መጸዋዕታ ንኤሪትራትራውያን ኣብ ኣየርላንድ
አብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ንህዝብና አብ ዝኸፍአ ናይ መነባብሮ ሕሰምን ድንቁርናን ኣውዲቕዎ ከይኣክል ኤሪትራውያን ዜጋታት ናብ ገላዩ ቀይሩ አደዳ ማእሰርትን ስደትን ጌርዎም ይርከብ:: መንእሰያት ኤሪትራ መፍቶ ዓዲ ጓና ብምኳን አብ በረኻታት ሲና ኣካላቶም ብርእዮ እናተተልተለ ኣደዳ ስቃይን ሕሰምን ክኾኑ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ተዓዛቢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብኡ ተዋሳኢን ተረባሒን ኮይኑ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ምስቶም ብዓለም ዝተኾነኑ ግብረ-ሽበራውያን ምሕዝነት ብምፍጣሩን ብምድጋፉን ንህዝብና ብፍላይ ከአ ነታ ብልጽቲ ሃገርና ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊሩዋን ኣዳዳ እገዳ ጌርዋን ኣሎ። እዚ ጥራይ’ኮ ኣይኮነን ነቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ ቅንጅት ኣብ ሕምርቲ ሓገርና ኣስፊሩ ሕልሙ እንተ ኮይኑሉ ናጽነትና ጽባሕ ኣብ ዋጋ እዳጋ ከእቱ ህዝቢ ኣብ ዘይተጽበዮ ኩናት ክሽምም ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እናበለ ኣብ ክንዲ ዕንባባ ጽገሬዳ እሾኽ ዳንዴር ተኺሉላ ክጠፍእ ዘይመሃዞ የለን።
እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኤሪትራውያን መልቀቂኦም ገንዘብ ኣብ ማእከል ከተማ አስመራ ብጉሁድ ይኽፈል ምህላዉ ሎሚ ምስጢር ኣይኮነን::ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ጥራሕ ከይኣክል ሃገርና ንክትበታተን ንኣረጋውያን ከይተረፈ ብረት ብምዕዳል ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ይፍጽም ምህላዉ እናረኣና ትም ኢልና ክንሓልፎ ዝከኣል ኣይኮነን:: እሞ ዝኸበርካ ኤርትራዊ እዛ ብደም ብሉጻት ደቂ ኤሪትራ ዝተረኽበት ናጽነት ጽባሕ ትህሉዶ ኣይትህሉን ኣጠራጣሪ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ንሕና ኣብ ኣየርላንድ ንርከብ ኤሪትራውያን ህዝብናን ሃገርናን እናተዘምተ ስቅ ኢልና ነዚ በደል ክንዕዘብ ዘሓላፍነታውን ብታሪኽ ተወቀስቲ ከይንከውን እጃምና ከነበርክት ንሕተት::
ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተግናታት፥ ኣብ ናይ1950 ዓ ም ዋዕሉኡን በብእዋኑ እናተመሃየሸ ዝጸደቀ ሕግታት ብንጹር ተቀሚጡ ከምዘሎ ሓደ ዑቅባ ዝሓተተ ሰብ ብመሰረት ዝሓተቶ መትከል ንሓቅታት ኣኽቢሩን ተማእዚዙን ክነብር ይሕብር። ሰብኣዊ መሰላቱን፥ ክብርታቱን ተገፊፉ ዚተሰደደን ዑቅባ ዝሓተተን ሰብ ብፍትሕን ስርዓተ ሕግን ናይ ምንባር መሰሉ ዚገፈፎ ስርዓት እናጣቅዐ፤ንዑቅባ ሓተትቲ ክጻባእ መሰረታዊ ሕግታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተግናታት ዝጥሕስ ጥራሕ ዘይኮነ ብሕጊ ዘሕትት ኢዩ።
ንሕና አብ ኣየርላንድ ንርከብ ዜጋታት ኣባላት ኤሪትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኣካል ናይቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምድሓን ሃገር ኣባላት ምዃንና እናሓበርና ህዝብናን ሃገርናን ካብ እዚ ወሪድዎ ዘሎ መዓትን ግፍዕን ንምድሓን እጃምና ነበርክት ዘለናን ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤሪትራዊ ነዚ ሰናይ ሃገር ናይ ምድሓን ጻዊዒት ተቀቢሉ ምሳና ክጽንበር ነቶም ኣብ ኣየርላንድ ካብ ኤምባሲ ህግደፍ ተላኢኾም ህዝቢ ብወገን ክኸፋፍሉ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ጸረ ህዝቢ ክቃለስን እንተ ተኻኢሉ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንምቅራቦም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክሳተፉ ንጽውዕ::
እዞም ሓተቲ ዕቅባ ብምዃን ተገፊዕና ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዘለዉ እንተኾነ ተገምጢሎም ተለኣኽቲ ነዚ ንህዝብና ዝገፍዕ ዘሎ ጨካን ስርዓት ብምዃን ንዝገብርዎ ውዲታውን ዘሓላፍነታውን ተግባራት ምሳና ሓቢርኩም ክትቃለስዎ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ::ነዚ ኣዕናውን ጸረ ህዝብን ካብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ወኪል ህግደፍ ዝመጽእ ትእዛዝ ንምብዳህ ምሳና ክትሓብሩ ብኡ ኣቢልና ከአ መሓውር እዚ ጠላም ስርዓት ንምስባር ኣብ ዝካየድ ሃገር ናይ ምድሓን ቃልሲ ክትሳተፉ ንጽውዕ::
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር