“ስሉሳዊ ዝምድና” ዶ ክልተኣዊ ዝምድና?

(እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ኣባል ሓ/ም/ኤርትራ እንዳ ሚኒስተር)

ኣብ ናቕፋ ቤ/ት ካድር ጀነራል ስብሓት ዘቕርቦ ሰፊሕ ለክቸር ኣሎ፡፡ ካብ አስተምህሮታቱ ገለ ጥቕስታቱ “ምትእስሳርን ሓድነትን ሰለስተ ዓበይቲ ሃገራዊ ኣዕኑድ፡፡” ብምባል ማዕረ Three Angle ስኢሉ ኣብ ሰለስቲአን ጫፋት ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ መንግስቲ፡ የቕምጥ እሞ ነታ ሰለስተ ዝመኣዝና ማዕረ ኣንግል ጠጠው ዘብልዋ እዞም ሰለስተ የዕኑድ እዮም ብምባል እዩ ሓሳቡ ዝገልጽ፡፡ እንተኾነ እቲ መልሓስ ዝብሎ ካልእ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነት ዘረጋግጾ  ካልእ ምዃኑ ብግብሪ ስለዝፈልጥ በቲ Power point ዝተዳለወ ዘመን ብዝፈጠሮ ንሓቂ ይኹን ንሓሶት ሰባት ዘዝሃብዎ ተቐቢሉ ኣጉሊሁ ዘርኢ ፕሮጀክተር ተወኪሱ ክገልጽ ምስ ሰማዕኹ፡ ብሓደ ገጽ ንውሽጠይ ይስሕቕ፡ ብካልእ ገጽ እቲ ዝኣልምዎ ተንኮል የበሳጭወኒ ስለዝነበረ ብኣግራሞት ይዕዘብ ነበርኩ፡፡

ኩቡራንን ኩቡራትን! ዕላማ ጽሑፈይ ናይ ቤት ትምህርት ካድር (ናቕፋ) ኣስተምህሮ ንምግላጽ ኣይኮነን፡፡ እቲ ኣብ ካድር ዝቐረብ ኩነታት ሰለስተ ዓንድታትን፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ህልው ኩነትን ብውስን ኣዛሚደ ብዓይነይን ብእዝነይን ብስምዒት ህዋሳተይ ዝዳህሰስኩዎ ኣፍልጦይ ከካፍለኩም ስለዝደለኹ’የ፡፡

ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ብደረጃ ሃገር ሓደ ናይ ምጽራይ ዕማም ዘለዋ ኮሚቲ (ሓይሊ ዕማም) ቆይማ ኣላ፡፡ እዛ ንኹነታት 21 ጥሪ 2013 ከተጻሪ ብፕረዚዳንት ዝተመዘዘት ሓይሊ ዕማም፡ ቀንዲ ልኡኻ፡ ዝርዝር ኣባላታ፡ ገና ከይተበገሰት ዘጓነፋ ዕንቅፋት ዝምልከት ኣገዳሲ መሲሉ ስለተሰመዓኒ ኣስዒበ እሕብር፡፡

ብኣላይነት መ/ጀነራል ፍሊጶስ ትምእዘዝ ኣጻራይት ኮሚቴ (ሓይሊ ዕማም) ቀጥታ ተጸዋዕነታ  ንፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ (ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ) እዩ፡፡

ኣስማት ኣባላት’ዛ ኮሚቲ፡-

1.   ሜ/ጀ ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ 2. ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ 3. ብ/ ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡    4.ብ/ጀ እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ)፡ 5. ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ 6. ብ/ጀ ሓዱሽ ኢፍሬምን እዮም፡፡

እዛ ኮሚቴ ብተወሳኺ ብእኩብን ብተናጸልን ዝኣመነትሎም ኣብ ትሕቲኣ ኮይኖም ዝነጥፉ ኣጻረይትን ጸሓፍትን በዝሖም ዘይፍሉጥ ኣሳሰይቲ ኣባላት ክትመዝዝንን ንስራሕ ክተዋፍርን ከምትኽእል ተሓቢርዋ’ሎ፡፡ ምምዛዝ ብዛዕባ’ዞም ኣሳሰይቲ ግን ብሃሳሰ ለባም ዝግበር ኣይኮነን፡፡ ብሓባራዊ ምርድዳእ ብዝተወሰነ ረቁሓታት ዝፍጸም’ዩ፡፡

