ቅድሚ ክልተ አዋርሕ ሃገራዊ ባይቶ ዓመታዊ አኼብኡ አብ አዲስ አበባ ምስልሳሉ ዝዝከር እዩ፡፡

እቲ ዝዓበየ ናይ መዛረቢ አርእስቲ ኮይኑ ንልዕሊ 4 መዓልትታ ዝወሰደ አብ አጀንዳ ዘይነበረ "ዓዋተ" መን እዩ ዝብል እዩ ኔሩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ድሕሪ ናይ አርባዕተ ምዕልቲ ስሓቦን ጉሶሶን ባይቶ ንወኪል ናይ ውድብ ኩናማ ስጋዕ ዝመጽእ ጉባኤ ንኽድስል ውሳኔ አሕሊፉ፡፡

ሕጅውን ደቂ ሰባት ስለዝኾና አብዚ ናይ ዓዋተ አርእስቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህልወና ባህርያዊ እዩ፡፡ አቲ አገድሲ ግና ቅዋም ናይ ባይቶ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንታይ ዝብል ዓንቀጽ አለዎ ብምባል ነቲ አርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ምክታዕን ዘየድሊ ምክርኻራት አብ ውሽጢ ሒደት ሰከንድታት ክንምልሶ ንኽእል ምንባርና ካብ ምሕባር ሓሊፈ ሕጂ ካልእ ሃለውለው ክውስኽ አይመርጽን፡፡

መሪሕነት ባይቶ ብወገኑ ንሓደ ቅዋምን ባይቶ ዘይጠሓሰ ዜጋ: ውልቃዊ ርእይትኡ ግና ካብ ናይ ብዙሃን ወይ እውን ካብ መሪሕነት ባይቶ ፍልይ ስለዝበለ እሞ ድማ እዚ ከም በደል ተቆጺሩ ናይ ምእካብን ናይ ምዝራብን ዲሞክራስያዊ መሰላቱ ብምቕንጣት: መሪሕነት ባይቶ  ናይ ባይቶ ሕግታት ብምጥሓስ ብህግደፋዊ ዝኮነ አገባብ ነቲ ዜጋ ንነዊሕ እዋን ንክድስክል ፍርዲ በይንሉ፡፡

ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ጉዳይ ንብዙሓት አዛሪቡን አኻቲዑን ንገለ ድማ ካብ ናብ ምጽርራፍ አእቲዎም ይርከብ፡፡ እቲ ምጽርራፋት ንጎድኒ ገዲፈ እቲ ናይ ደገፍቲ ባይቶ ክትዓት ወይ እውን እቲ አብ ዝተፈላለየ መርበባት ዝዝርጋሕ ዘሎ ህዝባዊ ርእይቶታት መሪሕነት ባይቶ ጌጋ ከምዝገበረ፡ መሪሕነት ባይቶ ሕጊ ከምዝጠሓሱ፤ መሪሕነት ባይቶ አብዘይ ጉዳዮም አትዮም ፈረድቲ ሙኻኖም እዩ ዝሕብር ዘሎ፡፡ አብቲ ናይ አፋታትሓ ጉዳይ እውን መሪሕነት ባይቶ ብቅዓት ጥራሕ ዘይኾነ ነዚ ፋሕ ፋሕ ዝብል ዘሎ ናይ ተቃውሞ ደንበ ከቀራርብዎ አይበቅዑን እዮም ዝብል ህዝባዊ ድመዳም እዩ ተበጺሑ ዘሎ፡፡

ዝኸበርኹም ተቃውሞ ደንበ!

ዝኸበርኩም ዜጋታት

አብ ደንበ ተቃውሞ እውን ዲሞክራስያዊ አገባባት ክንክተልን ከነተግብርን ሓላፍነት ስለዘለና መሪሕነት ባይቶ ጌጋ ጌሮም ኢልና ስቕ ምባል ጥራሕ እኹል ስለዘይኮነ ነቶም ሓላፍነት ካብ ህዝቢ ተሰኪሞም አብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ታሪኻዊ በደል ዝፈጸሙ ብሕጊ ክንሓቶም ጥራሕ ዘይኮነ ዓቢ ጌጋን ህግደፋዊ አፈታትሓ ንዝተጠቀሙ ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ካብቲ ተቀቢሎሞ ዘለዉ ሓላፍነት ብኽብረቶም ንኽወርዱ ክንጽውዕ ይግብአና፡፡

ኹቡራት አንበብቲ መሪሕነት ባይቶ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ አለዎም ኢልካ ምጽዋዕ ሓርበኛ ኢድሪስ ዓዋተ መን እዩ ዝብል ሕቶ ከምዘይምልሶን ብወገነይ አብዛ ጽሕፍቲ ኢድሪስ ዓዋተ ከምዚ እዩ ኔሩ ዝብል ሓተታ ስለዘየቅረብኩ ንሕቶ ይኹን ንርእዮ አብ አገባብ አሰራርሓ አምበር ኢድሪስ ዓዋተ መን እዩ ዝብል ሕቶ ከምዘይምልስ እንዳሓበርኩ ምስ ብዙሓ ሓደራ ይሰናበተኹም፡፡

አልኣዛር ዮሴፍ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...