“ሃይሉ”፤ ሚዙሪ ሓብታ ንሳባ ሃይሉ በዓልቲ ቤቱ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ን”መኸተ” ዲሲ ትልእኽ። ስም ኣቦ እንታይ ኮይኑክን?
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብመቕርቡን ቤተ ሰቡን ጌሩ ንእገዳ ንምግምጣል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ብስም ናይ “ካልኦት” ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ እሙናት ኣሎ ዝበሃል ንብረትን ገንዘብን ከይንትከፎ ምእንቲ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ቁጠባ ሓላፊ ሓጎስ ገብረሂወት “ክሻ” ዝተፈረመ ብስም ወዱ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኢሳያስ ኣብ ናይ ቻይና ገንዘብ ኣሎ ዝብል ዜና ተመሓላሊፉ ኔሩ። ተሳተፍቲ ሰልፊ ከምዝሓብርዎ ኣብ ኮሎምበስ ዝቕመጥ ሓው ብዘይ ምስታፉ ንዋዛ ድኣምበር ኣብ ቁም ነገር እንተሃልዩ ባዕሉ ኢሳያስ እውን ኣብቲ ሰልፊ ክሳተፍ ኣይደልዮን ኢዩ።
ስርዓት ኢሳያስ ነቶም “ንጡፋት” ኢሉ ዝግምቶም ሰባት ብድሕሪ መጋረጃ ክገብሮም እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ግን ብፍላይ ኣብ ቅድሚት ብምምጻእ ናይ “ሕዝቢ”ን ተራ ሰብን ሓገዝ ኣለኒ ንምባል ይጥቀመልን ኢዩ። ስለዚ ድማ ናይ ወይዘሮ ኣኽበረት ኣብ ጽርግያ ዲሲ ምውጻእ ቅቡል ኢዩ። ስርዓት ኢስያስ ንስድራ ቤት ኤርትራ ኣብ ምፍራስን ስነ ስርዓትን ክብረትን ደቂ ኣንስትዮ ብምቕንጣጥን ንስድነት ከም “ቅቡል” ጌርካ ንኽረእ ብምፍታን ነውርነት ከም ባንዴራ ኣብ ግንባሩ ደፊኡ ይርከብ።
እዞም ኣስታት 900 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ብኸመይ ተወዲቦም ንዝብል ሕቶ፣ ዕሉል “ሃገራውነት”ን ጥቅምን ናይ ስድራ ቤት ናይ ምርኣይ ድፊኢት እኳ እንተሃለወ እቲ ወዳበ ብግዜ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኢዩ ሰሲኑ። ሰመረ ርእሶም ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ዑደት እናገበረደ “እሙናት” ሰባት የጥሪ ከምዝነበረን (ብፍላይ ብስንሰለት ናይ ብቤተ ስቡ ዝኾኑ ናይ እምባየ ርእሶም ሓደራ፣ ሓወቡኡ ማለት ኢዩ) ኣብ ሚኒሶታን ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን እኳ እንተድሃበ ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን “እሙናት” ሰባት ኣቐሚጡ ኢዩ ይብሃል።
እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ማለት በብሓደ ሰባት እናለለኻ፣ ብዝምድና ይኹን ቀደም ይፈልጣ፣ጦ፣ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት በብሓደ እናፈለኻ ምውዳብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝጠቀመሎም ቅድሚ ነጻነት ዝጸንሐ ስልትታት ኢዩ። ናይ ገለ ሰባት ናይ ኣድህቦ ድሌት ስለዝዕዘብን ባዕሉ ዘይቆጻጸሮ ባእታ ክህሉ ከኣ ስለዘይደሊ መሳርሕቱ ከይፈለጡ (እንተፈለጡን እውን እቲ ጥልቀት ናይቲ ርክብ ይሕብኦም) ብቐጥታ ዝረኽቦም ሰባት ኣጥሪዩ ኢዩ። ኣብነታት ናይዚኣቶም ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፣ ጴውሎስ ተስፋጊዮርጊስ፣ ኤልያስ ሃብተስላሰ፣ ወልደጽዮን ምስግናን ካልኦት ገለ ኣብ ውሽጢ ገለን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም መሳርሕቲ ናይ እሱር ጴጥሮስ ሰለሙን እዮም እናተባህሉ ግንከ ብድሕሪኡን ኣብ ቅድሚኡን ቀጥታዊ ርክብ ምስ ኢሳያስ ዝነበሮም ኢዮም። ኣብ ኣስመራ እውን እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ እዩ ተኣታትዩ። ስለዚ ከኣ ንዝኾነ ዓይነት ውሳነ “ናብቲ ሰብኣይ” ይኺድ ክብሉ ይውዕሉ።
ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ከምዚ ዓይነት ነገር ክርከብ እዩ ተባሂሉ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ ንኤውሮጳ ሰጊሩ ዝብል ወረ ብሰዓብቱ ተፈንዩ ኔሩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንነጻ ዘረባን ነጻ ምክትታል ብዛዕባ ብስም ሃገርን ሕዝብን ዝተረኽበ ገንዘብ ይኹን ብዛዕባ መሰል ሕዝቢ ክሕተትን ኣብ ማዕከናት ዜና ክወጽእ ኣየፍቅድን ኢዩ።