ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
ወየ ወየ ወየ ሓቂ ድዩ ወዲ ዓሊ ዓሪፉ
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ህይወቱ ኣሕሊፉ
እነሆ ህዝብና ብድሕሪኡ ተጠርኒፉ
ረቢ ይርሓሞ ጽቡቕ ዝና ኣትሪፉ
በቲ ንጹህ ደሙ ሓዲሽ ታሪኽ ጽሒፉ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ንውልቀ መላኺ ካብ ትዕቢቱ ኣጽዲፉ
መንግዲ ፍትሒ ከፊቱልና ኣጽፊፉ
መንእሰይ ኩሉ ምእንቲ ፍትሒ ተሰሊፉ
ሰላም ንኸስፍን ንህግደፍ ገሊ'ፉ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ታሪኹ ንምጽላም ኢሎም ነፍሱ ኣሕሊፉ
ስለ ዝገረሞም ብኸመይ ስልጣን ውልቂ መላኺ ተንኪፉ
ህዝብና ይብል እሉ ይኺደልና ኩርሲ ገዲፉ
ወዮ ተዋስኦ ዝበሎስ እነሆ ዓብዩ ገዚፉ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ውልቀ-መላኺ ብሕቡእ ዝሕለቁሉ እሰሊፉ
ኣጆኻ እንተበልዎስ ኣይመሰሎን ተተንኪፉ
ደጊም ኣኺልዎ ማህሚኑ ሰኒፉ
ሓቂ ንምሽፋን ንዓመታት ለፍሊፉ
ኩሉ ፎእ ኢልዎ ምስ ደቀኢመዛሙርቱ ተሪፉ
መዓልቱ ይቆጽር ኣሎ ክኸይድ ተገሊፉ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ባዕሎም ዝቀተልዎ ኣቃጽዮም
ተኻሪጁ ኢሎም በሽካዕላል ኣብ ፓልቶክ ኣውርዮም
መሲሉዎም ዳአምበር እንዳ ንህቢ ተንክዮም
ክኸዱ'ዮም ምስ ምስ ጎይትኦም ብመርገም ተሰንዮም
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
መእተዊኹም ድለዩ ኣንቱም መጣቃዕቲ
ህይወት ጅግና ወዲ ዓሊ ገይርኩምዎ መጻወቲ
ጉድኩም ተቃሊዑ ኣብ ቅርዓት መገዲ
ደጊም ኣብቂዑ'ዩ ናይ ጎይታኹም ዘውዲ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
መልእኽትን ጻውዒትን ንብጾት ወዲ ዓሊ
ይትረፍኩም ምስ ኢሳያስ ምል'ዛብ ብዓቕሊ
ኣይ አመሉን ኣይ ለመዶን ውትሩ መታለሊ
ብስም ስውኣት ሸቃጢ መሽካዕለሊ
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ህዝብና ደጊም ጸላእትኻ ኣለሊ
ኣብ ደይ ሰምዓካ ደብሪ ሱቅ ኢልካ እይትጸሊ
ብትብዓት ግጠሞ ነዚ ጸረ ልምዓት ጸረ ጠሊ'
* * * * *
ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉ?
* * * * *
ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ
ራህዋኺ ቀሪቡሎ
ወዲ ኣፎም ክዕሎ
እዛ ግጥሚ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ (ኤሪትረያን ኣል ሕዋር ኣል ዋጣኒ ሩም) ብኣጋጣሚ ወርሓዊ ዝኽሪ ታሪኻዊት ስርሒት ፎርቶን ዝኽሪ ጅግና ስዉእ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ(ወዲ ዓሊ) እተነበብት ናይ ደበስ ግጥሚ ኢያ፡ ፡ ሰናይ ንባብ ወ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2013