32 ኣባላት ሐይሊባሕሪ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም፡ ካብ ባጽዕ ናብ የመን ኣትዮም።
ሳላሳን ክልተን ኣባላት ሓይሊባሕሪ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ፡ ብ3 ሚያዝያ 2009፡ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት፡ ሑደይዳ ኣብ ዝበሃል ቦታ የመን ኣትዮም ኢዶም ሂቦም።
እዞም ምሉእ ኣጽዋሮምን መራኸቢ ሬድዮታቶምን ሒዞም ብክልተ ጀላቡ ካብ ባጽዕ ዘምለጡ ኣባላት ሓይሊባሕሪ፡ መጀር ዮሴፍ ስዩም(ወዲ ስዩም) ዝርከቦም፡
- ኣርባዕተ ካፒተን፡
- ክልተ ትለንተ፡
- ሓሙሽተ ምክትል ትለንተ፡
- ሽዱሽተ ሰርጌንቲ፡ ኣርባዕተ ኮርፖራል፡
- ዓሰርተ ድማ ተራ ኣባላት ኢዮም።
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብቐጻሊ ብእኩብ ንስርዓት ህግደፍ ክርሕርሕዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሕጂ ስጉምቶም ግን ኣጸቢቑ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝሓቖፈ ኢዩ።