ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: 12 - 13 ክፋል
Article Index
ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 12 ክፋል 04/12/2013
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።
ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መበል 11 ክፋል ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ኣብቲ ውድብ ምስ ጀመረ፣ ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ፣ እቶም ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት ድማ፣ ነቲ ጉዳይ ንምዕራይ ክብሉ ናብቲ ናይ 60ታት (ዘምነ ክፍልታት) ዝምለሱ፣ እምነቶም ኣብ ህዝቢ ብምግባር፣ ነቲ ኩነታት ተጻዊሮም፣ ‘ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ (ምብራር መግዛእቲ) ምትኳር ይሓይሽ’ ዝብል ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢየ ገሊጸ።
እቲ ውድብ ድማ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ኮይኑ ከም ዝማዕበለ፣ እቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ሰባት ድማ፣ እቶም ስም ኣመንቲ ክርስትና ዘለዎም መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ከባቢ፣ እቶም ኣስማት ኣመንቲ ምስልምና ዝሓዙ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ውሱን ከባቢ ምንባሮም’ውን ገሊጸ ነይረ።
ኣብ ብዙሕ ሰብ ‘ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ተመሪጹ?’ ዝብል ሕቶ ከለዓዕል ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ፍሉይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ ቅድሚ ምዝራበይ ድማ፣ ንሎሚ ከም መቐጸልታ ናይዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣተዓዳድላ ሓላፍነት፣ ኣብዚ መበል 12 ክፋል፣ ብዛዕባ’ቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝሃቦ ወታደራዊ ማዕረግ ቁሩብ ክገልጽ ኢየ። ኣብቲ ዝቅጽል ክፋላት ድማ ብሰንኩ፣ ኣብ መላእ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘጋጠመ ሳዕቤን ክገልጽ ኢየ።
ወታደራዊ ማዕርግ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
ናይዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሓቅነት ዘረጋግጽ ካልእ ፍጻሜ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወታደራዊ ማዕረግ ክዕደል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ፕረዘደንት ኢሰያስ ባዕሉ ንገለ ሰባት ወታደራዊ ማዕረግ ከም ዝዓደለ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኡ ተዛሪቡ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ናይቶም መኮነናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም፦
1. ጀነራል ስብሓት ኢፍረም = እባርዳእ (ሓማሴን)
2. መ/ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንደማርያም = ኣፍደዩ (ሓማሴን)
- መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ = ዓዲንፋስ (ሓማሴን)
- መ/ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ = ጸሎት (ሓማሴን)
- መ/ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል =ዓዲመንጎልቲ (ተኸላ -ሰራየ)
- መ/ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሀር =በራኽ (ተኸላ - ሰራየ)
- መ/ጀነራል ኣሕመድ ካሪካረ = ካብ ዓፋር (ደንካልያ)/
- መ/ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይ = ካብ ዓፋር (ደንካልያ)
- መ/ጀነራል ዑመር ጠዊል = ዓዲ ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ፣ ሰምሃር)
- መ/ጀነራል ኣሕመድ ካካይ = ካብ ሳሆ (ኣከለጉዛይ)
