ኣብ ሓንቲ ኣካል 3ይ ዓለም ዝኾነት፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ድሕሪ መሪር ቃልሲ ነጻነታ ዝተጎናጸፈት ሃገር፡ ሓደ ንሕስያ ዘይብሉ ውልቀ መላኺ ብቐሊሉ ጎብለል ኮይኑ ክስውድ፡ ታሪኽ ናይ ካልኦት ተመሳሳሊ ተመኩሮ ዘሕለፋ ሃገራት ከምዝምህረና፡ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። ብዘይካ በትረ ስልጣኑ ካልእ ዝዓጦ ነገር ስለዘይብሉ ንፍርያት ናይቲ መሪር ቃልሲ ዝኾኑ፡ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ፡ መዘና ኣልቦ ትዕግስትን ተጻዋርነትን፡ ጨዋነት ዝመለለይኡ ባህልን ዝኣመሰሉ ክብርታት ናይቲ ህዝቢ እከይ ሸውሃቱ ንምርዋይ ይብለጸሎም። ከምኡ ስለዝፈልጥ መን ከይደፍረኒ ብምባል ነታ ሃገር ብንዕቀትን ትዕቢትን ተነፊሑ የሽኮንድረላ። ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብ መስርሕ’ቲ ቃልሲ ብዝደለቦ ፍሉይ ተመኩሮታት፡ ወኻርያ ክነሱ ቆርበት በጊዕ ለቢሱ ክመጻደቕ፡ ክሕሱ ከምስል ከደናግር ክወራዘ ከሽካዕልል ስለዘየጸግሞ፡ ንብዙሓት የዋሃት የጋጊ፡ እንተዘየጋገየ ኸኣ የጎናድብን የዳህልልን። ቀንዲ ተልእኮኡ ንደቀባት ብኣካልን ብመንፈስን ተቖጻጺሩ ብሒም ዝበለ ክሕጎም፡ ሃብትን ጉልትን ናይ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምልኩ ብምእታው፡ ንሱ ቕዋም ንሱ ስርዓተ ሕጊ፡ ንሱ ባይቶ፡ ንሱ ሓጋግን ከሳስን ፈራድን ኣተግባርን፡ ኮታስ ንሱ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ንበይኑ ጎብሊሉ ዝዕንድረሉ ስርዓት ንምድላው ይጓየ።

ቀዳማይ ዕማሙ ንኹሎም ሕጂ ኾነ ኣብ መጻኢ የስግኡኒ’ዮም ዝብሎም፡ ኣውራ ኸኣ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ንነጻነት ምስኡ ዝተቓለሱ ተጋደልትን ሓርበኛታትን፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዘጥረዩ ምኩራትን ኣድማዕትን ምሁራትን ፈላጣትን፡ ሃብትን ዓቕምን ዘለዎም ነጋዶን ወነንቲ ትካላት ዜጋታትን፡ ኮታስ ጠስሚ ናይቲ ሃገር ኣለልዩ፡ እንተኽኢሉ ጨውዩ ይቐትሎም፡ ሃለዋቶም ኣጥፊኡ ብዘይ ክስን ፍርድን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉኖም። እቶም ካብ’ዚ መጻወድያታት’ዚ ዘምለጡ ዕድለኛታት ከኣ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ተባሪሮም፡ ንዓዲ ጓና ብዘይድሌቶም ከገልግሉን ከኻዕብቱን ይግደዱ። ናይ ኤርትራ ውልቐመላኺ ኣይሓመቐን! ሕማቓት ከኣ ስለዝረኸበ ከምኡ’ዩ ገይሩ።

ውልቀመላኺ ነዚ ቀዳማይ ዕማሙ ኣሳሊጡ ምስ ተኣማመነ፡ ብዓቕምን ብትምህርትን ዘይተመልመሉ ደናቁር፡ እሺ በሃልትን ወደስትን መወዓዋዕትን፡ ብወገንን ሃይማኖትን ዝተበከሉ፡ ቅንጣብ ሕልና ዘይብሎም ብጉቦን ብልሽውናን ዝልለዩ ዓዋሉ፡ ብዘይ ዕጻይ ምጻጻይ ተማእዘዝቲ፡ ንሱ ዘዝበሎ ክደግሙ ዘይሕለሎም ፓፓጋሎታት፡ ንስልጣኑ ዘይፈታተኑዎ ግን’ከ መቋድስቲ ስልጣን እንግድዓ ዝኾኑዎ ጭፍራታት ተኸቢቡ፡ በትረ ስልጣኑ የትርር ዘመነ ግዝኣቱ የናውሕ። ሃገር ከኣ ብኽፉእ ተረሚሳ ናብ ደምበ ውሱናት ትቕየር።

እስኪ እዛ ናይ ሕጂ ኤርትራና ብኹሉ’ንትንኣ ጥልቕ ኢልና ንመልከታ! እስከ ብሕልናን ብጽሞናን ንዳህስሳ!!

