ሐድሽ ቅዲ ግፋ ብ ሞቫይል ተሚሩ
እሱ ድማ ኣብ,ዚ ቐረባ ጊዜ ደይ ወግዓውያን ስለ ዝኮኑ ብደይ ወግዓዊ አዋጅ አውጺኦም ኩሉ ትሕቲ ዕድመ ዘበለ ኤርትራዊ ዜጋ ሞቫይል ማለት ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ከይሕዝ ወይ ከይጥቀም አውጆም አሎዉ ብናይ ኤርትራ አቖጻጽራ ዕድመ ድማ ትሕቲ ዕድመ ዝባሃል ኣብ ኤርትራ ኩሉ ትሕቲ 53 ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ትሕቲ ዕድመ ማለቶም አብ ኤርትራ ።
ስለዚ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ አብ መገዲ እንዳከደ ኮነ አብ ጎደና ዶው ኢሉ ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ማለት ሞቫኢል ሒዙ ክዛረብ ዝተረክበ ይብል እቲ አዋጅ እታ ንዝኮነ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ንአብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጥ ህዝብና ሕልኑኡ ተዕርብ ብጣሽ መንቐሳቐሲ ወረቐት ይሕተት,ሞ ካብ ደገ ማለት ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ዜጋ ወይ ውን ተጋዳላይ እንተደይ ኮዩኑ'ሞ አባል ሃገራዊ አገልጉሎት ወይ ወን ዝኾብለለ እንተክዩኑ ነገር ተወዲኡ ማለት'ዩ ።
አባል ሃገራዊ አገልጉሎት እንተኾዩኑ ተለፎኑ ትውሰድ ( ትህገር ) ማለት'ዩ፡ ኣባል ሃገኣዊ አገልጉሎት ክንሱ ዝኾብለለ እንትኮዩኑ ግን ክሊቲኦም ባዕሉን ምስ ተለፎኑን ንብረት መንግስቲ ይኮኑ ( ይህገሩ ) ይውሰዱ ።
ስለዚ ዓቕለ ጽበታዊ ሃተፍተፍ ህ.ግ.ደ.ፋዊያን ጥርዚ ዝደየበሉ ግዜ ተበጺሑ ስለ ዘሎን ግብአተ መርየቶም ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሪኤሉ ጊዜ ዝተቓረበ ስለ ዝመስልን ነዛ ተሪፋ ዘላ ኒኢሽቶ ትንፋሶምን ወይ ዕምርምን ህ.ግ.ደ.ፍ መደምደምታን ንሐድሽ ሐርነታዊ ሐርነታዊ ንፋስ ህዝቢ ኤርትራ ዘተንፍሰላ ንምጅማር ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ በቢ ዓቅምናን በቢ ክእለትናን ኤእጃምና ነበርክት ኢደይ ኢድካ ንበል ሞ 50 ለሚን ን 1 ሸክሙ ን 50 ሰብ ግን - - - - ዝብል ምስላ አቦታት ንዘክር ።
ዓወት ን ውጹዓት ፍርዲ ን ዲክታተራውያን