ናይ ሓዘን መልእኽቲ (ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ)
ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፑፕሊክ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ብምዕራፉ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና ንስድራቤቱን ፤ ፈተውቱን ፤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።
ወዲ ሰብ ብሂወት እናሃለው ዝሰርሖ ታሪኽ ፡ ድሕሪ ሞቱ ህያው ኮይኑ ስለ ዝዝከር ፡ ኣቶ መለስ ውን ብሂወት ኣብዘይሃለወሉ እዋን ፡ ከም ህያው ኮይኑ ዘዘክሮ ዓቢ ታሪኽን ብዙሕ ዘኹርዕ ስምብራትን ገዲፉ እዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ። ኣቶ መለስ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ኣብ ምርግጋጽን ፤ ሰላምን ደሞክራሲን ኣብ ምስፋንን ፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምምኻርን ኣብ ምፍታሕን ዓቢ ተራ ዝተጻወተ በሊሕ መራሒ እዩ ነይሩ ።
ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ውን ፡ ፈለማ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ሰላማዊ ፤ ተባዕ መርገጺ ብምውሳድ ኤርትራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን እዩ ደጊፉ። ቐጺሉ ውን ኣብ ኤርትራ ሰላም ንምስፋን ዝኣክል፡ደምበ ተቃውሞ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍን ምሕያልን ዓቢ ተራ ብምጽዋቱ ብኤርትራውያን ኣድናቖትን ተፋታውነትን ዘትረፈ ደላይ ሰላም መራሒ ምንባሩ እናገለጽና ፡ ደጊምና ንቤተሰቡን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
21/8/2012