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ኣስታት ሰብዓ ሽሕ ጀጋኑ ኣብ ዓውዲ መኽተ ኣወፍዩ ኣብ 1991 ነጻነቱ ዝተጎናጸፈ ክቡር ህዝቢ’ዩ። ኣብ 1993 ንፈተውቱ ዘሐበነን ንጸላእቱ ዘርዓደን እንከን ዘይተረኽቦ ሃገራዊ ረፈረንዱም ብምክያድ ነጻን ልኡላዊትን ሃገረ ኤርትራ ኣዊጁ። ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ባዕለይ ዝብሎ መንግስቲ ኣቚሙ። ምሉእ ዓለም ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢሉዎ። ህዝቢ ዓለም ካብዛ ብኹሉ መዐቀኒታት ንእሽተ ግን ከኣ ኣንጸባራቒ ዓወታት ዘመዝገበት ሃገርን ኣብ መሪር ብረታዊ ቓልሲ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኑ ዝተረረ  ህዝብን እንታይ ትጽቢት ነይሩዎ! እንታይከ ረኺቡ!

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ክምረጽን ክመርጽን መሰሉ ተነፊግዎ፡ ብነጻን ብዘይ ተጽዕኖን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከቕውም፡ ሓሳባቱ ብቓልን ብጽሑፍን ክገልጽ፡ ሃገራዊ ቕዋም ኣጽዲቑ ሃገራዊ ባይቶ ክመርጽ ዝነበሮ ባህግን ድሌትን ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ማህሚኑ ተሪፉ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተዛሪብካ ጽሒፍካ ጥራይ ዘይኮነ ስለምንታይ ሓሲብካ ብዝብል ክሲ ክቕፍዱኻ ብጣዕሚ ቀሊልዩ። እምነትን ሃይማኖትን ናይ ግሊ፡ ሃገር ናይ ኩሉ ዝብል መትከል፡ ኣብ ኤርትራ ከምዘይሓልፍ ተረጊጹ’ዩ። ውልቀመላኺ ስለ ዘይፈተዎ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ተደርብዮም ዝበልዩ ዘለዎ ኣዲኦም ትቑጸሮም። ናይ ሃይማኖት ትካላትን ኣብያተ ክርስትያናትን ብፍላይ ከኣ ናይ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ ናብ መንግስታዊ ትካል ተቐይሩ’ሎ። ኣቡናትን ጳጳሳትን ብውልቀ መላኺ ይቕብኡን ይሽየሙን ይሸሓሩን፡ ብጹእነቶም ብዘየድስ ይእሰሩን ይሕየሩን ኣለዉ።

ሓንቲ ንበይና! ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ንነብሳ ዘጠመቐት ኩሉ ስርሓን ተግባራታን ግን ናይ ‘ዓዋሉ ግንባር ንምልክን ጭኮናን” ዝተዓጥቀት እንኮ ሰልፍን፡ ሓደ ብዘይ ምርጫን ምርቓን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ተኾዲጩ ንህላዌን ንልኡላውነትን ሃገርና ዝፈታተን ዘሎ ምክትል ዘይብሉ እንኮ ውልቀመላኺን ብሒቶማ ኣለዉ። “ቅዋም ፡ ህዝባዊ ምርጫ፡ ዴሞክራሲ፡ ናይ ህዝቢ ሰልፍታት ንኤርትራ ኣየድልያን እዩ። ኣነ ብደሞዝ ቆጺሩ ወይ ዓመታት ፈልዩ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበለኒ ስለዘየለ ፡ ንማንም ተሓታቲ ኣይኮንኩን። ንዓይ ወይ ንስልጣነይ ዝትንክፈኒ ወይልኡ” ብማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ብዘይ ገለ ኣስሓኮ ተዛንዩ ንዓለም ዝኣወጀ ነውራም መራሒ እዩ። መራሕ ሃገር ዝብሉኻ ኣብዚ እነሀለ! ኤርትራ ፍረጻማ መስዋእቲ ደቃ እዚ ክኸውን ግን ማንም ዝተጸበዮ የለን። ‘ካብዚ ዝኸፈአ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ’ ዝተባህለ ነዚዶ ይኸውን?

