ኣብዚ ተኣፋፊ መድረኽ ጉዕዞ ቃልስና፡ ኣተኩረና ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ዝቐንዐ ንጥፈታት ምክያድ’ዩ ዝግባእ ኔሩ፡ እንተኾነ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ንማሕበርና ማለት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ዝምልከት ሓበሬታን ከጋጥሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ብድሆታትን ምግላጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ከነካፍለኩም ንደሊ። ዕላማና፡ ነቲ ሓቅታት ከምዘለዎ ብምቕማጥ ነዚ ህሉው ኩነታት ተዓዚብኩም ሓቀኛ ስእሊ ከምትሕዙ ምግባር’ዩ።

ኣብዚ ብመሰረት ቀደም-ተኸተል ኣቕሪብናዮ ዘለና ዝርዝር ንቀንዲ ጉዳያት ክትንክፍ’ዩ። ንስ.ኤ.መ.ለ. ንምድኻም ዝተገብረ ንጥፈታት፡ ጽልውኡ ኣብ ኢንተርነትን ካብኡ ውጻእን ንምሕጻር ዝተገብረ ሸርሕታት ኔሩ፣ ኣካል ናይቲ ኣብ ደብረዘይት ዝተመስረተ ምንቅስቓስ መንእሰያት ክገብሩና ፈተነ ተኻይዱ፣ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ካብ ምምሕዳር ስ.ኤ.መ.ለ. ከምትፍለ ተጌሩ፣ ነቲ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘማሓድሮ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ንምፍላዩ ተፈቲኑ፣ ስ.ኤ.መ.ለ. ንጥፈታቱን ዝርጋሐኡን ንምሕያል ዝመስረቶ ሓይሊ-ዕማም ብርቱዕ ተቓውሞ ዘኒብዎ፣ ተቓውሞ ኣንጻር ምጅማር ናብቲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ሓጺር ማዕበል ሬድዮ ስ.ኤ.መ.ለ. ተራእዩ።

ክሳብ ሕጂ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ ቃልዕ ከነውጽኣሉ ዘይደለናሉ ምኽንያት፡ ከም ብጾት ነቲ ጸገም ብውሽጢ ውሽጢ ክንፈትሖ ንህቅን ስለዝነበርና’ዩ። እንተኾነ ከምዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነቲ ጉዳይ ብከምኡ ምሓዝና ንዝጸንሓና ምፍሕፋሕ ኣብ ነዊሕ’ውን ከዝሕሎ ኣይክኣለን።


ጸብጻብና ንውሕ ብምባሉ ኣቐዲምና ይቕረታ ንሓትት፡ ግን ጽማቕ ናይዝተገብረ ፍጻመታት ዝግለጸሉ ግዜ ስለዝኣኸለ ብመሰረት ዕለተ-ፍጻመኡ ጸሚዩቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና። ብትዕግስቲ ከተንብብዎ ድማ ንምሕጸን።


ድሕረ-ባይታ

ስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ግንቦት 2012 ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተቓንዐ ኮንፈረንስ ብስምረት ክልተ ማሕበራት ማለት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በይ አርያን ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣመሪካን ቆይሙ። ስ.ኤ.መ.ለ. ሁይስቶን፡ ሎስኣንጆሎስ፡ ከምኡ’ውን ናይ ጨንፈር ቶረንቶ ኣካል ናይዚ ስሙር ማሕበር ኮኑ። ኣባላት ቦርድ ናይ ክልቲኡ ማሕበራት ከምዘለውዎ ብምቕጻል፡ ካልኦት 8 ተወሰኽቲ ካብ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ብምምራጽ፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ኣባላት ቦርድ ናብ 27 ኣደየብዎ። ሓሙሽተ ካብዚኦም ፈጻሚት ኮሚተ ኮይኖም ተመርጹ።
ስ.ኤ.መ.ለ. ጽልውኡ ኣብ መሬትን ኢንተርነትን እናሰፍሐ መጺኡ፡ ንህግደፍ ኣብ ምሉእ ዓለም ንምስዓር ከኣ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ክገብር ተራእዩ።

