ዘይፎሓቕ ስምብራት ሓዲጉለይ ኢዩ፡፡ እቲ ኩነታት ንዓይ ደኣ’ዩ ሓዲሱኒ’ምበር ለካ ብመገዲ ሓደ ወዲ ኣሃዱኦም ዝነበረ ኢዮብ ባህታ ዝተብሃለ ሰብ’ሲ ተቃሊዑ፡ ምንባሩስ እዚ ዓርከይ ባዕሉ’ውን ከምዝሰምዖ ገሊጹለይ፡፡ ሕጂ’ውን እዚ ዓርከይ ኣስዒቡ “በል ንሕና ደጊም ዶ ካብ ሃገርና ወጺእና ካልእ መዋጽኦ ክሳብ ዝፈጥረልና ንግዜ ክንጽበ ኢና እሞ፡ በጃኻ ንዓ ንስኻ ነዚ ዘዕለልኩኻ ኩነታት ብዝኾነ ይኹን ውሕስ መገዲ ንወጋሕታ ሓብሮም ንህዝቢ ይግለጽሉ” ስለ ዝበለኒ ብሓሳቡን ትብዓቱን ኣመና ተገሪመ፡ ንሱ እኳ ከምዚ ዝሓሰበ ከመይ ደኣ ኣነ! ብምባል እንሆ ቃሉ ከየዕበርኩ፡ ሓበሬትኡ ከየጓደልኩ፡ እሰደልኩም ኣለኹ፡፡
ወዲ ኣሃድኦም ዝነበረ እዮብ ባህታ ኣብ 2010 ንዝተፈላለያ ናይ ተቃውሞ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ካብ 18 መስከረም 2001 ብመንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ሓደ እዋን: ኣብ ሓደ ሕቡእ ቦታ: ካብ ዝተኣሰሩ 35 ጠቕላላ ዜጋታት (ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ፡ ገዳይም ተጋደልትን ካድረትን ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ብሕትን) እቶም 15 ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ኣቃሊዑ ከምዝነበረን፡ ኩሉ ሓበሬትኡ ብዘይዝኾነ ምግናን ከምዝነበረታ ከምዘቕረበን እዚ ዓርከይ ደጊሙ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ፡፡
ንመግለጺ ኢዮብ ዝኾነ በዓል መዚ እዚ ስርዓት ከምዘይበደሀን፡ ዘይበደህሉ ምኽንያት ድማ እቲ ፍጻመ ሓቂ ስለ ስለዝኾነን ኢዩ፡፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ሓሶት ኢዩ ዝብል በዓል ስልጣን ከምዘይህሉን ኣለኹ ዝብል እንተሎ ከኣ እነሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ ዒራዒሮ ብዘይሻራውያን ኣካላት ክፍተሸ ከፍቅድ ከምዝግባእ ብምልኣት ልቢ ገሊጹለይ…!
ብድሕሪ ኢዮብ ንዝሰዓበ ምዕባለታት እንታይ ይመስል ኣብ ዝምልከት ድማ ከምዝስዕብ ገሊጽዎ፡-
ኣብ ልዕሊ’ዞም ዝተሰውኡ ኡሱራት እቶም ክሳብ እታ ኢዮብ ካብ ዒራዒሮ ዝወጸላ ዕለት 06 ጥሪ, 2010 ብሂወት ካብ ዝሓደጎም 20 ኡሱራት እቶም 11 ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ከምዝሓደጎም፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ምግላጹን፡ ሓቁ ድማ ከምዝነበረን፡ እቶም ካብ ጥሪ 2010 ክሳብ ሕጂ ወርሒ 5/2012 ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ዝነበሩን ዝርከቡን ዘለው ኡሱራት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ምንባሮም ዘርዚርዎም ኣሎ፡-
ተ.ቁ ስም ሓላፍነት መለለይ ቁጽሪ ኩነታቱ ንዝምልከት መብርሂ
1 “ዶ/ር” ስራጅ ቆንስል ነይሩ 26 ካድር ህ.ግ.ሓ.ኤ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጅዳ ቆንስል ነይሩ ተሳሕቡ ምድቡ ከይፈለጠ እንከሎ ተኣሲሩ፡ ድሕሪ ምእሳር ኩነታት ጥዕንኡ ኣብራኹ ሰንኪሉ ባዕሉ ክትስእ ኣይክእልን ነይሩ
2 ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሚ/ር ወጻእ ጉዳያት 4 ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሰውራ ኢዩ፡ ሕማም ሽኰር ኣለዎ፡፡ ሰኣን ሕክምና ክልቲኡ ዓይኑ ሽግር ገጢምዎ ኣሎ፡፡
3 ኪሮስ ዓወር ዳሪክተር ጀነራል 21 ካብ 1991-95 ሓላፊ ኢሜግረሽንን ዜግነትን ካብ 1996 ዳግመ ስርርዕ ኣብ ሚ/ሪ ቱሪዙም ዳሪክተር ጀነራል ዝነበረ፡ ብዕብራን ነብሰን ጽምኣት ከርስን ማሲኑ ነይሩ
4 ስዒድ ኣባ ዓረ ሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን 29 ኣብ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዳሪክተር ጀነራል ምስ ሚ/ር ኣስካሉ መንቆሮስ ነይሩ፡፡ ትሕቲ ሕቆኡ ለማስ ስለዝነበረ ብምርኩስ ጥራይ ኢዩ ዝኸይድ ምርኩሱ ስለዘሕደግዎ ናብ ሽንቲ ቤትን ባኞን ተንፋሒኹ ዝከይድ፡፡
5 ዳዊት ሃብተሚካኤል ዜጠኛ መቓልሕ 12 ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ ነይሩ፡፡ ኩነታት ጥዕንኡ ነዊሕ ተጸሊሉ ሃተፍተፍ ይብል ነይሩ
6 ኢሳያስ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ 33 እዚ ገዲም ተጋደላይን ካድርን ህ.ግ.ሓ.ኤ ምንባሩ ኣብ ን/ዞባ ማይ ድማ ወይ ዓረዛ ኣማሓዳሪ ምንባሩ ይሕበር’ዩ፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና ይሳቐ ኣሎ፡፡
7 ኣልኣዛር መስፍን ግምሩኽ ምንባሩ ይፍለጥ 1 ገዲም ተጋ/ ህ/ግ ድሕሪ ናጽነት 1991- 95 ሓላፊ ጉምሩኽ ኔሩ፡፡ ደስኪሉ ኔሩ ምስ በዓል ተስፋይ ጎመራ 2 ዓመት ኣመሪካ ማስተሩ ሰሪሑ ምስ ተመልሰ ኣታካ ተኣሲሩ፡፡ ጥዕንኡ ኣብ ዓንድ ሕቑኡ መልመስቲ ኣጓኒፍዎ ለሚሱ ክትስእ ኣይክእልን፡፡ ግቡእ ሕክምና ኣይረኸበን ኔሩ፡፡
8 ሚርያም ሓጎስ ሓላፊት ሲናማታት 28 ካብ ናጽነት ኣትሒዛ ሓላፊት ሲናማታት (ቺናማታት) ኔራ ደሓር’ውን ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ምንባራ ትፍለጥ፡፡ ሓያል ጭንቀትን ሕማምን ኣለዋ ክሳብ ሕጂ ግቡእ ሕክምና ኣይረኸበትን
9 ሜ/ጀ ብርሃነ ገረዝጊሄር ምክልኻል 7 1991-92 ምክልኻል፡ 93 ንሓንቲ ዓመት ኣብ ክፍሊ ኢንዱስተሪ ሓላፊ፡ ካብ 94- ክሳብ ዝእሰር ሓላፊ ዕቑር ሰራዊት ሎጂስትክስ ብምዃን ኣብ ምክልኻል እንከሎ ተኣሲሩ፡፡ ሕሙም ኢዩ
10 ዓሊ ሰራሕተኛ ኤንባሲ ኣመሪካ 3 ኣብ ኤንባሲ ኣመሪካ ሎኳል ሰራሕተኛ ኔሩ፡፡ እዚ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ዒራዒሮ ወጺኡ ኔሩ፡፡ መውጺኢኡ ምኽንያት ገጹ ንምርኣይ ኣመሪካ ኢዩ ኔሩ፡፡ ወጺኡ ምስተመልሰ ብድሕሪ ኣዝዩ ዝጭነቕን ዝበሳጨውን ሰብ ኢዩ፡፡
11 ፈርኦን ወልዱ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣብ ንግዲ 13 1991-ክሳብ ዝእሰር ኣብ ክፍሊ ንግዲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኔሩ፡፡ ንሓንቲ ዓመት ኣመሪካ ከይዱ ኮርስ ወሲዱ ምስተመልሰ ተኣሲሩ፡፡ ሰብኣይ ንድምጻዊት ኣብርሀት ኣንከረ’ዩ፡፡
ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ኢዮብ ዝሓበሮም እዚኦም ምንባሮምን ብመሰረት ሓበሬትኡ ድማ 1 ካብቶም ደሓን ዝነበሩን፡ 4ተ ካብኣቶምን ብድምር 5 ኡሱራት ድሕሪ ኢዮብ ከምተሰውኡ ነጊሩኒ፡፡
ኣስዒቡ ወግሐ ጸብሐ መርድእ ንህዝቢ ምቕራብ ዝመስልዎ ሕማቕ ነገር የለን፡፡ ግን ምርጫ የብልናን፡፡ ሸፊንካ ዘይሽፈን ገበናት ኢሳያስ ክቕላዕ ስለዘለዎ!፡፡ ምእንተ ምንታይ ከ ይሕባእ! ንረብሓ መን!
