7ተ መንእስያት ዓፋር ብጀልባ ናብ ወደብ ሑዶይዳ ንመንግስቲ የመን ኢዶም ምሃቦም ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ንህድማ እዞም 7ተ መንእስያት ግብረ መልሲ ኩራ ንምሃብ ዓንደ ማርያም ዘተባህለ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ብ01 ሓምለ 2011 ንህዝቢ ከተማ ጢዖ ኣኺቡ ብድሕሪ ምህዳድን ምፍርራሕን ንሓላፊ ልምዓት ባሕሪ ንመዕቆቢ ዓሳ ዝኸውን በረድን ነዳዲ ጀላቡ ከይወሃቦምን ንባሕሪ ከይወርዱን ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ። ከምኡ’ውን ንባሕሪ ዝወረድ ቅንጸላ ከም ዘካይድ ተሪር መጠንቐቅታ ሂቡ። እዚ ኣረሜናዊ ውሳኔ”ዚ ነቲ ብዓሳ ምግፋፍ ዝነብር ህዝቢ ዓፋር ከቢድን ንብረስቱ ዘዓለመን ሰለ ዝኾነ ብወገና ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ዘካይድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጅምላዊ ብርሰትን ካብ መረበቱ ምፍንቓልን ብሰላም ከይነብር ምሕራምን ኣብ ልዕሊ’ቲ ሂወት ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዘጥፍአ ሓደጋ እሳተ-ጎመራ ንምድሓኑን ሰብኣዊ መሰላቱ ንምውሓስን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንጽውዕ።
ቤት ጽሕፈት ዜና
ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
04/07/2011
Information & comm. Office ,Red Sea Afar Democratic Organization, Addis Ababa, Ethiopia+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it., Website: - www.dahlak.org