ኣብ ሞንጎና ካብ መፈለምታ ገለ ገለ ክትጽበዮ ትኽእል ዘይምርድዳኣት ኔሩ’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ርሱን ክትዓት ክፈጥር ዝኻኣለ ነቲ ‘ራኢና ንስሉጥ ዓወት’ ዝብል ሰነድ ስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ምጽዳቕ ምስቀረብና’ዩ። ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዶ ዋላስ ብረታዊ (ጎነጻዊ) ቃልሲ ዝብሉ ብዙሕ ምክርኻር ፈጢሮም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብመሰረት ዓብላሊ ድምጺ እቲ ናይ ቃላት ኣሰያይማ መዕለቢ ተጌርዎ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብኡ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ክዕንብብ ተራእዩ። ወለንተኛታት ብተብግስኦም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ማለት ኣብ ከከባቢኦም ጨናፍር ስ.ኤ.መ.ለ. ክምስርቱ ኪእሎም። ሸውዓተ ጨናፍር ኣብ ኤውሮጳ ቆማ። ብተሳትፎ ናይዘን ኩለን ጨናፍራት ስ.ኤ.መ.ለ. ድማ ‘ወፍሪ 20 ሰነ’ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዝግበር ተጌሩ።


ወፍሪ ዓርቢ-ሓርነት

ኣብ ታሕሳስ 2011፡ ኣቦ-መንበር ስ.ኤ.መ.ለ. ዳኒአል ገ/ሚካኤልን ወለንተኛ ሚርያም ሰፕተምበርን ነቲ ብሰለሙን ኣሰፋው ኣባል ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በይ ኤርያ ዝመንጨወ ሓሳብ ናይ ሓደ መዓልቲ ወፍሪ 11-11-11፡ ናብ ነዊሕ ዝቐንዐ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክልወጥ ንጡፍ ዘተ ኣካይዶም። ከም ውጽኢቱ፡ ኩሎም ኣባላት ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣመሪካ ናብ ዘተ ተዓዲሞም ዓርቢ-ሓርነት ድማ ከም ፕሮጀክት ተጀሚራ፣ ኣብቲ ናይ ጥሪ 2012 ወግዓዊ ኣኼባ ስ.ኤ.መ.ለ. ውን ተዘተየሉ።

ነቲ ሱር-ተከላዊ ዝብል ክፉት መንፈስ ቃልሲ ስ.ኤ.መ.ለ. ምርኩስ ብምግባር፡ ንነዊሕ ዝዓለመ ውሁድ ንጥፈታት ወፍሪ 11-11-11 ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንምክያድ ናይ ስ.ኤ.መ.ለ. ፈይስቡክ ኣባላት ኣብቲ ዕማም ክሳተፉ ተዓደሙ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዓርቢ-ሓርነት ብ80 ወለንተኛታት ካብ ፈይስቡክን ካልኦት ማሕበራትን እናተሓገዘት ንጥፈታታ ቀጺላ። ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ሮቦኮል ኣብ ትሕቲ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝብል ስም ብለካቲት 2012 ናብ ውሽጢ ኤርትራ ተላእከ፣ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብምውሳእ ናይ መጀመርታ ኣሳታፊ ንጥፈታት ብምዃኑ ከኣ ቅልጡፍን ልዑልን ተቐባልነት ረኸበ።

ኣብ ሰነ 2012፡ ገለ ወለንተኛታት ገለ ውን ኣባላት ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ.፡ ዓርቢ-ሓርነት ምስ ስ.ኤ.መ.ለ. ብምዝማዳ ዘይዕግበቶም ኣብ ኣኼባ ክገልጹ ተራእዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ናይቲ ፍጻመ ከኣ ዓርቢ-ሓርነት ካብ ስ.ኤ.መ.ለ. ክትንጸል ኣድሚጾም። ካብዞም ነቲ ምንጻል ደጊፎም ዘድመጹ እቶም ሰለስተ ኣባላት ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ. ኢዮም። ንሳቶም ከኣ ኢሳያስ ስዩም፡ ገዛኢ ዘርእሰናይን ጽጋብ ኣስመላሽን ኢዮም። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ኣዋርሕ ንዓርቢ-ሓርነት ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ከለዉ፡ ኣብ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝነበሮም ንጥፈታት እናንቆልቆለ መጺኡ። ገለ በቲ ውሳነ ዘይተሰማምዑ ኣባላት ቦርድ ነቲ ዝርአ ዝነበረ ተገራጫዊ ረብሓታት ምርኩስ ጌሮም ስክፍትኦም ይገልጹ ኔሮም።
እቶም ዓወት ናይቲ ወፍሪ ጥራሕ ዝደልዩ ዝነበሩ ግን ካብቲ ፕሮጀክት ዝወጽኡ ኣባላት፡ ንመንፈስ ናይቲ ወፍሪ ንዘይምዕንቃፍ፡ ነቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ውሳነ ንህዝቢ ይኹን ንወለንተኛታት ዓርቢ-ሓርነት ኣይሓበሩን። ምስጢሮም ዓቂቦም ጽቡቕ ምንዮቶም ገሊጾም ኣብ ናይ ስ.ኤ.መ.ለ. ንጥፈታት ጥራሕ ምትኳር ቀጸሉ።