ሎሚ’ውን ኣብ ድሮ መበል 21 ዓመት በዓል ናጽነትና ድሕሪ መግለጺ እዮብ ዝተሰውኡ 5 ኡሱራት ሓዊስካ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምርመራን ብይንን ንኣስታት 11 ዓመታት እምባትካላን ዒራዒሮን ካብ ዝተኣሰሩ ጠቕላላ 35 ኡሱራት እቶም 20 ከምዝተሰውኡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፡፡
ኣስዒቡ “እቶም ዝተረፉ 15 ኡሱራት ከማን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ስለዝርከቡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ንስእኖም ኣብ ዝብል ሕቶ ከምዘለው፡፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኮይና ሎሚ ዶ ጽባሕ እንታይ የጋጥሞም ዝፈልጥ ነገር ስለዘየለ ሰማይ ደጊፍና ንርከብ ኣለና” ብምባል ድንጋጸ ብዘለዎ ልሳኑ ከዕልለካ ማራ የደንግጸካ፡፡
ድሕሪ መግለጺ ኢዮብ ባህታ ኣሰር ብጾቶም ዝሰዓቡ 5 ኡሱራት ኣመልኪቱ ነዞም ዝስዕቡ ረቂሕዎም ኣሎ ፡፡
ንስድራ ቤቶም፡ መቓልስቶም፡ የዕርኽቶምን ንኩላትና ህዝቢ ኤርትን ጽንዓት ይሃበና ካብ ምባል ሓሊፍካ ንግዚኡ ዝበሃል እሞ እንታይ ኣሎ!! ኣስማት እቶም 5 ስውኣት ድማ፡-
1. ኣልኣዛር መስፍን መጽውዒ ቁጽሩ 1 ብናይ ዓንዲ ሕቖ ጸገም፡ ሰኣን ሕክምና ተሰዊኡ፡፡
2. ኪሮስ ዓወር መጸውዒ ቁጽሩ 21 ብድርቀትን ዕብራንን ሰኣን ሕክምና ተሰዊኡ
3. “ዶ/ር” ስራጅ መጸውዒ ቁጽሩ 26 ብሕማም ሽኰር ሳኣን ሕክምና ዓሪፉ
4. ዳዊት ሃብተሚካኤል መጸውዒ ቁጽሩ 12 ተጸሊሉ እንዳህተፍተፈ ሰኣን ሕክምና ሞይቱ
5. ተስፋይ ጎመራ መጸውዒ ቁጽሩ 16 ሓሚሙ ሰኣን ሕክምና ተሰዊኡ፡፡
ኣልኣዛር መስፍን፡ ኪሮስ ዓወርን፡ “ዶ/ር” ስራጅን ኣብ ውሽጢ ወርሒ 09/2011 ኣብ ናይ ሳልስትን ራብዕትን መዓልታት ኣፈላላይ ኢዮም ተሰዊኦም፡፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ሃብተሚካኤልን ተስፋይ ጎመራን ግን ቅድሚኦም ኣብ ሞንጎ ወርሒ 7ተን ወርሒ 12ተን 2010 ኣብ ዝነበሩ እዋናት ወርሕን መዓልታን ኣብ ዘይዘከሮም እዋናት ምስወኦም ሓቢሩኒ ኣሎ፡፡
መቓብሮም ንዝምልከት ዓርከይ ከምዝሕብሮ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተገልጸ ካብ በዓል ፍሸይ ምራራን ወኪን ተበጊሱ ናብ ሓደ መፋስስ ተኣኻኺቡ ንቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ክልተ መቒሉ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንፈቱ ዝጓዓዝ ሩባ ዒራዒሮ ከምተቐብሩ፡፡ ኣብ ወሓዚ ሩባ ዝቕበርሉ ምኽንያት ከኣ ኣሰር ከይርከብ ኮነ ተባሂሉ ውሕጅ መታን ክወስዶም ተባሂሉ ከምዝኾነ፡፡ ቀበርቶም እቶም ልሙዳት ኣዘዝቲ ጋንታን መራሕቲ ሓይልን እቲ መዓስከር ምዃኖም፡፡ ተራ ኣባል ሓለዋ ኣብ ቀብሪ ክሳተፍ ከምዘይግበር ገሊጹለይ፡፡ ስለምንታይ እቲ ተራ ኣባል ዘይቐብር ከምዝሞቱ ኣይፈልጥን ድዩ? ኢለ ሓቲተዮ ነይረ፡ “እንድዒ! እዚኣስ ንዓና’ውን ትገርመና’ያ ፡፡ እቲ ኡሱር ከምዝሞተ ግና ኩሉ ኣባል ይፈልጥ ኢዩ፡፡ መፍለጢኡ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ሓለውኡ መን ኣሎ የለን ክፈልጥ ናይ ግድን ኢዩ ብመጸውዒ ቁጽሪ መሰረት ጸብጻብ ይመሓላለፈሉ ኢዩ” ብምባል መሊሱለይ፡፡
