ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት 18-07-2009 ዓ.ም.
ኣብ ኵለን መርበብ ሓበሬታን ተቓወምቲ ረድዮታትን ክቃላሕ ዝጸንሔ ሰላማዊ ሰልፊ በቲ ዕለቱን ሰዓቱን ማለት ልክዕ ሰዓት 18.00 ኣብቲ ዝተመደበ ቦታ ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ካብ ርሑቕን ቀረባን ደበኽ ብምባል ነቲ መበገሲ ቦታ ብሓንሳብ መልእዎ።
ኣዳላውቲ ሰልፊ ዝቐረብዎ ኵሉ ናይ ሰልፊ መስርሒታቶም ተዳሊዮም ስለ ዝመጹ ብግዜኡ ንምብጋስ ጊዜ ኣይወሰድሎምን። ሰልፈኛታት ብብርክት ዝበሉ ወታሃደራት ጀርመን ተሰኒዮም ብስነ-ስርዓትን ጥርኑፍ ኣጋባብን ምዕሩግን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ዝሓዘለ ኣበጋግሳ ምስ ድሙቕ ድምጺን ውዕዉዕን በብዓይነቱን እውናውን ጨርሖን ምስቲ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ተኻፋሊ ስልፊ ነፍሲ ወከፉ ባንደራን ጭርሖን ሒዙ ስለ ዝነበረ ናይ ሰላማዊ መልክዑ ኣዝዩ ምዕሩግ ነይሩ።
እቲ ኣዝዩ ዘሔጉስን ሞራልካ ክብ ዘብልን ድማ ተኻፈልቲ ቁጽሪ ሰልፊ ዝበዝሑ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብምንባሮም እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ዘይሕለሉ ዓበይቲን ዘህለሉ ደሞክራስያውያን ኣያታት ነቲ ሰልፊ ክብርን ሞጉስን ሂበሞ ወዓሉ። ጭርሖ ዝመርሑ በቲ እዋናዊ ዝኾነ ጨርሖታት ብዘይ ምስልካይ መረረኦም ብምጕላሕ ንናይ ንሰልፈኛታት ጽቡቕ መንፈስ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብጸሖ። ዘበነ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቐብ ከም ዝብሃል ተቓዋማይ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ይገብር እምበር ኣቲ መንግስቲ እየ እንዳበለ ሞራሉ ዝተሰብረ ህግደፍ ቀድሜና ማለት ሰዓት ክልተ ጀሚሩ ካብቲ ህዝቢ ስለ ዝነፈጎ ኣዝዩ ትሑት ብዝኾነ ሰማዊ ቁጽሪ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ክብገስ ኣይከኣለን። ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን እንተኾነ ንስእሊ ዝኸውን መናፍሕ ስለ ዘይረኸበ ርእሶም ብምድናን ብሕፍረት ከም ተዋሕጡ ኣብ ገጾም ይረኤ ነይሩ።
ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ክንምለስ ናይ ሰላማዊ ማዕልቦና ምስ በጻሕና እቲ ብግቡእ ኣገባብ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ኣዳላዊት ሽማግለ ብቐደም ተኸተል ብናይ ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መግለጺ ተኸፊቱ ዝተፈላለየ ነቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕ በብዓይነቱ ጽሑፋትን ብስእሊ ዘተሰነየ ንዲክታተራዊ ህግደፍ ዝሃርም መዘክራትን ንህዝቢ ብብዝሒ ተዓደለ። ካብዚ እኹል ናይ መረናና መግለጺ ተወሂቡና ስለ ዝኾነ ነቲ በዓል ዘንጸባቕ ካብቲ ሰልፈኛታት ግትምታት ይኹን መዘክራት ብዓረብ ብትግርኛ ብቋንቋ ጀርመን ክንበብን ክግለጽን ውዒሉ።
እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ዝነበረ ግን ካብ ዕስራ ዝበዝሑ ዝቁጽሮም መንእሰያት ባእታታት ሰልፊ ብትብዓትን ምሉእ ሃገራዊ ስምዓትን ብወታሃደራት ጀርመን ተዓጂቦም ዝኣክል መዘክራት ተሰኪሞም ናብቲ ዳንኬራ ህግደፍ ዘኤቱ ኣፍደገ ከይዶም ንኵሉ ኣብቲ ፍስቲቫል ህግደፍ ንህዝቢ እንዳዓደሉን እንደ ኣረዱኡን ካብ ክልተ ሰዓት ዘይውሕድ መልእኽቶም ኣብጺሖም ብሰላም ናብቲ ብጸቶም ዘለውዎ ቦታ ተመሊሶም።
የማነ ገብረኣብ ናይቲ ፈስቲቫል ተወኪሉ ዝመጸ ንኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ይፍጸም ስለ ዝነበረ በቲ ናይ ተኻፋልነት ቁጺሪን ተባዕ ስጉምቲ ናይ ሰልፈኛታት ስለ ዝተዳህለ ካብቲ ቅሉዕ ጭንቀቱ ንሓደ ሓታታይ ካብቶም ተኻፈልቲ ናይ ተቓውሞ ስለ ዝኾንካ ኮፍ በል ከማኻ ዝበለ ክሓትት ኣይፍቀደሉን ኢዩ ብምባል ናይ ድኽመቱ ኣዋጅ ኣርኣየ።
እቲ ቀንዲ ዘሔጉስ ድማ ዋላኳ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበርናዮ ዘመስከረ ኣገባብ እንተ ነበረ ናይ ሎሚ ግን ብኵሉ ኣግባቡ ፍሉይነት ኣለዎ። ልኡኻት ወተሃደራት ጀርመን ብኽብሪ ብምርኣይ ካብቲ ዝተዋህበና መምርሒ ክንዲ መርፍእ ትኣክል ስለዘየጉደልና ኣዝዮም ሕጉሳት ኰይኖም ብምውዓሎም ብቓሎምን ኣንደበቶምን መስኪሮምልና ኢዮም። ስለዚ ምስዞም ብኽብሪ ክዕጁብና ዝወዓሉ ወተሃደራት ጀርመን ተምሳጊና ኵሉ ተሳታፊ ሰልፊ ነናብ ዓዱ ልክዕ ሰዓት 21.00 ብሰላም ተመልሰ።
አዳለዉቲ ሽማግለ ጀርመን