ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ማሕበር መንእሰያት ሚላኖን ትማሊ ቐዳም 21ንን 22ን መስከረም ብረታዊ ተጋድሎን ማእሰርቲ ኣርካናት መራሕትን ጋዜጠኛታት ንዝሰነደት ወርሒ መስከረም ብሓባራዊ ዘተን ክትዕን ዘኪሮማ።
ኣብቲ ዓርቢ 21 መስከረም ምስ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ አዕሩኽ ኢጣልያውያን ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሓባራዊ ዘተ፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት ኤርትራውያንና ስደተኛታት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ (ኣልጋነሽ ጋንዲ)፡ ኣብ ሲናይን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ኣብ እተቐየድሉ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርትን ብምብጻሕ በዴዌን ብዝተባህሉ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰብ (ትራፊከርስ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ንኽትርእዮን ኪትስምዖን ዘስካሕክሕ ግፍዕን፡ ምምዝሓቕ ክፋላት ኣካላት ኩሊትን ካልእን ብስእልን ድምጽን ግዳያት እተሰነየ ምስክርነት ኣቕሪባ።
ጋዜጠኛ ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ) ብወገኑ ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሻሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ብስርዓት ህግደፍ ተጨዉዩ ራኢን ባህግን ሓርነት ህዝቢ ተቖጽዩ፡ ህዝብና ኣብ ኣዚዩ ዘሕዝን ጸልማት ሃዋሁው ከምዘሎ፡ እቶም ሰውራ መሪሖም ሃገር ዘውሓሱ ኪሳዕ ሕጂ ን11 ዓመት ዝኣክል ዝተቐየዱ ላዕለዎት መራሕትን ጋዜጠኛታትን ምልክትን ሰንደቕን ኩሎም ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስሩ ኣሻሓት ዜጋታት ኤርትራ ሙዃኖምን ብምግላጽ፡ ኣብዛ ሰንደቕ ንቕሎ ናጽነትን ሓርነትን ዝኾነት ወርሒ መስከረም ኬይንና ነቲ ንሳቶም ዝተለምዎ ቓልሲ ፍትሕን ሓርነትን መሳርዕና ወዲብና ኪንቅጽሎ ቃልና ከነሐድስ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር ንኹሎም እቶም ትማሊ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል እጃም ዘበርከቱ ኢጣልያውያን አሕዋት ብምሙጓስ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብቲ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ዝግበር ቓልሲ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።
ዉሩይ ዓርኪ ሰውራ ኤርትራ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ፔትሮ ቨሮኔሰ ድማ፡ እዚ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቓልሲ መሪሑ ኣብ ኣስመራ መንግስቲ ዝመስረተ ሓይሊ ኪትኣምኖ ብዘጸግም መገዲ ናብ ጎደና ጥፍኣት ይጕዓዝ ብምህላዉ ከም ኣድናቕን ቀረባ ዓርኪን ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ መጠን ብልቢ ከምዘሕዝኖ ሓቢሩ። መግለጺኡ ብምቕጻል ቨሮነሰ፡ ቅድሚ ናጽነት በቲ ኣብ ሜዳ ኣቲና እንዕዘቦ ዝነበርና ዘደንቕ ጀግነትን ተወፋይነትን፡ ምህዞን ተበላሓትነትን፡ ዲሲፕሊንን ጽንዓትን ተጋደልቲን እንነብቦ ዝነበርና ዕላማታትን ቻርተራትን እቲ ግንባር ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሓንቲ ብኣብነት እትስመ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኪትምስርት ኢያ ዝብል ልዑል ትጽቢት ከምዝነበሮ እንተኾነ ዘይከምትጽቢት ኩሉ ዜጋን ፈታውን እታ ሃገር ሃገር ምልክን ዓፈናን ብሙዃና ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ሕጂ እውን ኢርትራውያን ምእንቲ መሰልንን ሓርነትን ኣብ ዝገብሩዎ ቓልሲ እጃሙ ከበርክት ድሉው ሙዃኑ ኣረጋጊጹ።
ንምሸቱ እቲ ብሕቶን መልስን ብርእይቶን ምኽርን ዝማሞቐ ዘተ ብእንግዶት ድራር ተዛዚሙ።
ንጽባሒቱ ምሸት ቐዳም 22 መስከረም ዶክተር ኣልጋነሽን ፍስሓን ጋዜጠኛ ሳሙኤን ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)ን ንኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነበርቲ ሚላኖ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣካይዶም። ክልቲኦም ተዛተይቲ ነቲ ብድሮኡ ምስ ኢጣልያውያን አዕሩኽ ኤርትራ ዘካየዱዎ ዘተ ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ኣቕሪቦሙሎም። እቶም ተሳተፍቲ በቲ ብነጋዶ ክፍሊ ኣካላት ወዲ ሰብ በደዌን፡ ኣብ ልዕሊ አሕዋትና ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዘንጸባርቕ ብዶክተር ኣልጋነሽ ዝቐረበ ስእላዊ መርትዖታት፡ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖምን ንዕኡ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ቓልሲ ዓቲቦም ከምዝዋስኡን ቃል ኣትዮም።
ድሕሪ እቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ጋዜጠኛ ሳሙኤል ንኤርትራውያን መንእሰያት ሚላኖ ብዛዕባ ኣኼባ ደብረ ዘይቲ፡ ካብ ውዳበ ኪሳብ ፍጻሜ ንዝነበረ ኩነታት ብዝርዝር ብምሕባር ምስሊ ናይቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብምቕራብ፡ መንእሰያት ሚላኖ ኮኑ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ሽግርን መከራን ቀዳምነት ብምሃብ ኩሉ ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ንናይ ሓባር ዕላማ ውዳበኦም ኣስሚሮም ኪቃለሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። እቶም መንእሰያት ብወገኖም እዚ እዋን ነቲ ትማሊ ኣብ እዋን ቓልሲ ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ከምዘዘኻኽሮም ብምሕባር ስቓይን መከራን ህዝቦም ንምሕጻር ዓቕሞም ዘፍቅዶ ዘበለ ከምዝገብሩ ቓል ኣትዮም።