ሕልምታቱ ኣብ ኤርትራ ዝተሓጽረ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ከባቢና አረ ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈላጥን ሓያልን ለባምን ፈላስፋን መራሒ ምዃኑ መታን ከረጋግጽ ኣብ ዘየድልዮን ዘይምልከቶን ጉዳያት ጦብሎቕሎቕ ምባል፡ በብእዋኑ ኣብ ተለቪጅን ተተገቲርካ ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ  ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ምሕደራ፡ አረ ኣብ ውልቃዊ ሓዳሮምን ኣብ ደቆምን እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣስተምህሮታት ክህብ ዘይስልችዎን ዘየሕፍሮን ጉዳመኛ ፈላስፋ እዩ። ‘እንቁርዖብሲ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን’የ ኢላ ተተኲሳ ሞይታ’ ዝተባህለ ከምዚ ምስ ተረኽበ እዩ።

እዛ ንእሽተ ሃገር፡ ህዝባ ውሑድ፡ ዓቕማ ትሑት ዝኾነት ኤርትራ፡ ነጻነታ ምስ ኣወጀት ከይወዓለት ከይሓደረት ተሃንዲዶም ኣብ ኲናት ሸኺቶማ። ኩሉ’ቲ ናብ ኩናት ዘብጽሐ ጠንቅታት እንተርኢኻዮ፡ ለባም ኣላይ ስለዝሰኣነን ትዕቢትን ንዕቀትን ስለዝዓብሎኾን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘብጽሕ ኣይነበረን። ኩሉ ኣብ ዓውዲ ዘተ ተቐሚጥካን ተደራዲርካን ብሰላም ክፍታሕን ካብ ዘይተኣደነ ክሳራታት ዘድሕንን’ዩ ነይሩ። እቲ ዘስደምም ክሳብ ሕጂ በቲ ንስሙ ኣሎ ዝበሃል ባይቶ ሃገር ግቡእ ዘተ ተኻይዱሉ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ርእይቶኡ ክገልጽ ዕድል ተዋሂብዎ ብሃገር ደረጃ ዝተወሰነ ኲናት የለን። ስለዚ ውልቀ መላኺ ባህ ስለዝበሎ’ዩ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት፡ የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጲያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማል፡ ተር ከም ዓተር፡ ገሊኡ ብሰበብ ዶባት፡ ገሊኡ ኸኣ ምስ ባህርያቱን ተግባራቱን ዘይቃደውዎ መራሕቲ ሃገራት ንምዕላው፡ ምስ ኣብ ውሽጦም ዘለዉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ተሻሪኹ ብወተሃደራዊ ጎነጽ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ወይ ይኾኑኒ’ዮም ዝበሎም ተቓወምቲ ኣብ ስልጣን ከምዝመጹ ንምግባር ዝሓለነ፡ ብለይቲ ዝሓለሞ ብቐትሪ ከተግብሮ ይፍትን። ህዝቢ ሃሊቑ ሃብቲ ሃገር በሪሱ ልኡላውነት ሃገር ተደፊሩ፡ ኣብ ኩሉ ኸኣ ከም ድሌቱ ኣይሰለጦን፡ ኣይተዓወተን። ገናውን ኣበሳና ኣየኽተመን። ዝሓለፈ ከይኣክል ኣብዚ ቐረባ ኣዋን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮኑ ልዕሊ ስሳ ዝዕድሜኦም ኣረጋውያን  ከይተረፉ ከዕጥቕ ተኣንጎድ ተሸብሸብ ይብል ኣሎ። ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ…..እዚዶ ይኸውን!

በዚ ጥራይውን ኣይተሓጽረን። ክንዮ ከባቢና ንደቡብ ክፍለዓለም ኣፍሪቃ ዝሰገረ ወትሃደራዊ ወፍርታት ክሳብ ኮንጎን ርዋንዳን ዝበጽሐኸ እንታይ ኣምጽኦ! ነዛ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ደማዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸሚዳ ብዂናት ዝላደየት፡ ቁጠባዊ ትሕዝቶኣ ዝነገፈት፡ ደበስ ናይ ዝተሰውኡ ደቃ ብግቡእ ዘየስተማቐረት ምተገብአዶ! መብዛሕትኡ ብድሕሪ ነጻነት ዝተኻየደ ውግኣት፡ ሓይለይ ከርእየክን'የ፡ ኣነ መን ምዃነይ ከፍልጠክን’የ ዝመበገሲኡ ብፈኸራን ዳእላን ተነሃሂርካ ንስለ ዝና ዝተኻየደ እዩ። ንኤርትራ ብዘይካ’ቲ ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንዋትን ማልን ክሳራታት፡ ከም ሓንቲ መደበር ናይ ሽበራን ጻሕታሪት ህውከትን፡ ኣህጉራዊ ሕግን ስነስርዓትን ዘይተኽብር ተቖጺራ ካብ ከባቢናን ዓለምናን ክትንጸልን ክትእገድን የምሕረላዶ! ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ታሪኽ፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ተሰማሚዐናሉ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም እገዳ ዝተበየነላ ሃገር ዘራጊት ሃገር ንምዃን ዝበቕዐት፡ እዛ ገና ካብ ናይ ሓርነታዊ ኲናት በሰላ ዘይተናገፈት ንህዝባ ብግቡእ ክትምግብ ዘይትኽእል….እያ። እዚ ኹሉስ ኣብ ምንትምንታይ! ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ!