እንተኾነ፡ እዚ ድሕሪ 3-4 ሰሙናት ዕውት ኮንፈረንስ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተራእየ ምንጻል ዓርቢ-ሓርነት ካብ ስ.ኤ.መ.ለ. ንማሕበርና ዓቢ ጽፍዒት’ዩ ኔሩ። ውፉያት ናይ ፈይስቡክ ወለንተኛታት ከሲርና ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከራኽበና ዝኽእል ሓያል ወፍሪ ስ.ኤ.መ.ለ. ካብ ኢድና ሞሊቁ። እዚ ዘይምትእምማን ፈጢሩ፡ ኣብ ሞንጎ ቦርድ ግጭት ሳዕሪሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝነበረ ተወፋይነት ዛሕቲሉ።


ኮንፈረንስ መንእሰያት ደብረዘይቲ

ብድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ምንጻል ዓርቢ-ሓርነት ወይ 5 ሰሙናት ኣብ ዋሽንግተን ዘካየድናዮ ናይ መጀመርታ ነጻን ዕውትን ኮንፈረንስ፡ ሓደ ኣህግራዊ ኮንፈረንስ መንእሰያት ኣብ ደብረዘይቲ (ኢትዮጵያ) ብሓምለ 2012 ተኻየደ። ስ.ኤ.መ.ለ.፡ ነቲ ዋዕላ ደገፉ ገሊጹ፡ ብንጹር ከኣ ስ.ኤ.መ.ለ. ነጻነቱ ሓልዩ ከምዝጸንሕ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሮ ዕቃበታት ማለት ዘይግሉጽ ኣጀንዳን ትርጉም ናይቲ ሰባት ብሕርያ ናብቲ ኮንፈረንስ ምዕዳም ከምዘይወሓጠሉ ገሊጹ። ሰለስተ ኣባላት ቦርድ ማሕበርና ማለት ሓበን ብርሃነ፡ ቴድሮስ መንግስቱን ጽጋቡ ኣስመላሽን ናብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ከይዶም። ቴድሮስ መንግስቱ ካብቲ ዋዕላ ምስተመልሰ፡ ነቲ ኣብ ደብረዘይት ዝቖመ ሓድሽ ማሕበር ማለት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር (EYSNS) ወኪሉ ጎስጓስ ክገብር ጀሚሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ነቲ ሰነዳት ራኢ ማሕበርና ኣብ ጨንፈር ሁይስተን ኩሉ ዝድለ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ንኣምን ዝብል ሓረግ ብምውሳኽ ምስ ናይ EYSNS ኣገባብ ቃልሲ ከምዝመሳሰል ጌርዎ። ሓበን ብርሃነ ንኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ጸኒሓ መጺኣ። ብዘይካ ኣብታ ብመጋቢት 2 ዝተኻየደት ዘይሕጋዊት ኣኼባ፡ ኣብ ናይ ስ.ኤ.መ.ለ. ንጥፈታት ይኹን ኣኼባ ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን። ጽጋብ ኣስመላሽ ኣማሓዳሪ ናይታ ሓዳስ ፈይስቡክ ገጽ EYSNS ኮይኑ። ኩሉ’ዚ ንውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝጥሕስ ተግባር’ዩ። ሓንቲ ጨንፈር ነብሳ ስ.ኤ.መ.ለ. ኢላ ክትጽውዕ ብሰነዳት ራኢ ማሕበርና ክትኣምን ግዴታ ኣለዋ፣ ኣባል ካልእ ተመሳሳሊ ማሕበር ክትከውን ኣየፍቅድን፤ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ልዕሊ ሰለስተ ኣኼባታት ቦርድ ከተብኩር ኣየፍቅድን።

ማሕበርና፡ ድሕሪ ዋዕላ ደብረዘይት፡ ኣብ ስራሕ ብምትኳር ክንቀሳቐስ ፈቲኑ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ቦርድ ዝነበረ ፍልልይ እናገፍሐ መጺኡ። ስ.ኤ.መ.ለ. ብተጻባእቲ ማሕበራትን ናቶም ተደናገጽትን ኣብ ፈይስቡክን ገለ መርበብ ሓበሬታን ብቀጻሊ ክጥቃዕ ጀሚሩ። ኣብ መስከረም 2012 ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ንኽተሎ ራእን ኣገባብ ቃልስን ስ.ኤ.መ.ለ. ብወግዒ ንህዝቢ ኣብ ፓልቶክ ክገልጽ ምስ ጀመረ፡ ኣንጻር ስ.ኤ.መ.ለ. ዝግበር መጥቃዕቲ ጥርዚ ዓሪጉ። ስ.ኤ.መ.ለ. ከም ሓደ ነጻን ዘይምእኩልን ሱር-ተከላዊ ማሕበር ኣብ ስደት ንመላኺ ስርዓት ንምስዓር ሰላማዊ መንገዲ ከምዝኽተል፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ናይ ቃልሲ መንፈሱ ንምብርባር ድማ ናይ ሬድዮ ፈነወ ዝበለጸ መንገዲ ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ምስ ኩለን ማሕበራትን ውድባትን ንጥፈታቱ ኣወሃሂዱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ከሐይሎ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ወፍሪ ምብትታን ስ.ኤ.መ.ለ.

ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ንኣባላት ስ.ኤ.መ.ለ. ምዝላፍ፡ ምንእኣስ ቀጻሊ ተርእዮ እናኾነ መጺኡ። ፈጻሚት ኮሚተ ስ.ኤ.መ.ለ. ብመሰረት ዝጸደቐ ሰነዳት ራኢ ንህዝቢ ምስ ገለጸት፡ ኣባል ቦርድ ኢሳያስ ስዩም ኣብ ፓልቶክ ቀሪቡ ብፈጻሚት ኮሚተ ክቐርብ ዝጸንሐ ትሕዝቶ ንኣረኣእያ ምሉእ ቦርድ ኣይውክልን’ዩ ክብል ወቒሱ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ድማ ብኢደ-ዋኒኑ ነቶም ብኣቦ-መንበር ስ.ኤ.መ.ለ. ኣማሓደርቲ ፈይስቡክ ገጽ ክኾኑ ዝተወሰኹ ምክትል ኣቦ-መንበር ሰለሙን ኣሰፋውን ዳይረክተር መድያ ኣሮን ብርሃነን ካብቲ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ኣውጺእዎም። እዚ ኣብ መንጎ ኣባላት ቦርድ ርሱን ዘይምስምማዕ ፈጢሩ።

ቀጺሉ ዝተራእየ ካልእ መስደመም ነገር ንፈይስቡክ ስ.ኤ.መ.ለ. ካብ ማሕበርና ተነጺሉ በይኑ ክመሓደር ዝተገብረ ወፍሪ’ዩ። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ጉዳይ ከኣ ኣባላት ዓርቢ-ሓርነት ኢሳያስ ስዩም፡ ገዛኢ ዘርእሰናይን ጽጋብ ኣስመላሽን ኔሮም። ማሕበርካ ንምሕያል ተወሰኽቲ ክፍልታት፡ ፕሮጀክታትን ካልእን ኣብ ክንዲ ትፈጥር፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ዘዝውንኖ ትካላት ሓደ ብሓደ ነጻ ይኹን እናበልካ ምፍንጫሉ ንዝበዝሐ ኣባል ቦርድ ቁንቁንኡ ኣይተረድኦን። ኣብ ኣኼባ ብዙሕ ኣከራኺሩ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ባይታ ንድምጺ ወሪዱ። ብዓብላሊ ድምጺ፡ ኣባላት ቦርድ እቲ ፈይስቡክ ኣብ ትሕቲ ማሕበርና ክጸንሕ ውሳነ ኣሕሊፉ። እዝን ከምዝን ዝፈጠሮ ኩነታት ነቲ ብድሕሪኡ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ቦርድ ናይ ዘይምስምማዕ ተዋስኦ ኣልቢስዎ፣ ገለ ኣባላት ቦርድ ኣብ ክንዲ ተሓባቢርካ ምስራሕ፡ ኣብ ናይ ኮሚተ ንጥፈታት ዝነበሮም ተሳትፎ ጠጠው ኣቢሎሞ።

ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ምሉእ ዓለም 16 ሓደስቲ ጨናፍር ኔረንኦ። ካብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ወጻኢ’ውን ብዙሓት ክጽንበሩ ድሌት ዘርኣዩ ኔሮም። ካብ ነሓሰ ክሳብ ሕዳር 2012 ብዙሓት ጨናፍራት ክበታተና ተራእየን። እቲ ዘሐዝን እቲ ኮነ ኢልካ ዝተፈነወ ናይ ተሌፎን ወፍሪ በቶም ንረብሓ ማሕበርና ክሰርሑ ዝግብኦም ሰባት ምፍጻሙ’ዩ። ብዘይካ ክልተ ጨናፍራት ብድሌተን ካብ ስ.ኤ.መ.ለ. ናብ EYSNS ዝተጸንበራ፡ እተን ዝተረፋ ብገለ ኣባላተንን ካብኦም ወጻእን ህዝባዊ ጸለመ ክወርደን ተራእዩ። እቶም ንመትከልን ራእን ስ.ኤ.መ.ለ. ኣሚኖም ክቕጽሉ ዝመረጹ ኣቦ-መንበራትን ንጡፋት ኣባላትን ግዳይ መጥቃዕቲ ናይ ዝተፈላለየ ሸርሕታት ኮኑ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ጨናፍር ስ.ኤ.መ.ለ. ካብ 16 ናብ 6 ወሪዱ። ዋላ እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ. ውን ተመሳሳሊ ብድሆታት ኣጋጢምዎ፡ ስርሑ ክሰናኸል ተራእዩ።