ብሓፈሻ ክሳብ’ታ ምስ’ዚ ዓርከይ ዘዕለልናላ ግዜ ጠቕላላ ተሰዊኦም ኢሉ ዝርዝር ኣስማቶም፡ ሓላፍነቶም፡ መለለይ ኮድ ቁጽሮም፡ ዕለተ መስዋእቶምን ቦታ መስዋእቶምን ኢሉ ዝዘርዘረለይ ኡሱራት ዒራዒሮ በዝሖም ልክዕ 20 ምብጽሖም ኢዩ፡፡ ብዝተኸኣለ ናይ ኣሰዋውእኦም ቀደም ሰዓብ እውን ኣቐሚጡለይ፡፡ ኣገባብን ምኽንያትን ኣማውቶኦም፡ ቀብሮም፡ ዝገለጽዎ ሓድሓደ ቃላት ኣብ ሕሉፍ ኢዮብ ስለዝገለጾ ምድግጋም ኣስዒቡ ጽሑፍካ ስለ ዘጋሕጥጥ ይትረፈና ብምባል ተረዳዲእና፡፡ ኣብዚ ኣመልኪቱ “ቅድሚ ሕጂ ብኢዮብ ዝተገልጸ ኩሉ ሓበሬታ ሓቂ ብዛዕባ ምኻኑ ኩሉ ክፈልጥ ሓብሮም” ክብል ግና ደጊሙ ተወኪሱኒ፡፡ (ኣነ ግና ዘይሰማዕኹዎ ታሪኽ ስለዝነበረ ናይ በዓል ዑቕበን ጆሽዋን ካልኦትን ኣገባብ መስዋእቶምን ዝተዛረብዎም ኣገደስቲ ቃላትን ከይተረፈ ኩሉ ኣዘንቱዩለይ ኢዩ፡፡)
ስለዚ በመሰረት ሓበሬታ ዓርከይ ጠቕላላ ናይ ዝተሰውኡን ናይ ህልዋትን ዝርዝር ኣስማት ከምዝስዕብ ገሊጹለይ
1) ጠቕላላ ናይ ዝተሰውኡ ዝርዝር ኣስማት፡-
ተ/ቁ ስም ሓላፍነት መለለይ ቁጽሪ ዕለት መስዋእቲ ቦታ መስዋእቲ
1 ፍስሃየ ስቲፋኖስ (ጆሽዋ) ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት 10 13.10.2002 እምባትካላ
2 ጀነራል ዕቕበ ኣብርሃ ምክልኻል 13 13.07.2002 እምባትካላ
3 ማሕሙድ ሸሪፎ ሚ/ር ኣማሓዳሪ ዞባታት 27 05/06/2003 እምባትካላ
4 ሳልሕ ኬክያ ሚኒስተር 6 09/06/2003 ዒራዒሮ
5 ወ/ሮ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ሃማድኤ ዞባ ዓንሰባ 11 13/06/2003 ዒራዒሮ
6 የሱፍ መሓመድ ዓሊ ጋዜጠኛ 8 13/06/2003 ዒራዒሮ
7 ሑሞድ ሕሚድ ኣምባሳዶር ኣብ ሱዕዲ 31 22/09/2003 ዒራዒሮ
8 ተስፋገርግሽ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ጾሮና 14 16/03/2004 ዒራዒሮ
9 ሳህለ 32 ጥሪ 2005 ዒራዒሮ
10 ሲዒድ ዓብደልቃድር ጋዜጠኛ 24 መጋቢት 2005 ዒራዒሮ
11 ማቴዎስ ሃብተኣብ ጋዜጠኛ መቓልሕ 20 2005 ዒራዒሮ
12 መድሃንየ ሃይለ ጋዜጠኛ ቀስተደመና 8 08/02/2006 ዒራዒሮ
13 መሓሪ ያቆብ ኣውቲስታ 15 2008 ዒራዒሮ
14 ጀርማኖ ናቲ ኣማሓዳሪ ዞባ 30 ጥሪ 2009 ዒራዒሮ
15 ኪዳነ (ወዲቀሺ) ምልክት 5 ወርሒ 10/2009 ዒራዒሮ
16 ዳዊት ሃብተሚካኤል ጋዜጠኛ 12 ወርሒ 10- 12/2010 ዒራዒሮ
17 ተስፋይ ጎመራ “ሓኪም” 16 ወርሒ 10-12/2010 ዒራዒሮ
18 ኣልኣዛር መስፍን 1 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ
19 ኪሮስ ዓወር “09” 21 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ
20 “ዶ/ር” ስራጅ ሓኪም 26 ወርሒ 9/2011 ዒራዒሮ
2) እቶም ክሳብ’ዛ መወዳእታ ወርሒ 3/2012 ብሂወት ዝርከቡ ኡሱራት፡-
ተ.ቁ ስምን ሰጓን ሓላፍነት መለለይ ቁጽሪ መብርሂ ንህልው ኩነታቶም
1 ሃይለ ወልደትንሳኤ “ድሩዕ” ሚኒስተር 4 ብምኽንያት ሕማም ሽኰር ክልተ ዓይኑ ጸገም ዘለዎ፡፡
2 ጴጥሮስ ሰሎሞን ሚኒስተር 2 ክልተ ኣእዳው ለይትን ቀጥርን ብካቴና ዝተኣሰረ፡፡
3 መ/ጀ ብርሃነ ገረዚጊሄር ምክልኻል 7 ኩሉ ግዜ ብፌሮ ምቁሕ ኢዩ፡፡
4 ስዩም ጸሃየ ጋዜጠኛ 10 ቅድም ክብል ከምልጥ ፈቲኑ ካብ ዝተሓዝ ክልተ ኢዱ ምቁሕ ኢዩ፡፡
5 ኢሳያስ ኣማሓደሪ 33 ኣካላዊ ድኻም ዘለዎ፡፡
6 ባራኺ ገብረስላሰ ሚኒስተር 34 ክልተ ኢዱ ብካቴና ዝተሞቆሐ
7 ፎርኦን ወልዱ --- 13 ብዙሕ ጥዕና ዘይብሉ ሕሙም ጸጋመይቲ ኢዱ ስንኩል ኢዩ፡፡
