ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተን ንመንግስቲ ኤርትራ ኣሰሚዓትሉ።
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ምፍጻም እትርከብ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣሉታዊ ንጥፈታቱ ከቋርጽ ኣሰሚዓትሉ።
ንሳ ሎሚ ሓሙስ 6 ነሓሰ 2009 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቲ ኣብ ሶማል ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝፈጥር ዘሎ ናይ ኣልቃዒዳ ጽልዋን ላሕኲን ከምዘለዎ ዝፍለጥ “ኣል ሸባብ’’ ዘዕጥቑን ዝድግፉን ዘለዉ ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ ከምዘተሓሳሰበት፡ ዓለማዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን። “ምስናይ ኣኽብሮቱ፡ ኤርትራ ካብቲ ዘይቅቡል ተግባራታ ክትቁጠብ ብንጹር ንሕብር። እንተደኣ ነቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓንቂ ተግባራት ደው ዘየቢሎሞ ግን፡ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና’’ ከምዝበለት እውን መርበብ ሲ.ኤን.ኤን ገሊጹ።
ሂላሪ ክሊንተን፡ በዓልቤታ ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1997 ኣብ ኤርትራ ዑደት “ጽቡቕ ባህጊ’’ (goodwill) ኣካይዳ ምንባራ ዝዝከር ኢዩ። ሽዑ ሂላሪ ክሊንተን፡ ኣብ መቓብር ስዉኣት በጺሓ፡ ገርብ ተኺላ፡ ናብ ገጠራት ከይዳ ሓረስቶት ኣዘራሪባ፡ ኣብ ናይ ፖሊዮ ክታበት ዝካየደሉን ካልእ ማእከል ጥዕናን በጺሓ፡ ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ተዋፊረን ዝነበራ ደቀንስትዮ ተራኺባ ምዝርራባ ኣይርሳዕን። ብሓፈሻ ኤርትራ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጽቡቕ ዝምድና ከምዝነበራ እውን ይዝከር። እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድሕሪ መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወስዶ ብዝጀመረ ግሁድ ከበድቲ ዓመጻት፡ ሓቀኛ ባህርያቱ እናተጋልሀ ጸረዲሞክራሲን ረጋጺ መሰል ሰብን ምዃኑ እናተኸሽሐ ምስምምጽኡ ዘስዓቦ ናይ ኣይትሓዙኒ ሸንዳሕዳሕን ዘለፋታትን፡ እቲ ዝምድና እናሻሕከረ ክመጽእ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብኣውርኡ ኣብዚ እዋን ብዝፍጽሞ ዘሎ ሓደገኛ ንጥፈታት፡ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዓለም ተፈንፊኑን ተኻዒቡን ይርከብ። ስለ’ዚ ድማ ዝውሰዶ ስጉምቲ ቀሊል ኪኸውን ከምዘይክእል ተንተንቲ ይእምቱ።