Eritrea: ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 29 ታሕሳስ፣ 2014
AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና ዜና
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን
29 ታሕሳስ፣ 2014
ዘይግዱስ ጠመተ ስርዓት ኣስመራ ንጉዳኡ መዓስከር ሸገራብ
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኣመልኪቱ ዘስመዖ ይዂን ዘርኣዮ ግብረ-መልሲ ዛጊት ዘይምህላዉ ፥ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታቱ ንዘለዎ ንዕቀት ዘነጽር ከዝኾነ ሓያሎ ወገናት ናብ ሬድዮ ድምጺ ደሊና ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽታት ሓቢሮም።
ስርዓት ኣስመራ ዜጋታቱ ብጭካነ እናተጨኮኑ ቃል’ኳ ዘይምውጽኡ ፥ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ብስቓይ ኤርትራውያን ደስ ከምዝብሎ ዘርኢ’ዩ ዝበሉ እቶም ወገናት፥ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ሸገራብ ቀጥታዊ ተገዳስነት ማሕበርሰብ ዓለምን ተደናገጽቲ ወገናትን ከይንፈጎም ተማሕጺኖም ኣለው።
ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለየ ኲነት ንዝሃልቊ ዜጋታቱ ዝኾነ ምድንጋጻት ምርኣይ ካብ ዝገድፎ ነዊሕ ኣቚጺሩ ከምዘሎ ወሲኾም ሓዘኖም ዝገለጹ እቶም ወገናት፥ ኣብ እዋን ህልቂት ላምፔዱሳ እቲ ስርዓት ዘርኣዮ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ከም ኣብነት ክውሰድ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዛጊት ዝተሓላለዂ ስግኣታት ሰፊኑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣጠማምታ ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ዘለዉ ራሻይዳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሉታዊ ኣናኾነ ይኸይድ ብምህላዉ ፥ ክኽሰት ዝኽእል ምዕባሌታት ንጹር ከምዘይኮነ እዩ ዝእመት ዘሎ።
ኣስታት 15 ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ኣብ ሰዓታት ከውታ ናይ 23 ታሕሳስ ኣብ ሩባ ዓትባራ ካብ ጨወይቲ ክሃድሙ ጥሒሎም ሂወቶም ድሕሪ ምስኣኖም ናብ መዓስከር ሸገራብ ብዝለሓመ ናዕቢ ክሳዕ ታሕሳስ 27 ሓያሎ ኤርትራውያን ክቆስሉን ናብ ሞት ክቃረቡን ከምእተራእዩ ይዝከር።********
ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ኔቭሱን ዝተመስረተ ክሲ
መሰረታዊ ምኽንያት ናይ’ቶም ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ኔቭሱን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ክሲ መሲቶም ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት’ቲ ኩባንያ ነበር፥ ኣብ ሃገሮም ውድዕ ሕጋዊ መስርሕን ትሕተ ቅርጺን ብዘይምህላው ከምዝኾነ ኤ.ኤፍ.ከይ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ።
እቶም ኣብ ቢሻ ዕደናዊ ንጥፈታት ንዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሱን ብጉዳይ ሰብኣዊ ግህሰትን ባርነታዊ ኣገልግሎትን ክሲ መስሪቶም ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን ፥ እቲ ኩባንያ ምስ ስርዓት ኣስመራ እናተሻረኸ ጉልበት ኤርትራውያን ይምዝምዝ ከምዘሎ ንዝወቅስ ክሶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2014’ዮም መስሪቶም።
መርበብ ሓበሬታ ኤ.ኤፍ.ከይ ወሲዂ፥ ፍርዳዊ ናጽነት ኣብ ዘይብላ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ዕደና ወጻኢ - ንስርዓት ኣስመራ ከም ምንጪ ነጻ ጉልበት ይጥቀማሉ ከምዘለዋ ብምግንዛብ፥ እተን ኩባንያታት ነዚ ሃጓፋት ካብ ምምዝማዝ ክቚጠባ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ኣብ’ቲ ክሲ ሰፊሩ ከምዘሎ፥ ኣብ ቢሻ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መብዛሕትኦም ኣባላት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ፥ ካብ’ቲ ዝሰርሕሉ ከባቢ ከየርሕቚ ከምዝግደዱ፥ ብዘይፍቓድ ካብ ስራሕ ምስ ዘብኲሩ ተሪር ኣካላዊ መቕጻዕቲ ከምዝወርዶም ፥ ከምኡ’ውን ኣዝዩ ትሑት ዝኾነ ክፍሊት ከምዝወሃቦም ክፍለጥ ክኢሉ ኣሎ።
ነቶም ክሲ ዝመስረቱ እትውክል ዘላ ካናዳዊት ጉጅለ-ተጣበቕቲ ብተደጋጋሚ ክትገልጾ ከምዝጸንሐት፥ ኣብ ትሕቲ ኩባንያ ኔቭሱን ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ባርነታዊ ኣተሓሕዛ ከምዝግበረሎም፥ ናይ’ዚ ቀንዲ ተሓተቲ ድማ እቲ ኩባንያን ምስኡ ዝሰርሑ ዘለዉ ከም “ሰገን ” ዝኣመሰሉ ኩባንያታት ህንጻ ስርዓት ኣስመራን ከምዝኾኑ’ያ ትዛረብ።
እዞም ኣብነታዊ ዝበሃል ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ክሲ መስሪቶም ዘለዉ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኩባንያ ኔቭሱን ነበር፥ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝረኸብዎ ግህሰት ፍርዳዊ መስርሕ ክረኽብሉ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ካናዳ ምስ ኣተዉ ዝተጋህሶም መሰላቶም ክዕቅቡ ኣብ ጻዕሪ ይርከቡ ኣለው።***********
Join VoD
VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.
The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.
We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.
We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.
VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS
• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents
• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories
• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation
• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation
• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio
• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect
To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.