መልክዑ ድኣ ይቀያየር’ምበር ዓይነት ናይቲ ዕንቅፋት ተመሳሳሊ’ዩ። ገለ ኣባላት ስ.ኤ.መ.ለ. ነቲ ማሕበር ንምሕያል ክሰርሑ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣደናጋሪ ሓበሬታ ይዝርግሑ፡ ሓደ ቅሉውላው ድሕሪ ሓደ ቅሉውላው እናመስርሑ - ሓንሳብ ንራኢ፡ ሓንሳብ ንውሽጣዊ-ሕጊ ሓንሳብ ድማ ንጉዳይ መሪሕነት ከም ጸገም እናልዓሉ ንስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ሓጎጽጎጽ ከምዝሕቆን ይገብሩ ኔሮም።

ብኣንጻሩ፡ ገሊኦም ግን ነቲ ማሕበር ይከላኸልሉ ንጥፈታቱ ንምብርታዕ መሃዚ ሓሳባት እናምጽኡ ይሰርሑ ኔሮም። ገለ ካብቲ ፕሮጀክትታት፡- ዓርቢ-ሓርነት፡ 20 ሰነ መላገጺ ህግደፍ ኣይኮነን፡ ኩላህና ደቂ ዓዋተ ኢና ዝብሉ ወፍርታት፣ ንምዕራባውያን ሃገራት ንምእማን ሎቢ ምግባር፡ ፌርማታት ኣኪብካ ውዱብ ጥርዓን ምቕራብ፡ ኣብ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ብጨንፈር ስ.ኤ.መ.ለ. ዝተገብረ ንኢምባሲ ኤርትራ ናይ ምቁጽጻር ታሪኻዊ ፍጻመ ገለ ካብቶም ዘሐብኑ ንጥፈታት’ዮም።

ኣባላት ቦርድ ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣመሪካ ዝገብርዎ ኣኼባ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ጓል-መንገዲ ምክርኻር ጥራሕ ኮይኑ። ብዙሓት ንጥፈታቶም ኣቋሪጾም። ባዕሎም ነብሶም ኣደስኪሎም።


ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ብዘፍቅዶ መሰረት፡ ፈጻሚት ኮሚተ ተሳትፎ ናይ ደለይቲ ለውጢ ንምዕባይ፡ ኪኖ’ተን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝጭብጭባ ዝነበራ ጨናፍራት ስ.ኤ.መ.ለ. ብምኻድ ዝርጋሐ ማሕበር ብደረጃ ኣህጉር ንምስፋሕ ነቒላ። ምስ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መዛኑኣ ስርሓ ብምውህሃድ ሓደ ሓይሊ-ዕማም ከፊታ፡ ኩሉ ኣብ ራእን ኣገባብ ቃልስን ስ.ኤ.መ.ለ. ብዘይ ዝኾነ ዕቃበ ዝኣምን፡ ካብ ኣብ ዘረባ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ክጽመድ ዝመርጽ ሰብ ክጽንበር ክፉት ጻውዒት ጌራ። ብዙሓት ተጸንቢሮሞ ንዕማም ስ.ኤ.መ.ለ. ድማ ዝያዳ ናህሪ ወሲኽሉ። ናይ 12-12-12 ወፍሪ (ምስ ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ ተግባርን ማሕበር ግንቦት 24ን ብምውህሃድ ዝተገብረ ወፍሪ) ኣንጻር ምዕዳል ብረት ዝገልጽ ን15,000 ሰባት ናይ ሮቦኮል ጻውዒት ተጌሩ፣ ኣብ ሎስ-ኣንጆሎስ ዝተወደበ ሓባራዊ ዕማም ሲናይ ገለ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይካኣል።

ተበግሶ ምጅማር ሬድዮ ስ.ኤ.መ.ለ. ብፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ዝነቐለ ሓሳብ’ዩ። ወ/ሮ ኤልሳ ንኣባል ስ.ኤ.መ.ለ. ኤውሮጳ ሓሳባ ብምክፋልን ምስ ፈጻሚት ኮሚተ ስ.ኤ.መ.ለ. ብቀረባ ብምስራሕን ነቲ ሓሳብ ናብ ተግባር ለዊጣቶ። ናይ መጀመርታ ፈነወ ሬድዮ ከኣ ብውፉያት ሓይሊ-ዕማም ስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ተዳልዩ ክመሓላለፍ ጀሚሩ። እቲ ፈነወ ድሕሪ 9 መዓልታት ስርሒት ፎርቶ ምዃኑ’ዩ። ነቲ ወጻኢታት ናይ ሬድዮ ንምሽፋን ካብ ኣባላት ስ.ኤ.መ.ለን ደገፍቱን ናይ ገንዘብ ምውጻእ ስራሕ ክካየድ’ዩ።