ሓበሬታ፦ እዚ ዝርዝር ኣስማት’ዚ ነቶም ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ኢሰያስ ባዕሉ መጀር ጀነራል ዝሃቦም ጥራይ እምበር፣ ነቶም ናይ ብርጋደር ጀነራል ማዕረግ ዝተዋህቦምን ድሒሮም ነቲ ናይ መጀር ጀነራል ማዕረግ ዝወሰዱን ኣየጠቓልልን ኢዩ።
ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረአ’ውን 4 ካብቶም 10 ፕረዚደንት ባዕሉ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም መኮነናት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምንባሮምን ድሒሩ ኣብ ወሳኒ ቦታ ተመዲቦም ክሰርሑ ምምዳቦምን ጥራይ፣ እቲ ኣሰራርሓ ብቐንዱ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዘተኣታተዎ ምዃኑ ኢዩ። ድሒርና ከም እንርእዮ፣ ካብቲ ዝረኣናዮ ቊጽሪ ንላዕሊ፣ ነቶም ካልኦት ዝተዋህበ ናይ ስራሕ ብጽሒት ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኢዩ ዘነጽሮ። እቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝጀመሮ ስራሕ ብኡ ንብኡ ንታሕቲ ወሪዱ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሎም ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ ዓዲንፋስ ጥራይ ንመ/ጀ/ተኽላይ ሓዊስካ 6 መኮነናት ናይ ጀነራል ማዕረግ ኣለዎም። ክልተ ካብኣቶም ሓወቦን ወዲሓዉን ምዃኖም ድማ ነቲ ኣሰራርሓ ዝያዳ ዘነጽር ኢዩ። ንሳቶም ድማ፦
- መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ = ዓዲንፋስ ሓማሴን
- ብር/ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ (ቀያሕታይ) = ዓዲንፋስ ሓማሴን
- ብር/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስ ይስሓቕ = ዓዲንፋስ ሓማሴን
- ብር/ጀነራል ጸሃየ ካሕሳይ = ዓዲንፋስ ሓማሴን
- ብር/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም = ዓዲንፋስ ሓማሴን
- ብር/ጀነራል ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ) = ዓዲንፋስ ሓማሴን
ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝዝረብ ዕላል’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናትን (ሚኒስተራት) ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ካብ ኩሉ ከባቢታትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖትን እንድዮም” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ነዚኣ ብንጹር እተብርህ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ናይታ ሚጢራዊት ሰልፍን ዝነበረ፣ የማነ ተኽለገርግስ ንሬድዮ ወጋሕታ ዝሃቦ ቃል ነዚ ይመስል፣-
“ድሮ ጉባኤ ‘እዚ ውድብ በዞም ዘለዉ መራሕቲ ገርካ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ሒዝካ ከትከይድ ስለ ዘይከኣል፣ ነዚ ውድብ ኢንስቲቱሽናላይዝድ ክንገብሮ ኣለና።” ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ነይረ። እታ ኢንስቲቱሽን’ ትብል ቃል ንቓላ ትርድኣኒ ኢያ። ብኸመይ ይጥቀሙላ ኣለዉ ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘ከመይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኢኹም ከተታኣታትዉ ትደልዩ ዘለኹም? እዛ ‘ኢንስቲቱሽናላይዝድ’ ክንገብሮ ኢና’ ትብል ዘረባ ኣይተረድኣትን’ ምስ በልክዎ፣.. “እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ። ከምዚ ገርካ እንተዘይኮይኑ፣ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስራሕ ድማ ዕንቅፋት ይፈጥር ስለዘሎ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ፣ እዚ ውድብ ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል።…” ኢሉኒ።
… ቃል ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ፣ 7ይ ክፋል
