ሽወደን ዮቶቦሪ፤ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ብህግደፍ ዝተላእከ ግርማ ኣስመሮም ብዓወት ተዛዚሙ።
ክልተ ሰዓት ቅድሚ እዚ ናይ ደሞክራስያውያን ኤርትራውያን ሽወደናውያን ሰልፊ ምጅማሩ፤ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወከልቲ አብቲ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝውነን ናይ ረድዮ መደበር ቀሪቦም አንጻር እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰፊሕ ዘመተታት አካይዶም እኳ እንተነበሩ ዕላምኦምን ፈተነታቶምን ፈሺሉ።

ግርማ አስመሮም ንባዕሉ ካብ ተቃወምቲ ኤርትራውያንን ነቶም ንሰዓታት ክሓትዎ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ናይ ሽወደን ጋዜጠኛታት ከይረኽብዎ ገፊሕ አፍደገ ገዲፉ፣ ተሓቢኡ እንዳጎየየ ብሑጋ አብቲ ኣኼባ አትዩ::Foto: Lennart Rehnman
ተኻፈልቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ጭርሖ፤
- ውድቀት ንኢሰያስ
- ዲክታቶር አብ ኤርትራ አየድልየናን
- ስቅያት ህዝብና ስቅያትና እዩ
- ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ
- ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
- ዳዊት ኢሳቕ ይፈታሕ - ነጻ ይለቀቕ
- ዓወት ንሓፋሽ
- ግርማ አስመሮም መንእሰያት አይተታልል
- ሓቀኛ ኤርትራዊ አፍደገ ጊዲፉ ብሑጋ አይአቱን'ዩ ዝብሉ ይርከብዎም።