ልኡኽ እዛ ኮሚቴ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዝኾነ ኣካል፡ ህዝቢ፡ ኣሃዱታት ሰራዊት፡ ካብ ትሕቲ ጽፍሒ ፕረዚዳንት ንዝርከቡ ኹሎም ዓይነት ሓለፍቲ ክሳብ ተራ ወተሃደራት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ዜጋታት፡ ኣብ ኩነታት 21 ጥሪ 2013 ዝነበሮም ኢድ፡ ድጋፍ፡ ስሚዒት፡ ምዕዝምዛም፡ ምጽራይ ብምግባር ግቡእ ስጉምቲ ንምውሳድ ንውሳነ ዘብቅዕ እማመ ምቕራብ እዩ፡፡

·         ኣብ ኣሃዱታት ሰራዊት ክሳብ ዝተሓተት እታ ናይ መወዳእታ ኣሃዱ (ሓይሊ) ወሪዳ ቅድምን ድሕርን ኩነታት 21 ጥሪ 2013 ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣባል ወይ ጉጅለ ዝነበረ ዝንባለታት፡ ተርእዮታት ትእክብ፡ ተጽንዕ፡፡

·         ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ንዝነበረ ኩነታት ኣመልኪታ ብደረጃ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘለዎም ሓለፍቲ ንዝተውሃበ መግለጺታት ትፍትሽ፡ ንኹነታት መግለጺ ሓለፍቲ ስለ ትሕዝቶኡ ትመዝን፡ ድሕሪ ብሓለፍቲ ዝተውሃበ መግለጺ ካብ ተኣከብቲ ስዒቡ ንዝቐረበ ሕቶታት፡ ርእይቶታት ትእክብ፡ መን እንታይ ሓቲቱን ርእይቶ ኣፍሲሱን ተጻሪ ትመሚ፡፡ ብሓለፍቲ ናይ ዝተውሃበ ብቑዕን ዘይብቑዕን መልስን ምኽንያቱን ትፍትሽ፡፡

·         ነዚ ብግሉጽን ብስቱርን ኣጻፊፋ ኣጽኒዓ፡ ተንቲና፡ ውጽኢት ምጽራያን፡ ርእይቶኣን ሓዊሳ ጸብጻብ እማመኣ ንውሳነ ናብ ፕረዚዳንት ተቕርብ፡፡

·         ብተወሳኺ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ወግዓዊ ኣኼባ ወጻኢ ብዛዕባ እቲ ፍጻመን ብድሕሪኡን ብጉጅለ ይኹን ብውልቀ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት ብስሚዒት ብሃንቀውታ ዝተኸታተሉ፡ ናይ ኤርትራውያንን ካልእን መራኸቢ ሚዲያ ኣብ ምጭንጫን ዝነበሩ ሰባት ትመሚ፡፡

·         ብኣውርኡ ከኣ ብምኽንያት እቲ ስርሒት ፎርቶ ዛጊት ኣብ ቁጽጽር ምስ ዝኣተው ሰባት (ብዙሓት ቅዩዳት ብፍላይ ምስ ቅዩዳት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን) ብሕውነት፡ ብመውስቦ፡ ብዕርክነት፡ ብኣሃዱውነት፡ ብመቕርብ፡ ብረብሓ፡ ብስራሕ ምትእስሳራት…ርክባት ነይርዎም ዝበሃሉ ኣዳቒቓ መጽናዕታ ተቕርብ፡፡

