ዕዉት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኦስሎ
ዓርቢ ግንቦት 25-2012 ልዕሊ 250 ዝኾኑ ኤሪትራውያን ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ኢሰያስ ተኻይዱ:: ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈላለየ ጭርሖታት እንዳስምዑ ብዓበይቲ ጎደናታት ኦስሎ ብምሕላፍ አብ አፍደገ ፓርላማ ኖርዋይ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓት ከምዝጸንሑ እውን ተሓቢሩ::
አብቲ ኣፍደገ ፓርላማ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብትግርኛ ብዓረብ ብትግረ ብኢንግሊዝኛን ብኖሽኽን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ግጥምታትን ምርኢታት ከምዝቀረቡን ኩነታት ኤሪትራን ከመይ ከምዝመስል ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ንህዝቢ ምብታኖም ተገሊጹ::
ብዙሓት ገዳይም ተቀማጦ ከተማ ኖርዋይ ብትሕዝቶ, ብዝሒ ተኻፈልቲ ኤሪትራውያን, ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ብዝሒ ሕጻናትን ብምዕዛብ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብተደጋጋሚ ፍጹም ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንዳበሉ ሓጎሶም የስምዑ ምንባሮምን እዚ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ልዕሊ ኤሪትራውያን ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ጥርጥር የብልናን ይብሉ::
ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደብዳቤ ናብ ፓርላማ ኖርዋይ ብምቕራብ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ተዛዚሙ::