መራሕትና ዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ኤቲከትን ዲሲፕሊንን ዘይብሎም፡ ንዝተፈላለያ ሃገራት፡ ንኣህጉራውያን ውድባት፡ እናኽጥዕሞም ክውድሱን ክማጻደቑን፡ እናኽሓስሞም ከኣ ብተራ ናይ ጽርግያ ቋንቋ ከናሽዉን ክጻረፉን፡ መዓልቲ ወጊሓ ትዓርቦም። ንመራሕቲ ሃገራትን ዓበይቲ ሰበስልጣን ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ከደምቲ፡ ኣቃጠርቲ፡ ሰረቕቲ ….ዝብል እንኳን ክትጸውዮ ክትሰምዖ ዘስካሕክሓካ ጽዩፍ ጸርፍታት ብምስንዳው ዝና ኣትሪፎም፡ ነቲ ጽያፉ ዝኸተተ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዝንኡ ኣጉዲፎሞ ኣለዉ። እቲ ዘገርም ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኩሉመዳያዊ ዕንኪላሎ፡ መራሕትና ክብረቶም ኣሕሲሮም ክብሪ ሃገር ኖቚቶም ዝፈጠርዎ ኣበሳ ክነሱ፡ እቲ ሓላፍነት ናብ ካልእ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተሰወጠ ጋኔን ከሰጋግርዎ ከም ዕቡድ ይፍትኑ ኣለዉ። ጠንቂ ናይ ኩሉ ጸገማትና ኣመሪካ እያ! ትካል ሲ ኣይ ኤ እዩ ክብሉ ወጊሑ ይዓርቦም። ጠንቂ ናይ ኩሉ’ቲ ኤሪትራ ምስ ኣብ ከባቢናን ርሑቕን ዝወልዓቶ ኲናት፡ ጠንቁ ኣመሪካ! ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት፡ ጠንቁ ኣመሪካ! ቅዋም የለን፡ ሰብኣዊ መሰላት ኣይክበርን፡ ሰባት ብዘይ ክስን ፍርድን ይምቅሑን ይሕየሩን፡ ጠንቁ  ኣመሪካ! ኤሪትራውያን መንእሰያትን ዓበይትን ብዘይ ገደብ ናብ ስደት ውሒዞም፡ ጠንቁ ሲ ኣይ ኤ! ኤርትራ ብቑጠባ ርእሳ ኣይከኣለትን፡ ኤርትራ መዓስከር ተቓወምቲ ውድባትን ኣልሸባብን ብምዃን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ህውከት ትፈጥር ኣላ፡ ጠንቁ ኣመሪካ! ኤርትራ ካብ ኢጋድ ብኢደ ወኖነኣ ራሕሪሓቶ  ወጺኣ ከተብቅዕ ምለሱኒ ኣንተበለት’ውን ዕጭ ሓንፈፍኪ ተባሂላ፡ ጠንቁ ኣመሪካ! ምሉእ ዓለም ዝፈንፈነን ብሕማም ዝተለኽፋ ኣባጊዕ ኣብ ኤርትራ ከምዝብልዓ ተገይሩ፡ ጠንቁ ሲ ኣይ ኤ! ውልቀ መላኺ ንወርሒ መመላእታ ካብ ምንቅስቓስ ተቖጢቡ ካብታ ተራእዩ ዘይጸግበላ ቲቪኤረ ተኸዊሉ፡ ሓሚሙ ሞይቱ ዝብል ወረታት ተቓሊሑ፡ መንከ ኣቃሊሑዎ!  ሲ ኣይ ኤ! ኣመሪካ! ሲኣይ ኤ….መወዳእታ የብሉን። ብዘይ ምግናን ኤርትራ ብመንግስቲ ኣመሪካን ሲ ኣይ ኤን ትመሓደር ዘላ ኮይኑ ይስመዓካ። ኣብ ቲቪኤረ ብዛዕባ መንግስቲ ኣመሪካ ዝውረን ዝበሃልን ካብቲ  ኣብ ኣመሪካ ብዛዕባ መንስቲ ኣመሪካ ዝለዓልን ዝንገርን ይበዝሕ።

