ናይ ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ጎደና
ሐድሽ ቋንቋ አሎዋ ሃገርና
ንሐደ ካብዞም ኣብ ጎደና ዕለት 22 ለካቲት ዝውዕሉ፣ ሃገርና ኤርትራ እንታይ እዩ ቋንቋኣ ዝብል ሕቶ እንተተቕርበሉ፣ ካብ 9 ብሔራትና ቋንቋ ከምርጸና ሃሰውው ምበለ።
አብ”ዚ ሎሚ እዋን ግን ቋንቋ ሃገርና ኤርትራ ካብ 9 ቋንቋ ብሄራትና ወጻኢ ካልእ እዩ። ነዚ ቋንቋ እዚ ዝነቡን ዝርዱኡን ብዙሐት ደቃ እኳ እንተሃለውዋ ገለ ገለ ጹሉላት ናይ ጎደና ዕለት 22 ለካቲት ግን አሽንባይ ቋንቋኣ ሰሚዖም ሽግራታ ክርዱኡላን ክፈትሑላን ደማ ክውሕዝን ዓይና ክነብዕን ሃገርና ኤርትራ እንዳረኣ”ዩ እውን ብጩቕ አይብሉን። ከብዶም እቲ ምንታይ ብጥቕምን ረብሐን ስለ ዝተአስሩ ንካልኢት’ውን እንተተዛረብና እንታይ ገደሰኩም ጥራይ አይኮነን መልሰ ተግባር ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝስዕበና።
እንታይ ድአ ተመኒና ዘስራሕናዮ ቤትና አይንሰፍሮን ኢና። አብ ሃገርና ዘለዉ አረጊት አቦን አደን አይክንሪኦምን ኢናን፤ ውክልና ከይከሉኡና እዮም ዝብሉ ጉዳም ኤርትራዊያን። እዚኦም እዮም ዘረባ ኤርትራ ዘይርዱኡ ኤርትራዊያን። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት እዩ ቋንቋአ ሃገርና ኤርትራ። እዚ ከይትዛረቡ”ሲ ሰረቕቲ ምስራቕ ተኸልኪሎም ኢልኩም ክትምጉቱ ጉድ”ዩ ነገሩ፤
ናይዚ ሎሚ እዋን ቋንቋ ሃገርን እዋናዊ ሕቶናን ግን፤
- ስለምንታይ ዝተሰዉኡ 10ሽሕ ንዝጠፍኡ 50ሽሕ ዝሽነኑ?
- ስለምንታይ አብ ኤርትራ ትሕቲ ወዲ 54 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ተቖጺሩ?
- ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 47 ዓመት ካብ ሃገር ዘይወጻሉ?
- ስለምንታይ ብዘይ ፍርዲ ኣስታት 70 ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ይቕየዱ?
- ስለምንታይ ብዘይካ እምነት ካልእ በደል ዘይብሎም ይሕየሩ?
- ስለምንታይ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ አውጺካ አባይቲ ንሐለፍቲ ይወሃብ?
- ስለምንታይ ሐረስታይ ዝሐረሶ ምህርቲ ናብ ቖፉኡ ንከይእትዎ ተኸልኪሉ?
- ስለምንታይ ኡንኮ ዩኒቨርስቲ አብ ሃገርና ተዓጽዩ?
- ስለምንታይ መተካእታ ዩኒቨርስቲ መዓስከራት ዩኒቨርስቲ መሰል ተኸፊቱ?
- ስለምንታይ ንግዳዊ ንጥፈት አብ ሃገርና ተከልኪሉ?
- ስለምንታይ ህንጻዊ ስራሓት አብ ሃገርና ደስኪሉ?
- ስለምንታይ ፍርዳዊ አካል አብ ኤርትራ ተበዲሉ?
- ስለምንታይ ሃገራዊ ዕርቂ ንከይግበር ተዓጊቱ?
- ስለምንታይ አብ ገዛእ ሃገሩ መንእሰይ መንቐሳቐሲ ክሕተት ተገሩ?
- ስለምንታይ መንእሰያት ዝወልዱሉን ዝዝምቱሉን ጊዜኦም ተቓጺሉ?
- ስለምንታይ ተረከብትን ወረስትን መንእሰያት ካብ ሃገር ይስደዱን ይጠፍኡ?
* መን ንህዝቢ አጊዱ አይ መንግስቲ እንድዩ ንገዛእ ህዝቡ አጊዱ
* መን አጊዱኩም አይመንግስትኩም አስቤዛ ንስድራ ከይትሰዱ ከልኪሉኩም?
* ሕሰቡሉ ዳአ ጽቡቕ ገርኩም ዳሕራይ ታሪክ ከይሐተኩም?
* ሕሰቡሉ ዳ ጹቡቕ ገርኩም ሕልናኩም ከይነብር ክወቕሰኩም