8 ክፍሎም ሰራሕተኛ ኢንባሲ ኣመሪካ 35 ሓያል ሽኮርያ ኣላቶ መዓልታዊ ብመድሓኒት ይነብር፡፡ ጨው ዘይብሉ ምግቢ ይወስድ
9 ዳዊት ኢሳቕ ጋዜጠኛ 36 ዜግነቱ ሸወደናዊ
10 ሚርያም ሓጎስ 28 ጭንቅን ኩነታት ጥዕንኣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ትርከብ
11 እድሪስ ኣባዓረ 29 ስንኩል (ካብ ሕቑኡ ንታሕቲ ለማስ) ምርኩስ ነይርዎ ተሓዲጉ ብምንፍሓኽ ናብ ባኞን ሽቓቕን ይንቀሳቐስ
12 ብ/ጀ ስቲፋኖስ ስዩም ምክልኻል 23 ለይትን ቀትርን ክልተ ኢዱ ፌሮ ዘለዎ
13 ኣማኒኤል ኣስራት ጋዜጠኛ ዘመን 25 ቀትርን ለይትን ብፌሮ ዝተኣስረ ፡፡
14 ዓሊ ሰራሕተኛ ኢንባሲ ኣመሪካ 14 ክልተ ኢዱ ካቴና ዘለዎ
15 ተመስገን “ገረየሱስ” (ክርቢት)
ጋዘጠኛ ቀስተደመና 22 ለይትን ቀትርን ፌሮ ዝወደየ ኢዩ፡፡
ዝተረፉ ሕዩራት፡ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ፍታሕ የለን ኢሎም፡ ንኩሉ ጸገማት ስለ ዝረዓምዎ ዝኾነ ዝዛረብዎን ዝሓትዎን ሕቶ የለን፡፡ ክሳብ መዓልትና ንጸበ ብምባል ስባኤ ኣትዮም ንሞት ይጽበይዋ ኣለው፡፡
እቲ ዝገርም ግና ይብል እዚ ዓርከይ ቃል ብቓላ ክነግረኩም “መን ኣሎን፡ የሎን ንሳንሳቶም ዝፈልጥዎ ነገር ፍጹም ከምዘየለ፡፡ ኣብ ሓደ ሩባ፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ፡ ንኣስታት 11 ዓመታት ብዘይቅየሩ ሓለውቲ፡ ካብ ሓንቲ ዒላ ካብ ዝተቐድሐት ማይ እንዳሰተዩ፡ ብሓንቲ ድስቲ ዝበስለት ጸብሒ ዓደስ እንዳተቋደሱ፡ ካብ ሓደ ፎርኖ ብዝበስል ባኒ እንዳቋረፉ፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ሓቢሮም ተጋዲሎም፡ ኣብ ሓንቲ ውዳበ ሰሚሮም መሪሖም፡ መቓልስቲ፡ የዕርኹቲ፡ አረ ገሊኦምሲ እንኮላይ ውላድ ዝፈጠሩ፡ መዋስብቲ… ክንሶም ን 11 ዓመት ምሉእ ኣብ ሓንቲ ሩባ እንዳነበሩ፡ መን ኣሎ? መን የለን? ዘይፋለጡ ሕዩራት!!!” ይብል እሞ ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣረ ናይ’ዞምስ ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን ኣንታ ዝገርም እኮ’ዩ! እዞም ኡሱራት መብዛሕትኦም ገዳይም ተጋደልቲ ካድረታት መራሕቲ ኢዮም፡፡ ምናልባት’ውን ኣብ’ዛ ኣበይ ከምዘለው ዝተሰወረቶምን ዓስካሬኖም ዝተደርበየላን ሩባ ዒራዒሮ ብዘበን ገድሊ ካድረ ዝተምሃሩላ፡ ገሊኦም ከም በዓል ደሩዕ መማህራን ካድረ ኮይኖም ዘምሃሩላ ቦታ ድያ? ኣይኮነትን እኮ ኣይፈልጡን!” ኢሉኒ፡፡ እንታይ’ሞ ክብል እዚ ቃላት’ዚ ኪኢላ ጸሓፋይ ስለዘይኮንኩ፡ ንጸሓፍቲ ታሪኽ ጥራይ ብክእለቶም ክገልጽዎ ክገድፎ፡፡ እንተ እቲ ዓርከይ ዝበለኒ ግና ከምዘለታ ክገልጸልኩም ይሰደልኩም ኣለኹ፡፡
ብወገን መንግስቲ ድሕሪ መግለጺ ኢዮብ ዝተገብረ ዋላ ሓደ ለውጢ የለን፡፡ መንግስቲ ሂወቶም ንምድሓን ዝወስዶ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ’ውን ከምዘይነበረ ይገልጽ እሞ ኣስዒቡ ድማ፡ እዚ ኣረሜነ ሰብኣይ ድሕሪ መግለጺ ኢዮብን ናይ ማሕበረ-ሰብ ጫውጫውን ስለዘይዓጠጦ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ትም ኢሉ፡፡ ንእሽቶ ናይ ሰብ ርህራሄ እንተዝነብሮ እንተወሓደ ድሕሪ ኢዮብ ንዝተሰውኡ 5 ኡሱራት እኳ ገለ መትረፈ ዘይሰኣን ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ኢዮም ሞይቶም፡፡ እቶም ዝተረፉ ገለ ዝዓወሩን ለይትን ቀጥርን ብካቴና ተቐፊዶም መገላበጢ ዝሰኣኑን ፈተኽ መበለሎም ወይ እወን ናብ ደሓን ኪሎማ ዘለዎ ቦታ መዛወሮም፡፡ ኣብ ክንድኡ ግን ከይጠፍኡን፡ ተጻብኦታት ከየጋጥምን ብቀረባ ርሕቐት ኣብ ዙርያ እቲ ቦታ ለይትን መዓልትን ሓለዋ ዘጽንዑ ይትረፍ ሰብ ኢራብ እኳ ዘወር ከይትብሎ ዝገብሩ ሰራዊት መዲቡ ኣሎ፡፡