ከምኡ ምግባሮም ግን እቲ ካብ ሂትለር ዝተማህርዎ “ሓሶት እንተ ደጋጊምካዮ ህዝቢ ከም ሓቂ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ” ዝብል ሰይጣናዊ ኣምር፡ ብልቦም ስለዝኣምንሉን ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጡ ዓስኪሩ ዘሎ ዕሉል ሰይጣን ዘነጽርን ዘናድን፡ ኣብ ወጻኢ ዓበይቲ ውቅያኖሳት ሰጊሩ፡ ብዘይካ ንኤርትራ ንምህሳይ ካልእ ዋኒን ዘይብሉ፡ ኣሎ ዝበሃል ሰይጣን ከማዕዱን ከድህብን ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ ውዲት’ዩ። ብመጠኑ ተዓዊቶም ኣለዉ። ኣቲ ብመንግስቲ ዝደጋገም ሓሶታት ኣራቢሖምን ኣጸባቢቖምን ዘናፍሱን ዝደጋግሙን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣይተረድኦምን እምበር ሂትለር ከምኡ ስለዝገበረ”ዩ ንህዝቢ ጀርመን ኣብ ሽው ዝበለ ገደል ኣብ ደልሃመት ኣውዲቑዎ። ካብኡ ሓሊፎም ንመንግስቲ ኣመሪካ ጽቡቕ ጌርና ኣርኢናያ፡ ኣያይ ሰጥ ከብሎም’ዩ ብማለት ዝፍክሩ ዓያሹ’ውን ኣይተሳኑን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ዘሎ ፍልልያት ብኹሉ ዓይነት መዐቀኒታት ክንዲ ሰማይን መሬትን’ዩ ኣንተተባህለ ካብ ሓቅነት ዝዘበለ ኣይኮነን። ጭሩሲ ፍር ኢላ ኣብ ዝባን ሓርማዝ ዓለበት’ሞ፡ ስክፍታ ኣሕዲራ” እሂ ሓርማዝ ከቢደካ ድየ፡ ትሳቐ ከይትህሉ” ክትብል ድምጻ ኣጎርኒና ሓተተቶ፡፡ ሓርማዝ ከኣ ናይ ጭሩ ሕቶ ኣስደሚምዎ እናሰሓቐ “መን ኢኺ?  ኣይ ጭሩ! ኣይ ጭሩ! ንምዃኑ ኣበይ ዲኺ ዘለኺ? ክትከብድንስ ይትረፍ ኣበይ ከምዘለኺ ኣይተረድኣንን” ክብል መለሰላ ይበሃል። ጽዋ ናይ ኣቦታትና ኣብ መሬት ዝወድቕ ኣይኮነን። ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ’ዩ!

ንኹሉ ብሸምገልቲ ዝካየድ ፈተነታት እናስተናዓቕካ ኣፍልብኻ ነፊሕካ እምብለይ ክትብል ትጸንሕሞ፡  ሕርሕራይ ጌሮም ኣረርኪቦም እግርኻ ምስቀርሰሙኻ ኸኣ፡ እዚ ኲናት ጥራይ ጠጠው ኣብልዎ’ምበር ብዝበልኩምኒ ሕራይ እሺ ምባል መለለይ ሕላገት መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ’ሎ። እቲ ዝኸፍኤ ሳዕቤን ናይ’ዚ ዕንደራ’ዚ ግን ነቲ ብልዑል ጅግንነትን መስዋእትን፡ ዘይጸዓድ ኒሕን ሓቦን ተቐኒቱ ንበይኑ ኣንጻር ብዙሃን ሓይላት ተቓሊሱ ኣንጸባራቒ ዓወታት ኣመዝጊቡ ነጻነቱ ዝተጎናጸፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርእሰ ተኣማምነቱን ክብረቱን ልዑል ሞራሉን ብሕማቕ ይትንከፍን ይቃጠንን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይወርድን ምህላዉ እዩ። ክንደይ ካብዚ ዝኽፍእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ!