ይኹን’ምበር እዛ ኮሚቴ ገና ንስራሕ ብግስ ከይበለት ተቓውሞታት ገጢምዋ ኣሎ፡፡

ትሕዝቶ ተቓውሞ፡- ሰራዊት ጽብጽባሕ ደሞዝ ክንከፍለካ ኢና፡ ውህልል ሰልዲ ክንዕድለካ ኢና፡ መነባብሮ ስድራ ቤትካ ክነመሓይሾ ኢና፡ እንዳተብሃለ ይንገሮ ብዝጸንሐ መብጽዓታት ኣለሽ ክነብሎ ጸኒሕና፡፡ ኣብ ቀረባ’ውን ኣብ ኢድና በጺሑ እዩ ክንዕድለካ ኢና ዝብል ወረታት ብገለገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ተወርዩ፡ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ክንዕድለካ ብዝብል ክንጥብሮ ጸኒሕና፡፡ ነዚ ናብ ክውንነት ከይለወጥና፡ ሓዳሽ ኣጻራይት ኮሚቴ (ጉጅለ) ሰፊሕ ናይ ምጽራይ ልኡኻን ንውጽኢት ስርሓን ኣመልኪቱ ሓድሓደ ስጉምታት ክውሰድ እንተተጀሚሩ ሃልሃል ናብ ዝብል ነዳዲ ሓዊ በንዚን ምውሳኽ ጥራይ እዩ ውጽኢቱ፡፡ ሰራዊት ኣንጻርና ክለዓል’ዩ፡፡ ወይ ከኣ ካብ ዝጸንሐ ብዝኸፍአ መልክዑ ጠንጢኑና ክፈርስ እዩ፡፡ ሰራዊትን ህዝብን ምኽንያት ዝናድየላ ዘሎ ኣዝያ ተኣፋፊት እዋን’ያ፡፡

ስለዚ ንሕቶታት ሰራዊትን ህዝብን መዓልቦ ከይገበርና፡ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ስራሓ እንተጀሚራ መዘዙ ከቢድ እዩ፡፡ ስለዝኾነ መዓልቦ ክሳብ ዝርከብ ክትዕገስ ኣለዋ፡፡ ቅድም ቀዳድም ንበዳህቲ ሕቶታት ሰራዊት ክንምልስ ኣለና፡፡ ብዝብሉ ናይ ሓድሓደ ናብ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ብዝቐረበ ርእይታት መሰረት፡ ኣይ ነቲ ኣጉል  መብጽዓታቶም መሊሶም ኣይ እታ ኮሚቴ ስርሓ ኣሰላሲላ ካብ ልኡኻ ቦኺራ ትርከብ፡፡ መወዳእትኡ ንዝምልከት ግን ሓቢርና ንከታተሎ፡፡

ብወገን ሰራዊት ድማ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ፡ ሎሚ ንመነባብሮኡን መነባብሮ ስድራቤቱን ኣመልኪቱ ንሓልፍቲ ዘጨንቕ ሕቶታት የቕርብ ኣሎ፡፡ ሕቶታት ሰራዊት ከኣ፡ ሕቶታት ህዝቢ እዮም፡፡ ፍጹም ነጻጺልካ ዘይረኣዩ ሕቶታት፡፡ ኣብ ኤርትራ ህዝብን ሰራዊትን ነጻጺልካ ክረአ ኣይከኣልን፡፡ ከምቲ ጀነራል ስብሓት ዝብሎ ስሉሳዊ ሃገራዊ ዓንድታት ዘይኮኑ ክልተኣዊ ሃገራዊ ዓንድታት እዮም፡፡ መንግስትን ህዝብን፡ መንግስትን ሰራዊትን ሕቖን ከብድን ኮይኖም ኣለው፡፡ ህዝብን ሰራዊትን ግና ሕጂ’ውን ማይን ጸባን እዮም ዘለው፡፡ ምኽንያቱ መን  ኣሎ እሞ ሎሚ ወተሃደር ዘይኮነ፡ ጠበንጃ ዘይዓጠቐ፡ ወተሃደር ዘየኽተተት ስድራቤት፡ መን’ዩ ህዝቢ፡ መን’ዩ ሰራዊት ኩሉ ሓደ እዩ፡፡