እቲ ግዜ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ወይ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። እዛ ሓጻር እትመስል ግን ንብዙሕ ሚስጢራት ናይቲ ኣሰራርሓ ብንጹር ኢያ ትገልጽ። እቶም ድኹማት ዝተባህሉ ሓለፍቲ፣ እቲ ፕረዚደንት ስለዝደለዮም ጥራሕ፣ ባዕሉ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ዕንቅፋት ዝፈጥርሉ እንተኾይኖም’ውን ንምእላዮም፣ ንምእሳሮም ይኹን ንምቕታሎም ጸገም የብሉን። እንተ’ቲ ‘ክኢላታት ወይ ምሁራት’ ዝብል ዘረባ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ምሁርን ክኢላን ክስደድ እምበር ከመሓድር ኣይረኣናን። እታ ‘ክኢላታትን ምሁራትን’ ትብል ሓረግ፣ ‘ብእሙናትን ኣገልገልትን’ እንተ-ተተኪኣ ግን ልክዕ ኢያ ትመጽእ። ጴጥሮስ ንየማነ ዘየግሃደሉ ንእሽቶ ሚስጢር እንተ-ተሪፋቶ ድማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። እቶም ‘ወከልቲ’ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሚኒስተራን ካልኦት ሓለፍትን እምበኣር፣ በቶም ወግዓዊ ሹመት ዘይብሎም፣ ግን ከኣ ፕረዚደንት ብዝሃቦም እምነት፣ ምሉእ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተወዲኡ ዝተዋህቦም ዝፍርሙ፣ ስም ጥራይ ዝሓዙ ምስሊታት ኢዮም። እቶም ወግዓዊ ስልጣን ዘይብሎም፣ ‘ወዳእቲ ስራሕ’ በዓል መን ኢዮም? ዝብል ሕቶ ግን ገና ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።
ነዚኣ እትመሳሰል ኣብ ኣስመራ ከለኹ፣ ዝሰማዕኩዋ ሓቤረታ’ውን ኣላ። እቲ ግዜ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝጣየሱሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ። ፋዱስ ኮይኑ ኩሉ ሰራሕተኛ ከካብ ቤት-ጽሕፈቱ ናብ ምስሑ ዝወጻሉ እዋን። ሚኒስተር እገሌ’ውን ከም ሰቡ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ወጺኡ፣ ኣብቲ ግዳም ሓደ - ኣብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ዝፈልጦ ሰብ ይርኢ’ሞ፣ ጸዊዑ ምዉቅ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቡ “ስራሕ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ተጋዳላይ ገሪሙዎ፣ ነታ ሽዑ ዝተቐበላ “ተጣይስካ” ትብል በቲ ሚኒስትሪ ዝተዋህበቶ ደብዳቤ የርእዮ። እቲ ሚኒስተር ሰንቢዱ “እዋእ! ኣነ ድኣ ዘይፈለጥኩ!” ብምባል ነቲ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ደብዳቤኡ መሊሱሉ። እቶም ከም ወከልቲ ዝተቐመጡ ሚኒስተራት እምበኣር፣ ናይ ሚኒስተር ስም እምበር፣ ናይ ሚኒስተር ስልጣን የብሎምን።
እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጡ ነቒዑ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ምስ ወደቐ፣ ኣብ ክቱር ስግኣት ዝወደቐ መራሕ ሃገር፣ ነቶም ዝኣምኖምን ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝዓደሎምን ጀነራላት ኣብ ጥቕኡ ከቐምጦምን ህዝቢ ከበሳብሱ፣ ምሉእ ስልጣን ክህቦምን ርኢናዮ። እቶም በብግዜኡ እናተቐያየሩ፣ ብባርኾት ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ተቐሚጦም፣ ንኹሉ ጸጥታውን ስለያውን ንጥፈታት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ብምግባር፣ ንምልእቲ ከተማ ኣስመራ ቀጥ-ቀጥ ከብሉዋ ዝጸንሑን ዘለዉን ጀነራላት፣ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ እምበር፣ እቶም ኣብያተ-ጽሕፈቶም ካብ ናቕፋ ንዓሰብ፣ ካብ ዓሰብ ድማ ንባረንቱ ዝተቐያየረ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ፣ እዚ እምነት’ዚ ክወሃቦም ኣይረኣናን።
ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ። ዕላማን ሳዕቤንን ናይ ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ዝስዕብ ክፋል ክገልጾ ኢየ።
ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን
ውልቃዊ ትዕዝብቲ
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
መበል 13 ክፋል 08/12/2013
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።
ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።
ኣብ መበል 12 ክፋል፣ “ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም
መቐጸልትኡ ይስዕብ ….
ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ
ዕላማ፦ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ከም ፖሊሲ፣ ንህዝቢ’ቲ ዝተወሰነ ከባቢ ይኹን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት ንምርባሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ ኣገባብ ኣይኮነን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ዓቢ ረብሓ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት (እቶም ጀነራላት) ብተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዝተዓብለለ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ምስ ተወለድቲ ናይ ካልእ ከባቢ፣ ብሀር ወይ’ውን ካልእ ሃይማኖት፣ ኣብ ህልኽን ውድድርን ይኣቱ። ስለዚ ዋላ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ኣመራርሓ፣ ጸገማትን ዘየሰማምዖ ነገራት’ውን እንተለዎ፣ ዋላ’ውን ነቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ብዓንዳ-ርእሱ ዘይቅበሎን ዘይኣምነሉን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ‘ወገነይ፣ ናተይ’ ዝብሎ ጉጅለ፣ ክሳብ ዕልዋ ዝበጽሕ ተጻባኢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ክሕደት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ’ቲ ዝርእዮን ዘጋጥሞን ጸገማት ከም ቅቡልን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ግዝያዊ ምጉንፋጥን ጥራይ ወሲዱ፣ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ዝፍትን።
ብኸምዚ ከኣ እቶም ብዘለዎም ከባቢያውን ስጋውን ቅርበት ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ ውልቀ-መላኺ ሓልዮሙሉ ዘይኮኑስ፣ ነንሕድሕዶም ኣሕሊፎም ንኸይወሃሃቡ ጥራይ፣ ካብቲ ካልእ ከም መቐናቕንቲ ዝርእዩዎ ወገን እናሰግኡ፣ ንዝኾነ ምልዕዓል እናጨፍለቑ፣ ከምቲ ዘለዉዎ ክነብሩ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ዕልዋ ምግባር ወይ መንግስቲ ምእላይ ማለት፣ ምቕታልን ምእሳርን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን መኮነናትን ናይቲ ስርዓት ማለት ኢዩ። እቶም ትዓልዎም (ትቐትሎምን ትኣስሮምን) ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቂ ዓድኻን ኣዝማድካን እንተ-ኾይኖም ድማ፣ ካብ ክትዓልዎም - ክትቀርቦምን ክትሕልዎምን ይምረጽ። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ንኣዝዮም ውሑዳት ግን ከኣ ኣዝዮም ዝቀራረቡን ነንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን መኮነናት ሒዙ፣ ቀሲኑን ተዛንዩን ዝነብር። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ ህግደፍ፣ ልክዕ ከም ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ክሳብ ንሓወቦን ወዲ-ሓዉን ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዕድል ስርዓት ዝኾነ። ድሕሪ’ቲ ጥንቁቕ ሕርያ መኮነናትን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ሚስጥር እምበኣር እዚ ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ብዛዕባ ጸይቅታት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ዝዛረቡ፣ ‘ብኸመይ ይተኣለ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ማንታ ሓሳብ ዝህቡ ምሁራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን ጸገሞም እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኢዩ።
እቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ወዲ ዓሊን ጉጅልኡን ዝተራእየ መዘና ኣልቦ ጥልመትን፣ ድሕሪኡ በቲ ጠላም ጉጅለ ዝተዋህቦ ስምን (ናይ ኣስላም ምልዕዓል ኢዩ ዝብል) ‘ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ። ብሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ‘ብጀነራላት ዝተወደበ ወታደራዊ ዕልዋ ክግበር’ ዘለዎ ተኽእሎ ‘ፍጹም ዘይከኣል’ዩ (impossible)’ እኳ እንተዘይበልኩ፣ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ግን ከብርህ እፈቱ። ነዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብጥንቓቐ ኢዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ ዋላ’ውን ቅድሚኡ፣ ነቶም ኣብቲ ሰራዊት ኣብ ሓልፍነት ዝነበሩ ተወለድቲ ናይቲ ካልእ ከባቢ፣ ብደርዘናት ጠርኒፉ ካብቲ ወታደራዊ መሪሕነት ከባርሮምን፣ ኣብ ተራ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ክሰኹዖምን ጸኒሑ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ኣብ ስደት፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ወይ ተመሳሳሊ ስልጣን ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓቲትካ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ።
ሕጂ’ውን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ እዞም ውሑዳት ሰብ ድሩራ፣ ንህዝቢ ናይቲ ዝተወልድሉ ከባቢ፣ ብጭቡጥ ዝረአ፣ ሓለፋ ካልእ ከባቢ ዝገበሩሉ ጉንዖ የለን። ህዝቢ ናይቲ ከባቢ’ውን ‘ዓድና ዝበዝሑ ጀነራላት ወይ ኮሎኔላት ኣለዉዋ’ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ብውሽጡ ዝያዳ ካልኦት ኣሕዋቱ ሓለፋ ዝጽበ ህዝቢ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ እቲ ህግደፍ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝወልዖ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ኲናት ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና መኺኑ ኣይምተረፈን። ኣነ’ውን ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ንስዉር ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ንምቅላዕን፣ ህዝቢ ነቲ ሽርሕታት ከም ዝካታዓሉን ዝዘራረበሉን ንምግባር ድኣ’ምበር፣ ነቶም ኣብ ጎነይ ዝተጋደሉን ዝተሰውኡን፣ ገና’ውን ዝቃለሱ ዘለዉ ብጾት (ደቂ‘ቲ ከባቢ) ናብዚ ደረጃ’ዚ ንምውራድ ኣይኮነን።
ሳዕቤን፦ እቶም ናብ ሓላፍነት ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ዝተመርጹን ብዓዲ ዝቀራረቡን እንተድኣ ኮይኖም፣ በቲ ካልእ ወገን’ውን ተመሳሳሊ ብቕዓት ዘለዎም ተወለድቲ ካልእ ከባቢ/ ብሀር ወይ ሃይማኖት፣ ካብቲ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝውገኑ ስለ ዝህልዉ፣ ፖሊቲካዊ ውደባ ናይታ ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ-ሓሳብ (ideology) ዝምርኮስ፣ ሃይማኖታውን ብሀራውን መልክዕ ዝተሓወሶ፣ ናብ ናይ ከባቢታት ህልኽ ይልወጥ። ምኽንያቱ ገለ ወገን ብሳላ’ቲ ዝሓዝዎ ስልጣን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ክጥቀምሉ ከለዉ፣ እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተወገኑ ከባቢታት ድማ ማዕረ ተጠቀምቲ ሃብቲ ሃገር ንምዃን ክቃለሱ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ነቶም ሰብ ሓለፋ (political elite) ብዝያዳ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ሓሪሱን ሸቂሉን ዝነብር ተራ ህዝቢ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ስለዘእትዉዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውልቀ-ሰብ ንብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዝገዝእ ወታደራዊ ስርዓት’ሞ ከኣ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዓሚቚ ኢዩ።
ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ወታደራዊ ኢዩ። ነቲ ወታደራዊ ስርዓት ዝመርሕ ከኣ፣ እቲ ባዕሉ ናይ ፕረዚደንት ማዕረግ ዝሰቐለ ውልቀ-ሰብ ኢዩ። ንሱ ‘የገልግሉኒ ኢዮም’ ንዝበሎም ውልቀ-ሰባት፣ ጀነራል ወይ ሚኒስተር ገይሩ ክሸሞም ከሎ፣ ነቶም ዘየርብሕዎ (ወይ ዘስግእዎ) ድማ የባርሮም፣ ይኣስሮም፣ ይቐትሎም። ስለዚ ናብቲ ንብምሉኡ ጸጋታት ናይታ ሃገር ከም ድላዩ ዘመቓርሕን ዝውግንን ፕረዚደንት እናቀረብካ ክትከይድ ከለኻ (እዚ ከኣ፣ ንዕኡ ብእትህቦ ኣገልግሎት ወይ ብመሳልል ናይ ስልጣን፣ ወይ’ውን ብኽልቲኡ መንገዲ ክኸውን ይኽእል)፣ ኣጻብዕትኻ ኣብ ምምንዛዕ ሃብቲ ሃገር ክዋስኣ ዝቐለለ ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ምዃን ማለት ተራ ወታደራዊ ስልጣን ኣይኮነን። ከከምቲ ናብቲ ሃብቲ ሃገር ዝውንን ፕረዚደንት ዘለካ ቅርበት፣ ተኻፋሊ ጸጋታት ናይታ ሃገር ምዃን ማለት ኢዩ። ንጉልበት ናይቲ ኣብ ትሕቴኻ ትእዝዞ ሰራዊት፣ ነዳቓይን ሚነዋለን ኮይኑ ናይ ውልቅኻ ገዛውቲ ከተስርሖ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ዝተፈላለየ ኣስማት እናሃብካ ኣብ ዓበይቲ ሕርሻታት ከተስርሖን፣ ብዛዕባ እቶት ናይቲ ዘፍረዮ ግን ከም ዘይሓትትን ኣፉ ከም ዝዓብስ ክትገብሮን ምኽኣል ማለት ኢዩ። ናይ ዓድታትን ውልቀ-ሰባትን መሬት መንጢልካ፣ ኣብ ደስ ዝበለካ መዓላ ከተውዕሎ ምኽኣል ማለት ኢዩ። መካይንን ንብረት መንግስትን፣ ብዘይ ገደብ ብግልኻ ክትጥቀመኩ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ካብ ሕግታት ግምሩኽ ወጻኢ፣ ብዓበይቲ ወታደራዊ መካይን ንሸቐጥ ዝኽውን ንብረት ከተመላልስ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ንዘይተደልዩ ሰባት ብትሕጃ ንዓመታት ክትሕይሮም ምኽኣል ማለት ኢዩ። ሎሚ ጀነራላት ኤርትራ፣ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ከፍርሱ፣ ክእዝዙ፣ ክእግዱ፣ ከባርሩ ስልጣን ኣለዎም። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ጀነራላት ካብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝኾኑ ድማ፣ እቲ ኩነታት ካብ ተራ ፖሊቲካዊ ሕቶ፣ ቀስ እናበለ፣ ናብ ‘ተበዲልና’ ዝብል ስምዒትን፣ ከባቢያዊ ጽልእን ቅርሕንትን ክምዕብል ዝቐለለ ኢዩ።
ብኸምዚ ድማ እቶም ውሑዳት ሰብ- ሓለፋ፣ እሞ ከኣ ደቂ ሓደ ከብቢ ብዓብላሊ ደረጃ ሰበ-ስልጣናትን መኮነናትን ብምዃን ዝቆጻጸርዎ መንግስቲ፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ደስ ብዝበሎም መንገዲ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦምን ጥቕሚ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን ከውዕልዎን ከባኽንዎን ከለዉ፣ እቲ ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ፋሕ ኢሉ ዝነብር ተወላዲ ዝተፈላለያ ብሀራትን ኣውራጃታትን ድማ፣ ካብ ጸጋታት ናይታ ሃገር ርሒቑ፣ ጓናን ተዓዛብን ኮይኑ ክነብር ይግደድ። እቲ ውልቀ-መላኽን ተኸተልቱን ድማ፣ እዛ ረብሓ’ዚኣ ንኸይትኸዶም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ህዝቢ ዘሎ ካልኣውን ዘይመሰረታውን ግርጭታት እናኣባልሑን (ነዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ የፍስስሉ ኢዮም) ኣብ ነንሕድሕዱ እናተሃላለኸ ከም ዝነብር ይገብሩ። ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ሎሚ ዘይክረአ ይኽእል ይኸውን። ስርዓት ህግደፍ ብኸምዚ ሒዙዎ ዘሎ መንገዲ ክኸይድ ግዜ እንተ-ተዋሂቡዎ ግን ግድን ክህሉ ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ህዝብና ኣቐዲሙ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዘለዎ።
እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?
ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ዕላምኡን ሳዕቤኑን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ንገለ ካብ በሰላታቱ ከም ኣብነት ከቕርብ ኢየ።
… ይቕጽል