ፈጻሚት ኮሚተ ስ.ኤ.መ.ለ. ንኣባላት ቦርድ ናብቲ ሓይሊ-ዕማም ተጸንቢሮም ክነጥፉ ሓበሬታ ልኢኹ። እዚ ግን ንገለ ኣባላት ቦርድ፡ ኣብ ክንዲ ዘሐጉሶም ኣጉህይዎም፡ ኣካል ናይቲ ዝግበር ዝነበረ ዕማም ክኾኑ ከኣ ቅሩብነት ኣየርኣዩን።
ፈጻሚት ኮሚተ፡ ውሽጣዊ-ሕጊ’ዛ ማሕበር ከምዘመልክቶ ንኩሉ ዝግበር ዕማማት ንቦርድ ትሕብር ኔራ (ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንቦርድ ክትሕብር ከምዘለካ’ዩ ዝጠቅስ)። ገለ ኣባላት ቦርድ ነቲ ዝተፈጥረ ሓይሊ-ዕማም ከም ምሽማው ስልጣን ወይ መቆጻጸሪ ወይ መተካእታ ክጥምትዎ ተራእዮም። ንዕኡ ምኽንያት ብምግባር ድማ ካልእ ቅሉውላው ክውልዑ ተጓይዮም። ሽዑ ነቲ ከምኡ ዓይነት ናይ እንካን ሃባን ተቓውሞ ዳርጋ ለሚድናዮ ኔርና፡ ነቲ ኣንጻር ምጅማር ሬድዮ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝተራእየ ዋዕዋዕታ ግን ፈጺምና ኣይተጸበናዮን።


ምስጢራዊት ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ....

ንገለ ኣዋርሕ፡ ገለ ኣባላት ቦርድ ብዘይ ኣፍልጦ ኣቦ መንበር ወይ ዝኾነ ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ ምስጢራዊ ኣኼባታት ክውድቡ ተራእዮም። ኣብ ጥሪ 2, 2013 ድማ ሓደ ንውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ከማሓይሽ ዝጽውዕ ክልተ ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ኣቕሪቦም። ” 1) ቦርድ፡ ናቱ መሪሕነት ክህልዎ ኣለዎ (ካብ ፈጻሚት ኣካል ወጻኢ ናቱ ኣቦ-መንበር፡ ምክትልን ጸሓፍን ክህልዎ ይሓትት)። 2)እዚ ዝቐውም ሓድሽ መሪሕነት ንዝኾነ ኣባል ክሰጉግ ይኽእል” ይብል።
እቲ ዝቐረበ ኣገራሚ እማመ፡ ኣብቲ ብለካቲት 16, 2013 ዝተገብረ ኣኼባ ብድምጺ ክውሰን ቀሪቡ። ክልተ ሰባት እወ እዚ ሓድሽ እማማ ኣካል ውሽጣዊ ሕግና ይኹን ኢሎም ከድምጹ ከለዉ፡ ትሽዓተ ነጺጎሞ። ሓሙሽተ ካብ ምድማጽ ተቖጢቦም። ገለ ውሑዳት ድማ ከየድመጹ ሸተት ኢሎም ወጺኦም። ነገራት መዕረፊ ረኺቡ እናተባህለ፡ ፈጻሚት ኮሚተ ነቲ ውጽኢት ናይቲ ድምጺ ንህዝቢ ቅሉዕ ምስ ገበረቶ ገለ ኣባላት ቦርድ ኣዝዮም ተቖጢዖም። ምኽንያቱ ዘይፍለጥ ብምስጢር ተዓቂቡ ክጸንሕ ድሌት ኔርዎም።

ነዚ ብዓብላሊ ድምጺ ዝፈሸለ ምቕያር ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ተቐቢሎም ክኸዱ ኣይደለዩን፡ እንደገና ሓድሕዳዊ ርክብ ብምግባር ወፍሪ ምውራድ ኣቦ-መንበር ስ.ኤ.መ.ለ. ጀሚሮም። እዞም ገለ ኣባላት ቦርድ፡ ንፈጺሞም ኣኼባ ቦርድ ተሳቲፎም ዘይፈልጡ ኣባላት እናረኸቡ ቁጽሪ ፈረምቲ ከብዝሑ ተጓየዩ። ኣንጻር ኣቦ-መንበር ውን ኣብ ፈይስቡክ ጸለመ ቀጸለ።