ኤርትራ ሃገርና ስፍሓት መሬታ ንኡስ፡ ዝርካቡ ብዓበይትን ናእሽቱን ጎቦታትን ኣኽራናትን ንሕርሻን መጓሰን ምቹእነት ዘይብሉ ደረቕን ብሑጻ ዝተሸፈነ ጎላጉልን ዝዓብለሎ እዩ። ብዘይካ’ቲ ሰፊሕ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃብትና ብኣፍ ምጭራሕ እንተዘይኮይኑ ብግብሪ ገና ማንካ ዘየልዓልናሉ ገዲፍካ፡ ብማዕድንን ካልእ ባህርያዊ ጥረ ሃብትን ኣዝዩ ዘነይት ትሕዝቶን ትዕድልትን የብላን። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ብዝሒ ህዝባ ካብ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝበዝሕ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ እዛ ኣብ ነብሳን ኣብ ህዝባን ተመርኲሳ ካብ ምንጋጋ መግዝእቲ ዝተናገፈት ሃገር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ኲናት በሰላታት ኣሕውያ ሓንቲ ብቑጠባን ትምህርትን ሕክምናን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለት ሃብታምን ብልጽግትን ኣብነታዊት ኤርትራ ንምህናጽ ተኣምር ክትሰርሕ’ያ ዝብል እምነትን ትጽቢትን ተኾሊዑ ነይሩ። “ዘራጊ ኸሎ ኣበይ ጽሩይ ማይ ክስተ” ከምዝበሃል፡ ንኹሉ ዝዘራርግ ናተይ ዝበለቶ ዘራጊ፡ ውሻል ኣጓኒፉዋ። ክትስጉምስ ይትረፍ ከተንፋሑኽ ኣይከኣለትን፡ ክትብልጽግን ክትህብትምን ይትረፍ ዜጋታታ ነዛ ንህይወቶም ክዕቅቡ ዘድልዮም መሰረታዊ መግብን መስተን ከተቕርበሎም ኣይከኣለትን። እቲ ጌርናዮ ዝብልዎን ኣብ ግብሪ ዝረአ ውጽኢትን ሰማይን መሬትን’ዩ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ምሁራትን ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን ማሎምን ፍልጠቶምን ናይ ወጻኢ ባጤራን ኣኻኺቦም ኣብ ምህናጽ ሃገሮም ክሳተፉ ናብ ኤርትራ ውሒዞም። እንታይከ ኣጋጢሙዎም? ብቕንእን ንዕቀትን ዝተልኽፈ ዘይጽፉፍ ምሕደራን ብሰበይ ሰብካ ወገነይ ወገንካ ዝተበከለ ዝምድናታት ሑሕ ኢሉዎም። ንዝኾነ ጌጋታት ንምእራም ዝቐርብ ትዕዝብትታት ወይ ጥርዓናት ኣበይ ከይበጽሑ ብማለት ብስቕታ ስለ ዝሕለፍ ወይ ብፈኸራን ምጉብዕባዕን ስለ ዝምለስ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ንንብረቶምን ንትካላቶምን ነዛ ንነፍሶምን ዘተኣማምን ውሕስነት ስለ ዝሰኣኑ፡ ዝጠንጠኑ ጠንጢኖም ብዙሓት ከሲሮም ሓደ ድሕሪ ሓደ ነናብ ዝነበርዎ ሃገራት ተመሊሶም። ገለ ካብኣቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ዱባይ፡ ኣቡዳቢ፡ ኢትዮጲያ፡ ኣንጎላ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዛምቢያ…..ወዘተ ምዩቕ ከይበሉ ኣድላይ ምትብባዕ እናተገብረሎም ንግዳዊ ስርሖም የካይዱ ኣለዉ።

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ብዙሓት ካብቶም ብገለ ምኽንያት ካብ ኤርትራ ክወጹ ዕድል ዘጋጠሞም ወይ መንግስቲ ዝለኣኾም ዜጋታት( ከም ስፖርታውያን፡ ስነጥበበኛታት፡ ተመሃሮ….)ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ኢዶም ሂቦም ዝብል ወረታት ምስማዕ ኣዝዩ ልሙድ ኮይኑ’ሎ። መንግስቲ ኤርትራ ከም ካልኦት ዲሞክራሲያውያን ሃገራት፡ ዝኾነ ዜጋ ከም ድላዩ ካብ ኤርትራ ክወጽእን ክኣቱን ዕድል እንተዝህብ ጉድ ምሰማዕና ማለት’ዩ።

ብዙሓት ናይ ወጻኢ ኩባንያታት መጽናዕትታተን ኣጻፊፈን ፕሮጀክትታተን ኣዳልየን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ቑጠባ ትካላት ክሃንጻ ንግዳዊ ንጥፈታተን ክዝርግሓ ዝመጻ፡ ዓጋቲ ዝኾነ ቅድመ ኩነትን ንረብሕአን ፈጺሙ ዝዝንግዕ ብኹሉ መዐቀኒታቱ ንስራሕ ዘየተባብዕ ዘይብሱልን ጋሕማጥን ምሕደራ ስለዘጋጥመን ንሳተን’ውን ገሊአን ፈቲነን ገሊአን ከኣ ኣብ ኩሉ ከይበጽሓ ራሕሪሐንኦ በብዝመጽኦ ተዓዚረን። ብዙሓት ከምዚኣተን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ኤርትራ ተነጺገን ወይ ጀሚረን ዝተሰጎጋ ኣብ ጎረናብትና ሃገራት ሓንጎፋይ ኢሎም ብሕግን ብኸበሬታን ተቐቢሎም የስርሕወን ኣለዉ። መን ተጎዲኡ ኤርትራ ህዝባን! ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ!

