ናይ ሞት መንፈስ አብ ዙርያ ኤርትራዊያን
ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሰማዒ ዘይብሉ ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ አብ ሃገሮም ብሰላም ንኸይነብሩ እሾክ እግሪ ኮይኑ እንዳወግኤ ለይትን ቀትርን ከም ቁርዲድ ደሞም እንዳመጸየ ብምስምስ ሃገራዊ አገልግሎት መወዳታ ዘይብሉ ናይ በረኻ ናብራ እንዳጮቆነ ዓፊኑ ካብ ዝሓዞም ስርዓት ንምህዳም ክብሉ ፈቆዶ ስደትን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕርን ግዳይ ሕጻ በረኻን ኮይኖም የርከቡ ኣለዉ
ዋና ጸሓፊ Pd Dario Franceschini ካብቶም ብሕይወት ዝተረፉ 5 ኤርትራዊያን ነቶም ኣዚዮም ዝተጎድኡ 2 ኤርትራዊያን አብ ተዓቂቦሙሉ ዘለዉ ሆስፒታል ከይዱ ድሕሪ ምርኣይ እዚ አጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ ናይ ኢታሊን ማልታን ኮሙ እውን ናይ ሕቡራት አውሮፓ ሓላፍነት እዩ ክብል አታሓሳሲቡ፥ ነዞም ናይዚ አሰቃቂ ግደ ሞት ኮይኖም ዘለዉ 73 ኤርትራዊያን ኣብ ካቴድራለ ናይ ሳንቶ እስቴፋኖ ኣብ ፕራቶ ብ Monsignore Gastone simone ዝምራሕ ቅዳሴ ንቀዳም ዕለት 29 08 2009 ክግበር እዩ፥አብቲ ቅዳሴ መጨረሽታ ናይ ኤርትራ ካቶሊክ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ኣብቲ ናይ ቤተኽርስቲያን ሓደ አዳራሽ ብምሓዝ ከምቲ ባህላዊ ደንቢ ሃገሮም ፍትሓት ክገብሩሎም ክምዝኾኑ ሓቢሮም፥