ለካቲት 28, 2013:-

ነቶም ንኣዋርሕ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ቆይቂን ግጭትን ግዚኦም ዘሕለፉ ኣባላት ቦርድ ናይ መወዳእታ ዕጫ ቆጽሊ ዘንጥብሉ ኣጋጣሚ’ዩ ኔሩ።ብንጹር ነገራት እናኸፍኡ’ምበር እናተመሓየሹ ኣይመጽኡን። እቶም ሓቢሮም ብሓደ ንቕድሚት ክስጉሙ ዝደልዩ ብምሉኦም ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ሓዊስካ፡ በዚ ጎድናዊ ዛዕባታት ከይለመሱ እንከለዉ ጉዕዝኦም ብፍሉይ ክቕጽሉ ውሲኖም። ኣብዚ ዕለት’ዚ ድማ ንህዝቢን ኣባላት ቦርድን ወግዓዊ ሓበሬታ ሊእኾም።

መጋቢት 2, 2013:-

ብመሰረት ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ሰሜን ኣመሪካ፡ ዓንቀጽ 1፡ “ወርሓዊ ናይ ቦርድ ኣኼባን ናይ ኣቦ-መንበራት ኮሚተታት ኣኼባን፡ ኣቦ-መንበር ኣብ ዝወሰኖ ሰዓትን ቦታን ይካየድ” ይብል። ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 4፡ “ፍሉይ ኣኼባታት ብፍቓድ ፈጻሚት ኮሚተ ክግበር” ከምዘለዎ ይጠቅስ። ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. “ህጹጽ” ኣኼባታት ብዝኾነ ኣባል ክካየድ ፈጺሙ ኣየፍቅድን’ዩ። ኣቦ-መንበርን ገለ ካልኦት ንጡፋት ኣባላትን ኣብቲ ብመጋቢት 2 ዝተኻየደ ኣኼባ ኣይተሳተፉን። ስለዚ፡ ዝኾነ ካብ ውሽጣዊ-ሕጊ ወጻኢ ዝተኻየደ ኣኼባ ወይ ዝሓለፈ ውሳነ ሕጋዊ ልብሲ የብሉን (ኣርቲክል VII፡ ዓንቀጽ 4)። ብተጋራጫዊ ረብሓ ዝውቀሱን ኣኼባ ቦርድ ብስሩዕ ዘይሳተፉ ዝነበሩ ኣባላት ቦርድን ንከድምጹ ሕጋዊ ቦታ የብለሙን።

ብተወሳኺ፡ እዚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ድሕሪ’ቲ ገለ ኣባላት ቦርድ ዕማሞም ብመንገዶም ክቕጽሉ ወሲኖም ኣብ ስራሕ ኣተኲሮም ክንቀሳቐሱ ምጅማሮም’ዩ።

እዞም ኣቦ-መንበር ስ.ኤ.መ.ለ. ክእለ ብሕርቃን ጻውዒት ከቕርቡ ዝጸንሑ ገለ ኣባላት ቦርድ፡ ብመሰረት ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ሕጋዊ ቦታ የብለሙን።

1) ንራኢ ስ.ኤ.መ.ለ. ብቅሉዕ ዝነጸጉ’ዮም (Article III, section 1)
2) ኣባላት ካልኦት ማሕበራት’ዮም (Article III, section 2)
3) ኣብ ሕሉፍ ኣኼባታት ቦርድ ዘይሳተፉ ዝነበሩ’ዮም (Article IV, section 4)

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ፈጻሚት ኮሚተን ሕጋዊ ቦታ ዘለዎም ኣባላት ቦርድን፡ ትዕዝብቶም ብዛዕባ ናይቶም ብተደጋጋሚ ውሽጣዊ-ሕጊ ስ.ኤ.መ.ለ. ዝጥሕሱ ይገልጹ ኔሮም። እንተኾነ፡ ነቲ ጉዳይ ቀስ ብቐስ ምጽጋን ይካኣል’ዩ ብዝብል ብጻያዊ ሓልዮት ካብ ቦርድ ንምብራሮም ወይ ዘይምብራሮም ኣብ ድምጺ ምውራድ ኣይተደለየን። ሰባት ካብ ቦርድና ምስጓግ ንማሕበርና የዳኽሞ’ምበር ኣየሐይሎን ብዝብል ቅዱስ ሓሳብ፡ ናብኡ ገጽካ ምኻድ ኣይተመርጸን። ካብ መጀመርታ ናብ ሓደ ዕላማ ኣተኲርና ክንሰርሕ ኩሉ ዓይነት ተጻዋርነት ኣርእይና ኢና።

