ብኽልተ ታንክታት ዝተሰነዩ ሓደ ኣሃዱ ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ከቢብዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ
ሬድዮ ኤረና - ዜና
ብኽልተ ታንክታት ዝተሰነዩ ሓደ ኣሃዱ ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ከቢብዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እቶም ብክልተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስትት 100 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምስ ምሉእ ዕጥቖም፣ ሎሚ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ፎርቶ ናብ ዝርከብ እንዳ ዜና ሃንደበት ብምምጻእ፣ ነቲ ቀጽሪ ከምዝኸበብዎን፣ ዝኾነ ኣባል ድማ ካብቲ ቀጽሪ ከይወጽእ ከልኪሎሞ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ንሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና ብብረት እናዓጀቡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ህንጻ ዝፍለጥ ስቱድዮ ቴሌቪዝን ዝርከበሉ ሓደ ክፍሊ ህንጻ ሚኒትስቲ ዜና ሒዞሞም ኣለዉ።
ንጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ድማ ብሓይሊ ብረት ብምግዳድ፣ ናይ ፖለቲካን ናይ ስግረ ዶብ እሱራትን ክፍትሑ ምዃኖም ቅዋም ድማ ክትግብር ምዃኑን ዝገልጽ ሓጺር መልእኽቲ ብቴሌቪዥን ከምዘመሓላልፍ ብምግባር ንፈነወ ቴሌቪዥን ኤርትራ ደው ኣቢሎሞ ኣለዉ።
ኣብ ካልእ ክፋል ኣስመራ ግና ዝኾነ ዘይንቡር ንጥፈታት ዛጊት ኣይተኸስተን።
ክቡራት ሰማዕትና ነቲ ኩነታት እናተከታተልና ዝርዝሩ ኣብ ዝቕጽል ከነቕርበልኩም ኢና።
ተወሳኺ ሓበሬታ
ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺርዎም ዘለዉ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብ ስልጣኑ ከምዝወረደ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝቢ ብወግዒ ክገልጽ ይጠልቡ ምህላዎም ምንጭታትና ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።
ሎሚ ረፋድ ንሚኒስትሪ ዜና ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንኤርፖርትን ሃገራዊ ባንክ’ውን ከምእተቖጻጸርዎ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ይኹን’ምበር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝኾነ ዓይነት ዘይንቡር ንጥፈታት ኣይተራእየን። ብዝሒ ሰራዊት’ውን ኣብ ጎደናታት እኳ እንተዘይተራእየ፣ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ግና ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ክኣትዋን፣ ሰራዊት’ውን ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ከምዘሎን’ዩ ዝሕበር።
ብማእከል ከተማ ታንክታት ክሓልፋ በዒንቶም ዝተዓዘቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ፎሮ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ከምዘሎን፣ ጓሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እትርከቦም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ድማ ከይወጹ ተከልኪሎም ምህላዎምን ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
እዚ ብሰራዊት ኤርትራ ዝውሰድ ዘሎ ወሰንቲ ትካላት መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ስጉምቲ፣ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ እናበለ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ብሰፊሑ ይዛረብ ምህላዉ’ውን ኣረዲኦም።
ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ረፋድ ኣትሒዙ ኣቛሪጹ’ዩ ዘሎ። በቆጻጽራ ኤርትራ ሰዓት ሸውዓተ ክፍኖ ዝነብሮ ዜና ብቋንቋ ትግረ’ውን ብሰንኩ ክፍኖ ኣይከኣለን።
ህዝቢ ሰዓት ትሽዓተ ንዝፍኖ ዜና ብትግርኛ እንተጀመረን፣ ሓድሽ ሓበሬታ እንተሎን ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።
ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ጽቡቕ ይቕጽል እኳ እንተሃለወ ከይቛረጽ ግና ዓቢ ስግኣት ኣሎ።
Radio Erena