ድሕሪ’ዚ ንዓርከይ ዘቕረብኩሉ ሕቶ ኣብ ኣስመራ ብዛዕባ ዝውረ ድሩዕ፡ ሸሪፎ፡ ወዲ ሰሎሞን ሓሚሞም ንሕክምና ወጺኦም ወዲ ሰሎሞን ተጸሊሉ ንሕክምና ኣውጺኦምዎ ሪኢናዮ ዝብል ወረ ከመይ ኢዩ፡ በልኩዎ፡፡ ሲሒቑኒ “ክላ በጃኻ ዘይ እታ 03 እያ ተውሪ ዘላ፡፡ ክሳብ’ዛ ሎሚ እዞም ዝበልካዮም ሰባት ይኹኑ ካልኦት ኣይወጹን፡፡ ምናልባት ንካልእ ድሌታቶም 2008 ይመስለኒ ካብ ዒራዒሮ ዓሊን፡ ክፍሎምን ዝበሃሉ ኣብ ነነበይነን መካይን ኣብ ሓደ ለይቲ ኣውጺም ኣስመራ ኣብጺሖም ቀጥታ ኣብታ ለይቲ ንሳ መሊሶምዎም ሓዲሮም፡ ንሳ ከማን ንኣመሪካ ከእምኑ ንዲፕሎማሲ ሃልኪ ከምዝገበርዋ ካብቶም ኡሱራት ሰሚዕናያ ኢና፡፡ ካልኣይ ከኣ ኣብ 2002 ይመስለኒ ዑቕበ ኣብርሃ ነብሰቅትለት ምስፈተነ ኣርኪቦምሉ ንሕክምና ግላስ ኣብጺሖም ከምዝመለስዎ ንፈልጥ፡፡ ካብዚ ወጻእ ኩሉ ሓሶት ኢዩ” ክብል መሊሱለይ፡፡
ዓርከይ ኩነታት ኣባላት ሓለዋ ኣመልኪቱ ክገልጽ ከሎ “ዘይንሕናስ ኡሱራት ኢና! 11 ዓመትና ካብ ዘይንቕየር፡ ኣበይ ኣለና; እንታይ ንሰርሕ፡ ኣፍና ካብ እንልጎም ዓመታት ኣቑጺርና፡፡ ቅስምና ተሰይሩ እንታይ ኮን ይረኽበና ትንፋስና ኣብ ጽፍርና ኢያ ተቐርቂራ ዘላ፡፡ ኣበይ ኣለኻ እንታይ ከ ትሰርሕ ኢሉ ንዘሓተካ ቤተሰብ ኩሉ ሳዕ መልሲ የብልካን ወይ’ውን ሓሲኻ ኢኻ ትነግሮ፡፡ ሎሚ እኮ ዝወለደት ትውለድ ኢለ ኢየ ዝድሕድሐልካ ዘለኹ፡፡ ብሰንኪ ስክፍታን ኣሻቓሊ ሓሳብን ናይ ቀጻሊ ሂወቱ እናስተንተነ ባዕሉ ዝሞተ ኣባል ሓለዋ ኣሎ፡፡ በዚ እኮ 4 ብጾትና ሲኢና ኣሎና፡፡ ብሃሩርን ካልእ ምኽንያት ሓሚሙ ዝሞተ ኣሎ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ማሕበራዊ ፍታሕን ምሕደራን ብወገንን ድሑር ከባቢያዊነት በዓል ወዲ ሓኪም ኣዚና ተበዲልና፡፡ ካቴናን ወይ’ውን እታ ኣብ 3 ብ3 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዋ መቓብር ትምስል ቤት ኢና ዘይተሓየርና እምበር ዘይንሕናስ ኡሱራት ኢና፡፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ እኮ ሰብ ንሕልንኡ ኢዩ ዝነብር፡፡ ንሕና ግና ኣብ ዝቆሰለ ሕልና ኢና ንነበር፡፡ ጽባሕ ጽባሕ ዝጎሓፍ ሬሳ ብዓይንና እንዳረአና ከመይ ኢልካ ይቕሰን፡፡ ኣብ መወዳእትኡ ዓራቒ ግዜ ተሎ ተዘይመጺኡ እዚ መንግስቲ ነዞም ኡሱራት ምስ ኣጽነተ ሚስጥሩ ክዕቅብ ንዓና’ውን ብድሕሪኦም ከምዝውደኣና ኣይንጠራጠርን፡፡ ውላድ ናብራ እንዲና ንድሕሪት ጎቲቱና ከምቶም ዝሃድሙ ዘይሃደምና እምበር ሕልፈት ዶ ንሓልፍ ኣለና ኢና…” ብምባል ንምፍጣርካ ብዘጽልእ ኣገላልጻ ገሊጹለይ፡፡
ኣስዒቡ ኣብቲ ሓለዋ 2 ሓይሊ ከምዘለዋ፡፡ ኣብ መጀመሪያ ዝነበረ ዓቕሚ ሰብ ጠቕላላ 120 ነይሩ ሕጂ ግና ተደማሚሩ እንኮላይ ሓለውቲ ኣጣል፡ ኣከናወንቲ ሕርሻ፡ ኣረይቲ ዕንጸይቲ፡ ኣፍሓምቲ ፈሓም፡ ጸረብቲ ጣውላን ዓራትን ናይ ሌ/ኮ ወዲ ሓኪም ሓዊስካ 60 ሰብ ኣለና፡፡ እንታይ ግድኻ ለይትን ቀትርን ኣብ ሓለዋ ዝተጸመድና ኣብ ሕድሕድ ሓይሊ 24 ሰብ ጠቕላላ 48 ሰብ ጥራይ ኢና ዘለና፡፡ ለይትን ቀትርን በብእብረ ንምሕላው ዕረፍቲ ዝበሃል የብልናን፡፡