እዚ ነቲ ዓበይቲ ጸገማት ጥራሕ’ዩ ዝጠቅስ። ሓደ ሱር-ተከላዊ ዘይምእኩል ማሕበር ብከምዚ መንገዲ ክምራሕ ኣይክእልን’ዩ። ዝተፈላለየ ፍልስፍና ካብ ምህላው ዝምንጩ ዘይምትእምማን ንግስጋሰ የልምስ’ዩ። ሕጂ ገሌና ሓቀኛ ምርጫ ከነልዕል ተደሪኽና ኣለና። ብዛዕባ ውሽጣዊ-ሕጊ (መን’ዩ ብቑዕ ኣባል ቦርድ፡ መን ከድምጽ ይግብኦን ኣይግብኦን ወዘተ) ክንካታዕ፡ መን ተቖጻጸረ ወይ ዓብለለ ክንዝቲ ንሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ግዜ ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ እቶም ንተኣማመን ሓቢርና ክንሰርሕ ድሮ ቅሩብነት ዘርኣና፡ ኣብ ራእን ኣገባብ ቃልስን ስ.ኤ.መ.ለ. ንኣምን ስራሕና ክንቅጽል ንኽእል። ስ.ኤ.መ.ለ. ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፡ ናይ ስልጣን ውድድር የብሉን፣ ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ጓል መንገዲ ዘየድሊ ጸዓት ምጥፋእ ኣድላይነቱ ኣይራኣየናን።


ጉዕዞ ንቕድሚት:-

ሰለዚ’ዩ ከኣ እቶም 100 ካብ 100 ንተኣማመን፡ ንራእን ኣገባብ ቃልስን ስ.ኤ.መ.ለ. ምሉእ ብምሉእ ንቕበል፡ ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክፍታሕ ከምዘለዎ ብጽኑዕ ንኣምን፡ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ጉዕዞ ቃልስና ኣሰጒምናዮ ኣለና። ንህግደፍ ኣብ ምሉእ ዓለም ንምቅላዕ፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጥ ህዝብናን ሰራዊትናን ብመንገዲ ሬድዮ ስ.ኤ.መ.ለ. ናይ ቃልሱ ስምዒት ንምብርባር እጃምና ክንገብር ከምቀደምና ንምርሽ ኣለና። እቶም ብሰንኪ ፍልስፍና ወይ ካልእ ኩነታት ብዝተፈልየ መንገዲ ክትቃለሱ ዝመረጽኩም ሰናይ ምንዮትና ንገልጸልኩም። ንስኹም ብመንገድኹም ንሕና ከኣ ብመንገድና ኩሉ ግዜ ዓቕምታትናን ጽዓትናን ነዚ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ጥራሕ ነቕንዓዮ። ዋላ መመንገድና ሒዝና ንኺድ ብዙሕ ነገራት ክንዓምም ከምንኽእል ርግጸኛታት ኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኣባላትና፡ ወለንተኛታትን ኣዕሩኽን ስለ’ቲ ተወፋይነቶም፡ ጽንዓቶምን ተጻዋርነቶምን ነመስግን። ልክዕ’ዩ ገለ ሕጽረታት ኔርና’ዩ፣ ንገለ ጉዳያት ኣብ ግዚኡ ግቡእ መልሲ ኣይሃብናሉን። ድሕሪ ምዝዛም ኮንፈረንስ ዋሽንገተን ዲሲ፡ ዝበዝሐ ጽዓትናን ግዜናን ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዝነበረ ቅሉውላዋት ኣብ ምምሕዳር ወይ ምእላይ ከነሕልፎ ጸኒሕና። ናይ ገለ ሕቶታት ወይ ጠለባት ውን ብኣግኡ ኣይመለስናን ንኸውን፣ ብልቢ ከኣ ይቕሬታ ንሓትት። ንዝኾነ ሰብ ንምቕያም ዝተገብረ ኣይኮነን። ከም ሱር-ተከላዊ ማሕበር ማዕጾና ንኩሉ ኤርትራዊ ክፉት’ዩ፣ ናይ ኩሉ ቀጸለታት ሕብረተሰብ ተሳትፎን ሃናጺ ነቐፌታን ሃንጎፋይ ኢልና ከም ንቕበል ደጊምና ከነረጋግጽ ንፈቱ። ተስፋ ንገብር ኣብ ልዕሊ ራእን ኣገባብ ቃልስን ስ.ኤ.መ.ለ. ዘለኩም እምነት ክቕጽል፣ ምሳኹም ሓቢርና እናሰራሕና ከኣ ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ከምንስዕሮ ጥርጥር የብልናን።


ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (....)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...