ጻውዒት ፎርቶ ይሰማዕ
ክቡራት ሃገራውያን ድምጻውያንን መዚቀኛታትን፥ ነዛ እትስዕብ ንደርፊ ዝተዋደደት ሓያል እዋናዊት ግጥሚ፡ ንዂሉ ተቓላሲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምእንቲ ከተባራብር፡ ብድምጽን ዜማን ሙዚቃን ኣሰኒኹም፡ ናብ ኣድማዒትን ምእዝትን ሰውራዊት ደርፊ ክትልውጥዋ፡ ጆባእ! እብለኩም።
1. ጻውዒት ፎርቶ ይሰማዕ
ናብ ኲሉ ስፍራ ይላባዕ፣
ምሉእ ሓርነት ክንጕንጸፍ
ሓሳረ-መከራና ክሓልፍ።
2. ጓዝም ምስ ኣናብስ ሓንሕን
ነዛብእ ውሻጠ ክንሃድን፣
ነቶም መሻርኽቲ ኣረሜን
ነጋዶ-ኵሊት ራሽይዳ በደዊን።
ኣዝማች፥
ክተት-ክተቲ! ክምለስ ክብረትና፤
ስመር-ስመሪ! ክሕደስ ታሪኽና።
3. ክምንከሉ ኣጽነቲ ዘርእና
ነቕናዓዮ ናብኦም ጠበንጃና፣
ካብ ጥፍኣት ክድሕን ህዝብና
ካብ ጸልማት ክትወጽእ ኤረና።
4. ህግደፍ መንድፍ፡ ተጻይ ምድሪ-ቤትና
ሓሕ በልዎ ሓሕ! ከብቅዕ ስቓያና፣
ሕማም መንሽሮ'ዩ፡ ሓቓዪ ኣበሳ
ካብ መግዛእቲ ባዕዲ፡ ዘይብሉ መለሳ።
ኣዝማች፥
ክተት-ክተቲ! ክምለስ ክብረትና፤
ስመር-ስመሪ! ክሕደስ ታሪኽና።
5. ጸበባና ክቕንጠጥ፡ ራህዋ ክነግስ
ፎእ በልዎ ፎእ! ህግደፍ ይልገስ፣
ዋላ እንተተኸፍሎ፡ ናይ ህይወት ዋጋ
ቦንቍስካ ምእላዩ፡ ጸጋ'ዩ ጸጋ።
6. ንውሉድ ወለዶ ክብሪ
ናይ ሰማእታትና ሕድሪ፣
ደበስ ንመስዋእቶም
ጻማ ዕላማኦም።
ኣዝማች፥
ክተት-ክተቲ! ክምለስ ክብረትና፤
ስመር-ስመሪ! ክሕደስ ታሪኽና።
7. ነቲ ሓሶት ዝኣመሉ
ነቲ ዓመጽ ዝመትከሉ፣
ንህደፍ ነቲ ጎሓፍ
ደርብይዎ ናብቲ ጎድፍ።
8. ነንባገነን ኣይትንሓፍዎ
ካብ ስልጥኑ ሽዓርዎ፣
ድያብሎስ'ዩ ቀይድዎ
ከምታ ኢዱ ፍረድዎ።
ስብራ፥
ፎርቶ! ፎርቶ! ሰራሒት ቅያ
ፎርቶ! ፎርቶ! በዓልቲ ሞያ፣
ድምጽና ንዓለም ኣስሚዓቶ
መስርሕ ሰውራና ፈሊማቶ፣
ንዅሉ ዜጋና ኣሕቢራቶ
ንዘይተርፍ ዓወትና ኣበሲራቶ።
ማህደረ-ቃላት፥
ነንባገነን = ውልቀ-መላኺ
ሽዓርዎ = መዓርግ ስልጣኑ ቀንጥጥዎ
ድያብሎስ = እከይ
ጎድፍ = መጕሓፊ
ክምንከሉ = ክቕተሉ
ብያሲን ዑመር