ዮናስ ወልደሩፋኤል ድሕሪ ማእሰርቲ ዑቕባ ይሓትት።
ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኣዳላዊ መደብ “ጠመተ ናብ ገጠር” ዝነበረ ዮናስ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ YWRH ዝፍለጥ ናይ ብርዒ ስም፣ ነቲ ዘይስሩዕ ፖሊሲታት መንግስትን ትግባረታቱን ዝነቅፍ ዓንቀጻትን ግጥምታትን ዘበርከተ እዩ። ኣብ ጋዜጣ ሰላም ከም ኣባል ምድላው ቦርድ፣ ብፍላይ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ድማ ከም ኣዳላዊ ዓምዲ ማሕበራዊ ህይወት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ከኣ፣ “ዓይኒ ዝተዓዘበቶ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓምዲ፣ ንጋሕማጥ ኣሰራርሓ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝነቅፍ ጽሑፋት ብምስፋር ጋዜጠኝነታዊ ሓላፍነቱ ዝተዋጽአ እዩ።
ብስነ-ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ 2001 ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተመረቐ ዮናስ፣ ኣብ 2006 “መስትያት ዲያቆን” ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጽሓፍ፣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ ኣብ ምውሃብ ሲመተ ማዕርግ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ክትገብር ዝጽውዐ እዩ።
ደቀንስትዮ፣ እቲ ብቤተክርስቲያን ዝፍቀደለን ክነሱ ተነፊግወን ዘሎ፣ ማዕርግ ሲመተ ዲቁና፣ ክወሃበን ከምዝግባእ እውን ደራስን ጋዜጠኛን ዮናስ ወልደሩፋኤል፣ ኣብታ መጽሓፉ ብተወሳኺ ጸዊዑ ኣሎ።
ከምዝፍለጥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ካብ 2005 ኣትሒዛ፣ መንግስቲ ብዝሾሞ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ እያ ትምራሕ ዘላ።