ቃልሲ (Struggle)
ጽምኢ ዘይብሉ መሮሮ
ጎንጺ ዘይብሉ ቃልሲ
ሞት ትጸልኦ ነብሲ
ኩሉ ሰናይ ትምኒት”ዩ
ኣምላኽ ዝገርሖ
ነቢይ ዝመርሖ
ኣርሒቁ ከይከደ
ባሕሪ ዝጨደደ
ፈርዖን ዘሰንበደ
እዃ ዝተካሕደ
እቶም ተሃወኩ
ቢተይ ዘምለኩ
§§§§§§§§§§
ኣነ ኣይፈቱን’የ ጥውይውይ ዝበለ
ብእግሩ ኣይምጻእ በየን ተቀልቀለ
ጎንጉኖ ጎንጉኖ ኣይትዘራግፎ
ረብሓ የብሉን ግዜ ዝሓለፎ
ዘርግፎ ዘርግፎ ኣይትቖናንኖ
ዋላ እንተኣረገት ኣደ’ዶ ትምኖ
ኣነ ዓራት ንስካ ቶንኮበት
ኣነ ቀንዲ ንስካ ጎረቤት
§§§§§§§§§§
ቲም-ቲም ኾቦሮ ግዜ ሓሪካ
መዝሙር ንህዝቢ ዎዎኑ ንዓካ
ገረመና “ዎ” ገሪማ
ግዕዝናስ ክንዲ ገዝማ
ንፋስ ቚሒማዶ ትጸገብ’ያ ከብዲ
ጌጋ ትምኒት ኣሎና’ዩ ግዲ
ምሕራይ ጠፊኡና እታ ማእከለይቲ
ደርሆ’ዃ ዝንቑ ሕላፍ ፍርቒ-ለይቲ
ጉድለት ዘይብሉ ቃልሲ
ቖብዕ ዘይብሉ ፈላሲ
እቱን ነይ ነይትመን
እቱይ ነይእመን
“ኣይትማርሩ ኣይትራገሙ
ቓልሲ ንባዕሉ ነጊሩ’ዩ ስሙ”
መረጸ ኣስመላሽ
1/12/2013