ዕውት ጉባኤ ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጨንፈር ጀርመን
ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን ጨንፈር ጀርመን፡ ብዕለት 8-12-2012 ኣብ ከተማ ካስል ጉባኤ ኣካይደን።
ጉባኤኛታት ማሕበር፡- ብ’’ ደቂ-ኣንስትዮ ጭርሖ ኣልዕላ: ጭርሖ ኣልዕላ: ኣኺሉ’ዩ ግዜ ሰዓት ደዊላ፡ ሰዓት ደዊላ ’’ ብዝብል ሰውራዊ መዝሙር ጉባኤ ተኽፍተ።
ነጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን ጨንፈር ጀርመን፡ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ዘካየዶም ንጥፈታትን ዘጋጠምዎ ከበድቲ ዕንቅፋታትን ሕልኽልኻትን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብግዝያዊት ሽማግለ ጨንፈር ድሕሪ ምቕራብ፡ ንጉባኤ አትመርሕ ስክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ።
- ንዝቐረበ ጸብጻባት ብዕምቆት ብምርኣይን ተኻቲዐናሉ።
· ህንጻ ሕጊ መደብ ዕዮ ማሕበር፡- ድሕሪ ምንባብን አኹል ምምይይጥን ድሕሪ ምክያድን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ (ብድምጺ) ኣጽዲቕና። ኣብ መጠጨረሽታ፡ ብመሰረት ህንጻ ሕጊ ናጻ-ማሕበር፡ ንሓደ ዓመት አትመርሕ ሽማግለ (መሪሕነት) ነጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራሲን ጨንፈር ጀርመን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጸን።
ንነጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን ጨንፈር ጀርመን ዝመርሓ ካብ ጉባኤ ዝተመርጻ 4---ብጾት ኮይነን፡ አዘን ዝስዕባ አየን።
1. ኣደ-መምበር
2. ምክትል ኣደ-መምበር
3. ታሓዚት ገንዘብ
4. ተቖጻጻሪት ንብረት
አየን።
ጉባኤኛታት ኣገደስቲ ለበዋታትን ድሕሪ ምሕላፍ፡ መጻኢ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም (8መጋቢት) 2013 ብድምቀት ንኸብዕልኦ ብምውሳን፡ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ።
በዚ ኣቓጣሚ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብሃገረንን ህዝበንን ዝግደሳ ብሓባር ኮይነን ነዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ምውራድ እጃመን ከበርክታ ይጽውዓ::
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋትና::
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን::