“ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን” ዝብል ሓድሽ ናይ ፓልቶክ ገዛ ተኸፊቱ
Normal 0 false false false EN-US X-NONE X-NONE
/* Style Definitions */ table.MsoNormalTable {mso-style-name:"Table Normal"; mso-tstyle-rowband-size:0; mso-tstyle-colband-size:0; mso-style-noshow:yes; mso-style-priority:99; mso-style-qformat:yes; mso-style-parent:""; mso-padding-alt:0in 5.4pt 0in 5.4pt; mso-para-margin-top:0in; mso-para-margin-right:0in; mso-para-margin-bottom:10.0pt; mso-para-margin-left:0in; line-height:115%; mso-pagination:widow-orphan; font-size:11.0pt; font-family:"Times New Roman","serif"; mso-fareast-font-family:"Times New Roman";}
ዓሰርተ ሽዱሽተ ደለይቲ ለውጢ “ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን” ዝብል ሓድሽ ናይ ፓልቶክ ገዛ ብ1 መስከረም 2012 ከምዝኸፈቱ ኣቦ መንበር ጠርናፊ ሽማግለ ናይታ ሩም ኣቶ ሃይለ ክፍላይ (ጎተና) ምስ ጋዜጣ መፍትሕ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ።
“ነዚ ሩም’ዚ ክንከፍተሉ ዝተደረኽና ምኽንያት፡” ይብል ኣቶ ሃይለ፡ “ኣብቲ ካልእ ሩማት (ገዛውቲ) ብነጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ጸገም ስለዘሎ ነዚ ሽግር’ዚ ዝፈትሕ፡ ንኩሉ ዘለዓዕል ኣብ ተግባር ዘተኮረ መራኸቢ ባይታ ንምፍጣር’ዩ።”
ኣቶ ሃይለ ብምቕጻል፡ ንገለ ጌጋታት ኣብ ካልእ ናይ ፓልቶክ ገዛውቲ ዝግበር ንምእራም ዝሓሸ ኣገባብ ምምሕዳር ከምዝጥቀሙ ጠቒሱ። “ኣብ ካልእ ናይ ፓልቶክ ገዛውቲ ክፍሊት ካብ ህዝቢ ስለዝሓቱ፡ ገለ ኣባላት ስለዝኸፈሉ ጥራሕ ፍሉይ ሓለፋ ይጽበዩ ኔሮም። ንሕና ግን ነቲ ወጻኢታት ናይዚ ገዛ ባዕልና እናዋጻእና ክንሽፍኖ ስለዝኾና ካብ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለዘይንሓትት ንዝኾነ ሓለፋ ኣይክንህብን ኢና። እዚ ገዛ ንኩሉ ብማዕረ ደረጃ ዘሳትፍ ከምዝኸውን ኢና ክንገብሮ፡” ኢሉ።
ንዕቤትን ምዕባለን ገዛ ተሻሞ ልዑል ተሳትፎን ምኽርን ህዝቢ ብቀጻሊ ክደልዩ ምዃኖም ኣቶ ሃይለ ብምጥቃስ፡ ብዘይ ናይ ዜጋታት ተሳታፍነት ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስለዘየለ፡ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ብቅኑዕ መንፈስ ክሳተፍ ድሌት ኣማሓደርቲ ገዛ ተሻሞ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
ገዛ ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ንግዚኡ ሸሞንተ ሰዓታት ክኽፈት’ዩ፡ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ግን ን24 ሰዓታት ብምኽፋት ድሌት ኩሉ ደላዪ ለውጢ ንምዕጋብ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ኣቶ ሃይለ ክፍላይ ወሲኹ ጠቒሱ።
ንኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዘገልግላ ናይ ፓልቶክ ገዛውቲ ኣስታት ሰለስተ ገዛውቲ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
http://www.meftih.ca/details.php?gid=1&catid=224