ስለዚ ካብ መጀመርታ ዝተኣሰሩ 35 ኡሱራት 20 ሞይቶም 15 ተሪፎም፡፡ ኮታ 57% ሃሊቖም 43% ተሪፎም ኣለው፡፡ ኣባላት ሓለዋ’ውን ካብ 120 ሰብ ልዕሊ 15 ሃዲሞም 4 ሰባት ባዕሎም ቀቲሎም 3 ዝኾኑ ሓሚሞም ሞይቶም ዝተረፉ ኮብሊሎምን ምናልባት ናብ ተመሳሳሊ ስራሕ ተቐይሮም ይኾኑ ኣይፈለጥናን ዝተረፍና 60 ሰብ ኢና እንርከብ፡፡ 50% የለን 50% ከምቶም ኣብ ጸበባ ዝርከቡ ኡሱራት ተሪፍና ኣሎና፡፡ ናይ’ዚ መጻኢ ዕድል ካብቲ ዝሓለፈ ዝፍለ ኣይኮነን፡፡
ብሓፈሻ ኣብቲ ቦታ ብጀካ እቲ ሰብ ድዩ ኣራዊት ንምግማቱ ዘጸግም፡ ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት ሰባት ብዓይኑ እንዳረኣየ ንውልቃዊ ረብሓታቱ ሃነፍነፍ ዝብል ሌ/ኮ ወዲ ሓኪም ካልኦት ኩሎም ኣዘዝቲ ሓይሊ፡ ጋንታ፡ መሳርዕን ተራ ኣባላትን በዚ ግፍዒ እዚ ቀሲኑ ደቂሱ ዝሓድር ኣባል የለን፡፡ ምናልባት ምግናን ከይመስለካ’ምብር…ደሓን ልዕሊ’ዚ ዘይንሓስብ ኣይኮናን፡፡
ንዓርከይ ዘይተረደኣትኒ እዛ ትስዕብ ሕቶ ኣቕረብኩሉ ዝመላለስዎም ዝሓትሎም የዕርኽቶም ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ ኣለው ዶ; ንምዃኑ መርመርቶም ኩነታት ጥዕንኦም ዝከታተሉ ላዕለዎት ሓካይም ከ ኣለው ዶ; በልኩዎ
ኣስዒቡ “ንገለገሊኡ ሕቶኻ ዓንተዎይ የዕሊለካ ኢየ፡፡ ዝከታተሎም ላዕለዋይ ሓኪም እንተዝነብር እዚ ኩሉ ሰብ ምሃለቐ ኢልካ ትሓስብ፡፡ ኣይነበረን፡፡ እንተ እቶም መርመርቲ ዶ ገለ ዶ ትብሎም ካብ መስከርም 18/2001 ኣብ እምባትካላ ክሳብ”ዛ ሕጂ ኣብ ዒራዒሮ ዋላ ሓደ መርማሪ ሪኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን፡፡ ሓለፍቲ ግና እንተወሓደ በዓል መንን ኡሱራት ኣለው ብቀረባ ዝፈልጡ እንተ ኣብ ምእሳር ወይ’ውን ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ኣብ ምጉዓዝ፡ ቤት ማእሰርቶም ኣብ ምስራሕን ብዝደልደለ ክስራሕ ኣብ ምግባርን ምዕዛብን ዝተሳተፉ ማእከለዎት ሓለፍቲ እዞም ዝስዕቡ ምንባሮም
1) ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ
2) ብ/ጀ ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ) ሕጂ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ዘሎ ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ኣብ ምምልላስ ተሳቲፉ
3) ኮ/ል ወዲ ወለላ ሕጂ ስለያ ተወርዋሪ ሓይልታት ምስ ፍሊጶስ ዘሎ ይመስለኒ እዚ”ውን ኣብቲ ምጉዓዝ ተሳቲፉ
4) ኮ/ል ገሬ ዝበሃል ሓላፊ ትካል ሰንበል ዕንጸይትን ሓጺንን እዚ”ውን ብኢሳያስ ተኣዚዙ እዘን ኣብ ዓለም ተሰሪሐን ዘይፈልጣ ሰፈር ደርሆ ዝመስላ ገዛውቲ ብኮንቴኔር ሰሪሑ ኣብ ልዕሊ ዋዒ ዒራዒሮ ሞቶም ክቀላጠፍ ዝገበረ ኢዩ፡፡
5) ሜ/ጀ ውጩ ኣዛዚ ምብራቓዊ እዚ ዓሰብ ኢዩ ዘሎ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ስርሒት 05 ነይሩ ይመላለስ ነዚ ሓለዋ ይከታተሎ ንወዲ ሓኪም ኩሉ ግዜ ይረኽቦ ነይሩ፡፡
6) ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣዛዚ ክ/ሰ 22 ኣሎ እዚ ዓርክን መሳርቕትን ወዲሓኪም ኢዩ ዘይምልከቶ ከሎ ናብቲ ገዛ ይመላለስ ኣሎ ምናልባት ብቀረባ ርሕቐት ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈረ ንሱ ኢዩ ዝመስለና፡፡
7) ሃይለ ምሕጹን (ወዲ ምሕጹን) ሓላፊ መኮነን ጥዕና ምክልኻል ሓደ ግዜ ምስታ ሰበይቲ ኮ/ል ገሬ ዝበልኩኻ ሓላፊ ሰንበል ዕንጸይትን ሓጺንን ዒራዒሮ ከይዱ ነይሩ፡፡ ንሳ ከማን ኣብዚ ከተማ ኣውሪያቶ ሰሚዐ ኣለኹ፡፡ ወዲምሕጹን ዝመጸሉ ምኽንያት ክሕክም ከይመስለካ ነቶም ንመሐጎሲ ኣመሪካ ንሓንቲ ለይቲ ጫማ ክዳን ኣልቢሶም ዘውጽእዎም ክፍሎምን ዓሊን ኣከላዊ ኩነታቶም ክዕዘብ ጥራይ ኢዩ ኣቐዲሙ መጺኡ ተዓዚቡ ከይዱ፡፡