ዓለምለኻዊ ናይ ረዲአት ማሕበራት ዋላ'ኳ ኣሰራርሕአን ምሉእ ብምሉአ ጽፉፍ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝህብኦ ሓገዛት ኣይጠቅምን’ዩ ተባሂሉ ዝፍንፈን ወይ ዝነዓቕ ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዝመጽእ ሓገዛት ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ፡ ክትቅበሎን ክትጥቀመሉን ኣገዳስነቱ ልዑል’ዩ። ናይ ረዲኤት ማሕበራት ብዘይካ’ቲ ዘበርክትኦ ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዛት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይተን ማሕበራት ኣበየ ሃገሮም ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ምሕንጻጽን ንዝተፈላለየ ሃገራት ዝስላዕ ሓገዛት ኣብ ምውሳንን ከም ኣማኸርቲ ልዑል ተራ ስለ ዘለዎም፡ ብዕቱብ ክተሓዙን ኣንተወሓደ ተደናገጽቲ ካብኡ ሓሊፉ መሓዙትካ ንኽትገብሮም ክትጽዕር ይግባእ። ኮይኑ ግን  ውልቀ መላኺ ባህ ኣብ ዘዝበሎ እዋን፡ ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ረዲኤት ማሕበራት፡ ስምዕታ የብሉ መጠንቀቕታ የብሉ፡ ሒዘንኦ ዝጸንሓ ፕሮጀክትታት ይወዳእ ኣይወዳእ ብዘየገድስ፡ ንብረተን ብግቡእ ከይጠርነፋ ምኽንያት ከይተነግረን ኣዝዩ ሓጺር ናይ ግዜ ገደብ ተዋሂቡወን ብግፍዒ ተሸንዲሐን ዝተባረራ ውሑዳት ኣይኮናን። ስለምንታይ ከምኡ ተባሂሉን ተገይሩን ከምዛ ንናይዝጊ ኣጋጢማቶ ዘላ ዝፈልጥ ሰብ የለን። እቲ ዝኸፍአ ግን ከምኡ ጌርካ ኣኹድር እናረጋሕካ ዘባረርካየን  ወሃብቲ ረዲኤት ማሕበራት፡ ሕማቕ ግዜ ኣርኪቡ ብገለ ምኽንያት ባዕልኻ ክትወጾ ዘይትኽእል ጸጋማት ምስ ዘጓንፈካ፡ ርእስኻ ኣድኒንካ ብሕፍረት ተዋሒጥካ፡ ‘ሃየ በጃኽን ሓግዛኒ ርድኣኒ ክትብል ኣብ ኣፈፌት ቤት ጽሕፈተን ጥልዕ ጉምብስ ምባል’ዩ። ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ!

ካልእ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዳይ’ውን ኣሎ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ብዙሓት ሞያዊ ብቕዓትን ኣብ ከባቢኦም ማሕበራዊ ጽልዋን ዘጥረዩ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት( ሓካይም፡ ጋዜጠኛታት፡ ናይ ፖለቲካን ስነፍልጠትን ተመራመርቲ…. ) ከም መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በብውልቅን ኣብ ማሕበራት ተወዲቦምን፡ ኩሉ ዓቕሞም ጉልበቶም ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ኣወፍዮም። አረ ገሊኦምስ ኣብቲ ቃልሲ ብኣካል ተሰሊፎም፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ንኽረክብን ንኽዕወትን ሰፍ ዘይብል ተሳትፎን ኣበርክቶን ዝገበሩ፡ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ ኢልካ እንተሓቲትካ ህጣሞም የለን። መንግስቲ ኤርትራ ሕዝ ግድፍ፡  ትጥቕም ስንድው፡ ትዝርብ ኣፍርስ፡ ኣፍርስ ትዝርብ ዝባህሪኡን ዝመለለይኡን፡ ኣንፈቶም ክገብር ነቲ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝማዕበለ ዝምድና መሊሱ ክተርር፡ ነቲ ኣብ ሃዋጺ ኩነታት ዝፈጸምዎ ሰናይ ኣስተዋጽኦን ምትሕብባርን ኣብ ግዜ ሰላም መታን ብዓጸፌታ ክቕጽልዎ ዝግባኦም ምስጋናን ኣኽብሮትን ክልግሰሎም ድሌትን ተበግሶን ኣይነበሮን። ተጠቒሙሎም ከምቶም ካልኦት ተሰንድዮም።

