ዜና ዓርቢ ሓርነት ካብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓሙሽተ መጋቢት 2015 ዝጀመሮ ጋዛውቲ ናይ ምዕናው ክፉእ ተግባራቱ ዝተቓወመ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ቀይሕ፡ ነቶም ነቲ ተግባር ንምቕጻል ረቡዕ ዓሰርተ ሓደ መጋቢት 2015 ናብታ ከተማ ዝተላእኹ ሰራዊትን ቡልዶዘራትን ደግማይ ብምቅዋም ነቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ፡ ካብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዝበጽሓና ሓቤራታ የረጋግጽ።
ህዝቢ እታ ከተማ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ፡ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ምብዳህ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወቱ ዝበጽሓና ሓቤሬታ ወሲኹ የረጋግግጽ። ህዝቢ ነቶም ነዚ ጽዪፍ ተግባር ከተግብሩ ተላኢኾም ዝመጹ ልኡኻት እቲ ስርዓት፡ ነቶም ዝልኣኹኹም ኣምጽእዎም ፡ እንተ ዘይኮኑ ንሕና ኣባይትና ክፈርስ ሎሚ ኣይነፍቅድ ጽባሕ ኣይነፍቅድ ብምባል ብትርን ብትብዓትን ተቃውምኡ ከም ዘስመዓ ተሓቢሩ። እቲ ኣብታ ከተማ ዝቀነየ ናይ ወጥሪ ኩነታት ውን ብመጠኑ ሃዲኡ ከምዘሎ እቲ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ይእምት።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ዓርቢ ሓርነት ንኹሎም እቶም በዚ ኣባይቲ ናይ ምዕናው ኩነታት ተጸልየን ዘለዎ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ሓቢሮም ኣይፋል ክብሉን ንዓማጺ ተግባራት እቲ ስርዓት ብትብዓት ክቃውሙን ተጽውዕ።
13 መጋቢት 2015
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት