ጽውጽዋይ ዛይድ ሃይለ! (ካልኣይ ክፋል)
ግዜ ክቡር ስለዝኾነስ ኣነ’ውን ንዘለኒ ግዜ ኣብ ክንዲ ምስ ዛይድ ሃይለ ቀዳማይ፣ ካልኣይ…ክፋላት እናበልኩ የላኻ-የላኻ! ዝብል፣ ናብ ካልእ መዓላ ክጥቀመሉ ምተገብኣኒ ነይሩ። መሃዝቲ ሓሶት ጸጸኒሖም ብዝተፈላለየ ናይ ብርዒ ኣስማት ከም ጉልሒንጣ ስለዝቕልቀሉ ግን ብኣግኡ ምምሓው ዘድልዮም ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዚ መልሲ እዚ ከኣ ከምቲ “መፍለስ ናብ ገረብ ከይድይብሲ ምሳር ደኣ ተማላእ” ዝበሃል፤ ንዛይድ ጥራይ ዘይኮነስ ምናልባት ቀጺሎም ጸለሎ ሒዞም ንዝቕልቀሉ ዛይዳት’ውን ከጠቓልል ኢዩ።
ከምቲ ሓሳዊን ቆርበትን እናሓደሩ ዝፈኹሱ፣ ጽውጽዋይ ዛይድ’ውን ምስ ግዜስ ምፈኾሰ ነይሩ። ግን ሓሰውቲ ምስ ግዜን ፍጻሜታትን ሓደስቲ ምህዞታት ስለዘይስእኑ፣ ዛይድ’ውን ክሳብ ካልእ ሓሶት ተቡኩዕን ትላፉን ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፈቶ ወቀጥ ጽሑፍ ብጭብጢ ዝተሰነየ ሓቂታት ንተቓላስይ ህዝበይ ከብርህ እየ መሪጸ። ብድሕሪ ዛይድ ብናይ ብርዒ ኣስማት ንዝጸሓፍ ጸለመ ግን ኣይክምልሰሉን እየ።
“ሕደራ…ሕደራ ክንላለ…ሕደራ!” ኢየን ዝበላ ክቡራት ኣዴታትና ንምልላይ ስለዘለወን ባህጊ። ምሕዳርን ምቕናይን ጽቡቕ ስለዝኾነስ፣ እነኹ’ኳ ነታ ጽውጽዋይ ዝጸሓፈት ዛይድ’ውን ክፈልጣ ክኢለ። ብስም “ዛይድ ሃይለ” ግን ንኺድ እስከ…!
ሐራይ’ዶ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን! ጽቡቕ ሌላ ከኣ ይግበረልና! ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፍ ዛይድ፦ ብዛዕባ ረድኢ ንውድባት ከም ዘነኣእስን ዘስተናዕቕን ዝብል ቃላት ኣሎ። ነየኖት ውድባት? ነየናይ ቃልሲ? ነየኖት መራሕቲ? ከም ዘነኣእስ ብዝርዝር ክበርሃለይ ምደለኹ። ኣብ ሃገራዊ ባይቶና ዘለኒ ኣኽብሮት ብተደጋጋሚ ብጽሑፍን ብቃላትን ክገልጽ ጸኒሐ እየ።
ንሕና ትማሊ ደምበ ኣለና ብውሽጢን ብደገን፤ ሎሚ ድማ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚርዎ ዘሎ ናብ ኤርትራ ዘእቱ መሰጋገሪ ቢንቶ፤ ስሚንቶን ተንዲኖን ወሲኽና ከነደልድሎ ኢና። ምስ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክቡራት ኣቦ መንበራት ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስን ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑን፤ ከምኡ’ውን ምስ ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ መሪሕነትን ኣባላትን ሃገራዊ ባይቶ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ፣ ዝሕበነሉ ናይ ቃልሲን ሕውነትን ርክብ ኣሎኒ። ሓሶት እንተኾይኑ ባዕላቶም ይመስክሩ።
ነታ ዘይፈትዋ ቃል፣ ‘ኣነ’ ንክብል እንዲኺ ደፋፊእክኒ ዛይድ! እወ ኣነ ረድኢ መሓሪ ተመኩሮይ፤ ብፍላይ ድማ መበቆል፣ ስለያዊ ተልእኾን ዕላማን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ’ኸ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝጓዓዝ ዘሎ ንህዝበይ ብሓፈሻ፣ ንመንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ ንምክፋል ስድራ ቤተይን ሓገዘይ ዝጽበዩ ሓሽከት ቤተ ሰበይን ረሲዐ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ንልዕሊ 800 ህዝቢ፤ ኣብ ትሽዓተ ከተማታት ኣሜሪካ እውን ልዕሊ 1000 ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባታት ኣካይደ እየ። ኣብ ክልቲኡ ክፍላተ-ዓለማት ዝዓደሙኒ፣ ዝተቐበሉኑ፣ ዘኽበሩኒ፣ ዘፋነዉኒ ወ.ዘ.ተ… ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጅጋኑ ኤርትራውያን ታቓለስቲ ኢዮም። ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከም ዝበሃል፣ ወላ’ኳ ብሰንኪ ቀዳድ ጁባይ ከምቲ ዝገበሩለይ ንክገብረሎም ዓቕሚ ዝሓጽረኒ እንተኾነ፤ እነግረሎም ግን ኣለኹ። እዚኣቶም ኢዮም’ምበኣር እቶም ውድባት ዝበሃሉ ብጾት ተቓለስቲ።
ኣብተን ፍሉጣት ውድባትን ሰልፊታትን ብዘይካ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ህዝቢ /EPDP/ ብፍላይ ከኣ ምስ ልኡኽ ኢሳይያስ ዝኾነ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፤ ምስ መብዛሕትኦም መራሕቲ ካልኦት ውድባት ጽቡቕ ዝምድና ኣሎኒ። ንናይ ቃልሲ ዝምድና ብዝምልከት ከኣ ምስ ሓለፍቲ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክቡራት ኣቶ ኢብራሂም ዓብደላ፤ ኣቶ እድሪስ ዳፊን ኣቶ ሃይለ ፍረዝጊን፤ ምስ መራሕቲን ካድረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከኣ ካብ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ክቡር ኣቶ ኣሕመድ ናስር፤ ክሳብ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዘለዉ መሪሕነት እቲ ግንባር ይመስክሩ።
ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ምስ ዘለዉ መራሕቲ ሰልፊ ናህዳን ካልኦት መራሕቲ ውድባትን እውን ግሩም ዝኾነ ናይ ቃልሲን ሕውነትን ዝምድና ኣሎኒ። ካብ መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ንደሓር ድማ ምስ ዕጡቓት ሓይሊታት ውድብ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ /EMDJ/ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ናብ ስምረት ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ኣሎና። ናይ ስምረት እማመና ምስ ካልኦት ውድባት’ውን ቀጻሊ ኢዩ።
ዛይድ ካብ ክሻ ሓሰር፣ ዕማኾ ስርናይ እንተትጭብጢ ምበለጸኪ እብል። ከምቲ ‘ጤል የብለይ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ’ ዝበሃል፤ ምስተን ካልኦት ውድባትን መራሕተንን’ውን ፍቕሪ’ምበር ጽልኢ የብለይን። ምስ ካድረታትን ሓለፍቲን ውድብ ሳግም ኣብ ኣሜሪካ፤ ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፤ ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም እውን ካብ ብተኸታታሊ ምሕታት ጥዕንኡ ክሳብ እሂ-ምሂን ብዛዕባ ጉዳይና ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን ኢና። ኩላቶም ብሂወት ስለዘለዉ ድማ ሃየ ይመስክሩ! ንሕና ከም ደምበ ኣለና ተቓወምቲ ውድባት ንምስማርን መንእሰያት ንምትብባዕን ዝከኣለና ሃገራዊ ኣበርክቶ ጌርና ንብል። ግን ኩሉ ግዜ ባዕላውነት ግጉይ መስትያት ናይ ሓቅነት ስለዝኾነ፤ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ናይ ቃልሲ ዓመታት ንሕናን ኣነን እንታይ ጌርና ህዝቢ ኤርትራ ይፍረደና።
ኣብ ካልኣይ ገጽ ኣብ ራብዓይ ሕጡበ-ጽሑፍ “…ጽጹይ መጽናዕቲ… ነየናይ ከባቢ ይጸሉ ተሓይኹን ተኾምሲዑን…ስለዝኾነ ድማ ኣብ ካናዳ ተጻሒፉ ኣብኡ ናብ ዕዳጋ ከይቀረበ ናብ ኤውሮጳ ኢዩ ተጓዒዙ።” ይብል። ከምቲ ‘መርሑም ገድረክ’ ዝበሃል ክዳን ሓራጅ፤ እቲ ጽሑፍኪ ነቲ ክዉንነት ከም ክዳን ዕዳጋ ሓራጅ “ሚልዮን በሊድ” ኣዝዩ ዘለቕለቕ ኢሉዎ ኣሎ’ሞ ብክብረትኪ ኣስተውዒልኪ ጸሓፊ።
ከይነውሓና እስከ ገለ ንእሽቶ ነገር ጥራይ ከብርህ። ንስለ ጸለመ ተባሂሉ ዝተፈብረከ ጽሑፍ ዛይድ ሃይለ መሰኻኽርና ኤርትራውያን ኢዮም። ቀዳማይ ሕታም መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኣብ ካናዳ ምስ ተሓትመ ብቀዳም ዕለት 3 መጋቢት 2012 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ጎደና ዳቨርኮርት ቁ. ገዛ 347 ብወግዒ ተመሪቓ። ሰኑይ ዕለት 5 መጋቢት ድማ ናብ ከተማ ቶሮንቶን ካልኦት ከተማታት ካናዳን ተዘርጊሓ። እቲ መጽሓፍቲ ካብ ካናዳ ናብ ኤውሮጳ ምስዳዱ ኣዝዩ ከቢድ ወጻኢ ስለዝነበሮ፤ እቲ ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተዘርግሐ መጻሕፍቲ ሰለስተ ግዜ ኣብ ጀርመን ኢዩ ተሓቲሙ። ኣብቲ ብዕለት 24 መጋቢት 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክ ፈርት ዝተገብረ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ከኣ ቦኽሪ ምዝርጋሕ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኮነ።
‘ሕደራ…ሕደራ ክንላለ!” ካብ ናይ ብርዒ ስም ወጺእኪ ብጋህዲ’ሞ ተቐልቀሊ፣ ሓቂን ሓሶትን ክጠማጠማ ኢየን። ናብ ልብኺ ክትምለሲ ግን እትስፎ ዛይድ ሃይለ። ኣብቲ ካልኣይ ገጽ ዘሎ ሕብራዊ ሓሶት’ውን ከምዚ ይብል፦ “…ንሱ ድማ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ቶሮንቶ ካናዳ ምስ በጽሐ ሓደ ኤርትራዊ መጽሔት ብምድላው ዶላር ንምእካብ ኢዩ ተሃቂኑ።” ከምኡ ኣይኮነ ዛይድ! ጉዳይ ሓርነት ህዝበይ ኮይኑኒ’ምበር ኣብ ኤርትራ ናይ ዶላር እንተሊ ገዲፈ እየ ኣብቲ ከዕርፈሉ ዝግበኣኒ ግዜ ተሰዲደ ዘለኹ።
ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ፣ ብሰንኪ እቲ ኢሳይያስ ንዕላምኡ ክብል ዝወልዖ ኲናት ባድመ ከም ኩላቶም ንብረቶም ዝዓነዎም ዜጋታት፤ እቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝነበረ ትካለይ ፎቶ ስቱድዮ 100% ዓንዩን ተዘሚቱን ኢዩ። ሽዑ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ክሳራ ከኣ ኣጋጢሙኒ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝተገልጸ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንብረቶም ንዝዓነዎም ዝኸውን ገንዘብ ለጊሱ ነይሩ ኢዩ። እቲ ንዜጋታት መከሓሓሲ ንክኸውን ዝተለገሰ ገንዘብ ግን ብድሕሪ ሞት ክናና፣ ኣብ ካዝና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክንረኽቦ ኢና።
ኩላትና ንብረትና ዝዓነወ ዜጋታት ከኣ ብዘይካ ምስክርነት ደብዳቤ ዝወሰድናዮ ካሕሳ ኣይነበረን። ቤተሰበይ ዳግማይ ብዝገበሩለይ ናይ ገንዘብ ሓገዝን ፈተውተይ ብዘለቅሑኒ ንብረትን ግን ኣብ ከተማ ባረንቱ /Konika Film Developer and Printer/ ማሽናት ፎቶ ስቱድዮ ምስ ምሉእ ንብረቱ፤ ዳግማይ ተኺለዮ።
ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይ ኣብ ሃገረይ ምስ ህግደፍ ክነብር ስለዘይከኣልኩ ከኣ እነኹ ደድሕሪ ቀዳሞት ኣርኪበ። ምሉእ ፎቶ ስቱድዮ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ባረንቱን ሓውሲ ከተማታት ሞጎሎ፣ ጎኘ፣ ሻምብቆን ከባቢአንን ንዝነበረኒ ምክፍፋል ቢራን ኣልኮላዊ መስተን፤ ገዲፈ ከም ዝወጻእኩ ክነግረኪ።
ናተይ ምውጻእን ናብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ምእታውን ንካልኦት ዜጋታት እውን ከም ዝለከምኩ እርደኣኒ ኢዩ። ዓስበይ ከም ዓስቢ ኩላቶም ተቓለስቲ ኤርትራውያን፣ ሓርነት ህዝበይን ሃገረይን ስለዝኾነ ግን እቲ ዝወሰድክዎ ምርጫ መመሊሱ ደኣ የሐጉሰኒ’ምበር ተጣዒሰሉ ኣይፈልጥን እየ። ስርዓት ህግደፍ ዓንዩ ኣብ መቓብሩ ተኽሊ ሓርነት ከም ዝጥጥዕ ታሪኻዊ ግድነት ምዃኑ ድማ ከም መዝሙር ዳዊት ዝደጋግሞ እምነተይ ኢዩ።
ኣነ ናብ ካናዳ ምስ መጻእኩ ክሳብ ናብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝኣቱ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ታሪኹን ንክፈልጥ “ትንቢት” ዝተባህለት ወርሓዊት ጋዜጣ ን11 ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ኣሕቲመ ናብ ህዝቢ ብናጻ ዘርጊሐያ። እታ ብ3000 ቅዳሓት እትሕተም፣ ናብ ብዙሓት ከተማታት ካናዳን ኣሜሪካን ትዝርጋሕ ዝነበረት ጋዜጣ፤ ናይ ሓደ ግዜ መሕተሚኣ $716.55 ዶላር ካናዳ ኢዩ ነይሩ። ብዘይካ ብገንዘበይ ድማ ዝምውለኒ ኣካል ኣይነበረን። ብዛዕባ ጋዜጣ ‘ትንቢት’ ንህዝቢ ቶሮንቶ ሕተቲ ዛይድ ሃይለ።
ኣብቲ ዝቕጽል ጽሑፍኪ ከምዚ ዝብል ውቃጦ ኣሎ፦ “…ሓያሎ ናይ ጥርሑ ወከልቲ ገርሀኛታትን ብቕንዕና ዘሳልጡን ተረኺቦም ሸይጦም ኣረኪቦምን ገና ገንዘቡ እንተዝወስደልና ዝብሉን…” (ዝርዝር ኣከፋፈልቲን ኮሚሽን ካብ ሓደ መጽሓፍን ኣብ ዝቕጽል ክፋል) ምሕታምን ምዝርጋሕን እታ 622 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ንፖለቲካዊ ወፍሪ’ምበር ንንግዳዊ መኽሰብ ኣይኮነን።
ኣብ ካናዳ ዶላር ክእክብ እንተዝደሊ’ውን ኣይምጠፍኣንን ዛይድ ሃይለ። ከምቶም ቅድመይ ዝነበሩ ተቓለስቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናብ ቃልሲ ኣንጻር ኢሳይያስ ንክጠማጠም ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ጎደና ብሉር /810 Bloor Street West/ ዝነበረኒ ናይ ማልቲ ሚድያ ትካል ዓጽየ እየ ተበጊሰ። ካብ ቶሮንቶ ናብ ከተማ ወተርሉ ምስ ገዓዝኩ እውን ዓሰርተ ሰዓታት ንመዓልቲ ስራሕ ጀሚረ ነይረ እየ። ፍልልይ ዶላርን ቃልሲን ስለዝርደኣኒ ግን ንኩሉ ጉዳይ ባጤራ ጠንጢነ ብዓቕመይ ንክቃለስ እየ ወሲነ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ርክብና ኣብ ዓደቦ!!
ይ ቕ ጽ ል…