በላሕቲ ጫፍ ሕቶታት ሰራዊትን ህዝብን፡-

1.   ውህሉል ገንዘብና/ገንዘብ ደቅና፡ ኣብ ኢድና/ዶም ይወሃበና/ይወሃቦም!፡፡ ኣብ ሕሉፍ  ካብ ቤ/ጽሕፈት ፕረዚዳንት ናብ ሰራዊት ዝወረደ ቅጥዒታትን ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት 50, ሺሕ ናቕፋ ዝብል ጽሑፍ ብዓንና ሪእይና ኢና፡፡ እዚ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ክትግበር ኣለዎ፡፡

2.   ደሞዝና ብሰለስተ ዕጽፊ ዓብዩ ንተራ ወተሃደር 1,200 ንመ/መስርዕ 1,450፡ ንመ/ጋንታ 1750፡ ንመ/ሓይሊ 2,100፡ ንኣዛዚ ቦጦሎኒ 2,800 ካብኡ ንላዕሊ ንዘለው መኮነናት ኣይፈለጥናን እንተ’ዚ ክሳብ ዝተጠቕሰ ደረጃ ጽፍሒ ግን ከምዝኽፈል ብወረ ክንሰምዕ ጸኒሕና ዛጊት ግን ሃጢሙ ኣሎ ሕጂ’ውን ብዘይቅድመ ኩነት መፍትሒ ይገበረልና/ይገበረሎም፡፡

3.   ሓገዝ ስድራቤት ሰራዊት ኣብ ዓመት 3 ዶ 4  ግዜ ክዕደል እዩ፡ ሰራዊትን ስድራቤት ሰራዊትን ሞስኡ ክረክብ እዩ፡ ዝብል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝርከቡ ሓለፍቲ መንግስቲ ክግለጽ ከምዘይጸንሐ: እንተኾነ ኣይ ካብ ገሊኡ ወይ ኩሉ ጠቕሊሉ ህልም ኢሉ ኣሎ፡፡ ንሰራዊትካ ምቕሻሽ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ግዜ ምጽዋር፡ ዘይምጽዋር ትመጸላ ሓንቲ መዓልቲ እንተመጺኣ ግን መግትኢ ዘይርከቦ ሱናሚ ከስዕብ እዩ፡፡

4.   ኣብ ገለገሊኡ ብደረጃ ብርጋዴር ጀነራላት ከይተረፉ መንግስትና ካብ መጀመሪያ ወርሒ ሓዱሽ ዓመት 2013 ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት ሰለስተ ዕጽፊ ደሞዝ ክጅመር እዩ ክብሉና ከምዘይጸንሑ፡ ድሮ ሳልሳይ ወርሑ ወዲኡ ናብ ራብዓይ ወርሑ ተጸጊዑ ኣሎ፡፡ ኣይ ካብ ደሞዝ፡ ኣይ ካብ ውህልል ሰልዲ፡ ኣይ ካብ ሓገዝ ንስድራቤት፡ ዛጊት ኩሉ ባዶ እዩ ዘሎ ይተሓሰበሉ!

5.   ካልእ ይትረፍ ኣብ ቀረባ ድሕሪ’ዚ ኩነታት ፎርቶ፡ 5 ሺሕ ዶ 15 ሺሕ፡ ውህልል ሰልዲ ክንዕድል ኢና ዝብል ወረታት ክናፈስ ንሰምዕ ኣለና፡፡ ካብ ቀደሙ “ክጅመር’ዩ” ምበር “ተጀሚሩ” ዝብል ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ስለምንታይ! ቀጺሉ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘይምጅማሩ ጥራይ ኣይኮነን ሕቶና፡ እቲ ንሰምዖ ዘለና ኣሃዛት ኣሃዛትና ኣይኮነን፡፡ ብዝውረ ዘሎ ደረጃ ኣሃዝ ይሕሰብ እንተሊኡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን፡፡

6.   ብባንኪ ዶ ብሓወላ ዝበሃል ቋንቋ ኣይርደኣናን፡፡ ኣብ ኢድና ክዕደለና ንጽበ፡ ንጉዳይ ምሕደርኡ ዝምልከት ንመንግስቲ ዘግድስ ጉዳይ ኣይኮነን ንዓና ይሕደገልና፡፡