ብዙሕት ካብኣቶም ብህይወቶም የለዉን። እቶም ህልዋት ግን ብመንግስቲ ኤርትራ ቆላሕታ ዘይተገብረሎም ዘይኮነስ፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ስርዓተ ሕግን ፍትሕን ዴሞክራሲን ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ኣብነታዊት ሃገር ክትከውን’ያ ኢሎም ምሉእ እምነት ዘሕደሩላ: ክፋል ናይ ህይወቶም ብወለንትኦም ዘወፈዩላ ኤርትራ፡ ብውልቀ መላኺ ተደዊና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላቱ ተጋሂሱን ተድቚሱን ንዳግማይ ስደት ተቓሊዑ፡ ኣደዳ ሕስረትን ስቅያትን ኮይኑ ምህላዉ እዩ። ክንደይ ካብዚ ዝኸፍእ ኣሎ ዝተባህለስ….እዚዶ

ኤርትራ ረፈረንዱም ኣካይዳ ነጻነታ ብወግዒ ምስ ኣወጀት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሲንጋፖር ክንቅይራ ኢና ዝብል ካብ ሰናይ ድሌትን ባህግን ዝተበገሰ ኣበሃህላ ይስማዕ ነይሩ። እዚ ማለት ሰፊሕ ምዕባሌ ኣብ ትምህርቲ፡ ስነፍልጠት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ቴክኖሎጂ፡ ቱሪዝም፡ ኢንዱስትሪያውን ንግዳውን ትካላት፡ ሰፊሕን ኩሉንትናውን ትሕተ ቕርጺ ምዝርጋሕ፡ ሰፊሕ ፍልጠትን ተሞክሮን ዝደለበ፡ ክውጥን ከጽንዕ፡ ከዳሉን ከተግብርን ከመሓድርን ዝኽእል ህጡር ዓቕሚ ሰብ ምኹስኳስ…ብኡ ኣቢልካ እቶትን ሃብትን ናይ ሃገር ክብ ኢሉ፡ ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ክብ ከምዝብል ንምግባር ዝኣመተ ምዃኑ ርዱእ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ድሌት ምስቲ ኣብ ሃገር ዝተጋህደ ክውንነት ኣይተቓደወን። ንየዋሃት ትምኒት ኮይኑ ተሪፉ፡ ንተንኮለኛታት ከኣ ንባጫን ላግጽን ዝጥቀምሉ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ።

ብኻልእ መዳዩ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምሁራትን ፈላጣትን ዘለዎ ዓሚቕ ጽልኣት ክፍዳሕ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን። ነታ እንኮ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ትሰርሕ ዝነበረት ሳንታ ፋሚልያ ዓጽዩ፡ ኣብ ፈቐድኡ ብስም ኮለጃት ተዘርጊሑ ዘሎ፡ ትምህርታዊ ትካል ዘይኮነስ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝመስል፡ ብኹሉ መዐቀኒታት ደረጅኡ ዘይሓለወ እዩ። ተመሃሮ ሓደ ዓይነት ዩኒፎርም ወድዮም ብወትሃደራዊ መምርሕን ዲስፕሊንን ተቐይዶም፡ ክኣትዉን ክወጹን ብመስርዕ፡ ክበልዑን ክሰትዩን ብመስርዕ፡ ክሓስቡን ርእይቶኦም ከፍስሱን ብመስርዕ፡ ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም፡ ነጻ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን ከየማዕበሉ ልክዕ ምስቲ ብጆርጅ ኣርወል ዝተጻሕፈ ናይ እንስሳ ደምበ (Animal Farm) ዝመሳሰል፡ ሞያውን ስነሓሳባውን ብቕዓቶም ዘየተኣማምን፡ ርእሰ ተኣማንነት ዝውሕዶም ተመለኽትን ተኣዘዝትን ዜጋታት ንምፍራይ ዘንቀደ ይመስል። ንወረን ፕሮፓጋንዳን ከገልግል ተባሂሉ ናይ ውሑዳት ኣዋርሕ ኮርሳት እናመሃርካ ካባን ቆብዕን ኣልቢስካ ዝግበር ናይ ምረቓ ስነስርዓት፡ ንሃልኪ ንህዝቢ ንምድንጋር፡ ዝሓለነ እዩ። ንብዙሓት ኣዝዩ ልዑል ትምህርትን ተመኩሮን ዘለዎም፡ ንሃገሮም ብተወፋይነት ከግልግሉ ድልዋት ዝኾኑ ዜጋታት ካብ ሃገር ከምዝባረሩ ወይ ከምዝድስክሉ እናገበርካ፡ ናይ ውሑድ ኣዋርሕ ትምህርትን ምረቓን ደኣ ኣብ ምንታይ ንምብጻሕ’ዩ።

ሰመረ ዮውሃንስ

ይቅጽል…

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...