ብቀንዱ ተሓተቲ ናይ’ዚ ኩሉ ግፍዒ ድማ
1) ባዕሉ እቲ ኣረሜኒ ሰብኣይ (“ፕረዚዳንት” ኢሳያስ)
2) ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
3) ሜ/ጀ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ (ነቕዘ) ድማ ሓላፊ ተወርዋሪ ሓይሊ ስለዝኾነ ነዚ ቦታ ይከታተሎ ኢዩ፡፡ ብምባል ዘርዚሩ ኣዕልሊሉኒ፡፡
እንታይ ኢዩ እቲ ኣብ ልዕሊ ዞም ሰባት ዝተፈርደ ብይን? ክብል ናይ መወዳእታ ሓተትኩዎ፡፡ ‘’ካብ ዘሳቕይዎም ስለምንታይ ብፍሉጥ ዘይቀትልዎም ዝብል ሕቶ ምልዓል ‘ውን ይከኣል ኢዩ፡፡ እንተኾነ መንግስቲ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ እዞም ሰባት ቃታ ሲሕብካ ብዘይትኮስን ኣብ ወረቐትን ሰብን ብዘይርከብ ክሃልቁ ኢዩ እቲ ብይን፡፡ ናይ ቅትለት ብይን ግን ካብ ወሳኒ ኣካል ናብ ኣተግባሪ ኣካል ሰንሰለት ሒዛ ምውራዳ ስለ ዘይተርፋ ኣብቲ ውረድ ተዋረድ ሰንሰለት ዝርከብ ሰብ፡ ሰብ ኢዩ እሞ: ቃታ ሲሒብካ ምቕታል፡ ንቃልዕ ስለ ዝዳርግ ፡ ጽባሕ፡ ድማ ካልእ መዓልቲ ምዃና ስለዘይተርፋ፡ መርማሪ፡ ወሳንን፡ ኣተግባርን ዘይብሉ ሞት (silence Killer) ተበይንዎም፡፡ ጽባሕ ብሕጊ ንዝሕተት ሕቶ መን? ንመን ኣዚዙ ኣቕቲሉ? “ሃገር ንወያነ ኣሕሊፎም ክህቡ ተረኺቦም፡ ምእንተ ድሕነት ሃገር ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡ ንምውሓስ ሃገር ቀዳምነት ኣብ እንሰርሓሉ ዝነበርና እዋን ብዘጓነፎም ባህሪያዊ ሕማም ሞይቶም” ንምባል ያኢ ኣርሒቑ ዝተሓሰበ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ውዲት ተፋሕስዎ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ኢዩ፡፡ ኩሉ ህዝብና ድማ ብኣግኡ ክፈልጦ ዘለዎ ተንኮል ኢዩ” ክብል ብሕራነ መለሰለይ፡፡
ሓበሬታ፡- እዚ ጽሑፍ ብዝተኸኣለ መጠን ቃል እቲ ኣብ ሓለዋ ዝርከብ ዓርከይ ዘዕለለኒ ከምዘለዎ ከሕልፎ ፈቲነ ኣለኹ፡፡ እንተኾነ ግና ከምቲ ብዓይኑ ዝረኣየን ኣብቲ ቦታ ዝወዓለን ዝነገረኒ ሰብ ስምዒት ከምዘይከውን ርዱእ ኢዩ፡፡ ብሓቂ’ውን ከምቲ ንሱ ንዓይ ዝገለጸይ ክንደየናይ ገሊጸዮ ከይከውን ብዝኾነ ግን ንቃሉን ትብዓቱን ከየዕበርኩ ናተይ ትብዓት’ውን ሓዊሰ ይልእኸልኩም ኣለኹ ንዝተፈጥረ ሕድገታት ኣይትሓዙለይ፡፡
ዓርከይ ኣብ መጠቃለሊ ርእይቶኡ፡ ክሳብ’ዛ ሓበሬታ ዝገለጸላ ዕለት ብሂወት ንዘለው ኡሱራት ተቐላጢፉ ንምድሓን ዝንቀሳቐስ ኣካል እንተዝርከብ ንሃገርን ንስድራ ቤትን ዝተርፉ፡ ታሪኽ ዘዘንትው፡ ኣይመተሰኣኑን ይብል እሞ ኣስዒቡ፡ እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣብ ዒራዒሮ ዝተሰውኡ ኡሱራት ናይ መስዋእቲ እዋኖም እንተኣስተውዒልናሉ ካብ ወርሒ 3 ክሳብ ወርሒ 10/ ኣብ ዝርከቡ ሓደገኛ ናይ ዋዒ እዋናት ኢዮም ሃሊቖም፡፡ ክሌማ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ፡ ክሌማ ዒራዒሮ ድማ ብፍላይ፡ ካብ ወርሒ 3 ክሳብ ወርሒ 10 ኣዝዩ ሓያል ዋዒ (ሃሩር) ስለዝኾነ ሓደገኛ ወቕቲ ኢዩ፡፡ ነዚ ኩሉ ኩሉ ለባም ወደባት ክሓስበሉ ይግባእ!!::
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!
20 ግንቦት 2012