7.   ምናልባት ኣብ ኢዶም እንተዓዲልናዮም ክጠፍኡ’ዮም፡ ኣብ ባንኪ እንተኣቕሚጥናሎም ኣይክጠፍኡን’ዮም ዝብል ኣተሓሳስባታት እንተሎ ናይ ድኹማን ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መስርዕ ኣሃዱታት ዝነብር ዘሎ ወተሃደር ብዋጋ ሃገሩን ህዝቡን ደኣ’ምበር ብዋጋ ዘይረብሕ ናቕፋ ንምጽባይ ኣይኮነን፡፡ በዚ ድኹም ኣተሓሳስባ’ዚ ምስሕሓባት ክፍጠር ከኣ ቅቡል ኣይኮነን፡፡

8.   “ተመላለስቲ” ብዝብል ስም ተጠሚቕና ናብ ኣዶ ኣሃዱና እንመላለስ ዘለና ወተሃደራት ሎሚ እታ ምምልላስ’ውን ከልኪልኩምና ኣብ ኣሃዱ ኮፍ ኣቢልኩምና፡ ሓደ ግዜ ፕረዚዳንት ኣይፈልጦን ኣይኣምነሉን ትብሉና፡ ካልእ ግዜ ባዶ ናይ ዝተረፈት ናይ ዝቆረረት ኣሃዱ መመልኢ ተግበሩና፡፡ እዚ ግፍዒ’ዩ፡፡ ሕጂ’ውን ወይ ንዓድና ስዶዱና ወይ ከኣ ነንዝነበረና ስራሕን ሓላፍነትን ሂብኩም ብወግዒ ምለሱና፡፡

9.   ናይ ዝጠፍኡ ወተሃደራት መድለይ ተተባሂሉ ኣስታት 30, ሺሕ ናቕፋ ዝኣክል ንሓይሊ ዝዕደል ዘሎ ሰልዲ፡ ነቲ ኣብ መስርዕ ኣሃድኡ ለይትን ቀትርን ተገቲሩ ዋርድያ ዝሕሉ ዘሎ ወተሃደር ዓድልዎ፡፡ ንዝጠፍአ ክንደልይ፡ ለሽ ኣይተብሉና፡፡ ካልእ ዝዋኒነን ሓይልታት ዕማም ካብ ዝቖማ ነዚ ክፍጽማ ለኣኸውን፡፡ ዝብሉ ካብ ብዙሓት እቶም ውሕዳት ኣብ ቀረባ ብተደጋጋሚ ዝቀርቡ ዘለው ሕቶታት እዚኣቶም እዮም፡፡ ሓለፍቲ በዞም በዳህቲ ሕቶታት ሰራዊት ንልዕሊኦም ካብ ምሕላፍን ካብ ምጭናቕን ሓሊፎም ዝምልስዎ የለን ሎምስ ካብ ገጽ ሰራዊት ንምኽዋል’ውን ይመርጹ ኣለው፡፡ ብምፍርራሕ ንሕቶታት ሰራዊት ክትዓብጥ ምድላይ ዝበሃል’ውን ኩሉ ተወዲእዎም እንዳቐነሰ ይኸይድ ኣሎ፡፡

ስለዚ፡- ሕጂ’ውን ህዝብን ሰራዊትን ክልተ ዓንድታትን ሓድነትን ሃገረ ኤርትራ እዮም፡፡ እንተ እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ግን ውሽጡ ፍልሖ በሊዕዎ መሽሚሹ እዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ህይወት ኣይክፈጥርን’ዩ፡፡ ሕጂ ዘለዋ ክልተ ዓንዲታት ሳልሳይን ዱልዱልን ዓንዲ ክፈጥራ ናይ ግድን ምዃኑ ፈታውን ጸላእን ብኣግኡ ክፈልጦን ክጽበዮን ዘለዎ ኩነት’ዩ፡፡

ሰላም ቅነ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...