ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ በርሊን (ቀዳማይ ክፋል)
እቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ጀርመንን ብስቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምቲ ውልቀ ሰባት ኤርትራውያንን ትማሊ ረቡዕ ዕለት 20-05-2009 ዓ.ም. ብብርክት ዝበለ ቁጽሪ ሰለፈኛታት ብዓወት ተሰላሲሉ።
ነቲ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ኣሰቃቒ ምሕደራ ህግደፍ መረረ ህዝብና ንምግላጽ ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገረ ጀርመን ብተገድስነትን ሓቦን ተጓዒዞም ኣብ ከተማ በርሊን ብግዜኡ ብምእታው፤ ካብቲ ፍቑድ ቦታ ፖስትዳመር ፕላትስ (Postdamerplatz) ሰዓት 10.30
ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ እቲ ውሩይ ማዕከን ዜና ጀርመን ዶቸ ቨለን (Deusche Wellle) መደበሩ ኣብ በርሊን ዝኾነ መደበር ዜና ሩንድፉንግ በርሊንን ብራንደንቡርግን ( Rundfung Berlin/ Brandenburg) ተኻፊሉ ውዒሉ።
ከምኡውን ወብሳይት መሰልና ደሊና ድማ ብተለፎን ምስ ምምሕዳር ኣዳለውቲ ሰልፊ ብምሉእ ምክትታል ተኻፊሎም ውዒሎም።
እቲ ጽቡቕ መለለዪ ናይዚ ሰልፊዚ ድማ መንእሰያት ብብዝሒ ምንባሮምን ኢዩ። ሰልፈኛ ኣብ ቅድሚ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጸሕፈት ዘሎ ሰፊሕ ፓርክ (park) ዘለዎ መግጺታቱን ጭርሖኡን መረርኡ ብምግላጽ ክሳዕ ሰዓት 13.30 ድሕሪ ቀትሪ ብምጽናሕ
ንመደብ ሰልፉ ብዝኽሪ ስዉእት ዛዚሙ ጉዕዝኡ ብዓወት ነናብ ዝነብረሉ ቦታ ብሰላም ተመሊሱ።