ኣንቱም ሰባት ሓቅን ሓሶትንሲ ክሳዕ መዓስ እየንኮን ክጻረዳ?

“ሰብ ስለምንታይ ይሕሱ?“ ኢልና ንዘፍጥረትን ካልእ ከባቢያዊ ባህርያትን ከነፋጥጠለን ኣይከኣል። ብድብድቡ ግን ብተናጸልን ጥርኑፍን ዝግበር ሓሶት ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ እስከ ንነገሩ ሰብ ስለምንታይ ይሕሱ? ኢልና እንተሓሰብና፡-

- ገለ ሰብ ንዘጋጥሞ ጸቕጢ ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ፡ ከምመከላኸሊ ነፍሱ ተሓሲቡ።

- ክበልዕ ደልየ“ ብዝብል ሰበብ ሕልናኡ ሸይጡ ብውልቁ ይኹን ናይ እዝኒ ተቖጺሩ ዝተዋፈረ።

- ገለ ብርኽ ዝበሉ’ውን ፖለቲካዊ ስራሕ ኮይንዎም ኣብውሽጢ ሓሶት ብዝቐብርዎ ዕላማ ሃገርን ህዝብን

ዝጠቕሙ ወይ ዝጎድኡ።

- ብተፈጥሮኡ ዝሩግ ኮይኑ ፈትረኽ…..ረኽ ዝኣመሉ።…

 

ህግደፍ ሎሚ እቶም ቀንዲ ምልሻታቱ እዞም ፈትራኻት ኢዮም። ነዞኦም ከቲቡ ክሓፍሶ ዝኽእል ምህርቲ ክሳብ

ክንደይን ክሳዕ መዓስን ከምዝኾነ ንተግበርቱ ገዲፍና፡ ብፍላይ ኣብወጻኢ ሃገራት ፈቐዶ ጎደናታት ዝሰራሰሩ ናይ ሎሚ ጀጋኑ ናይ ጽባሕ ወኻሩ፡ ከምታ ደድሕሪ ጸሓይ ትኾልል ተባሃጊት ዕምባባ ሱፍ ዘይኮነት ከምታ ብርሃን ርእያ ትደንን ጸሓይ ፈርሐት፡ ድሮ ኣራእሶም ደኒና ትርአን፡ ኩለን ከናፍር ድማ ብዛዕባኦም ዝዛረባ እናመሰሎም ኣእዛኖም ኩር ኢለን ይረኣያ ኣለዋ። በሉ ነገር ሓሶት ካብተላዕለ፡ እዛ ኣስመራ ዝዓስከረት ናይ ሓሶም ፋብሪካኸ ካበየኖት ሓሰውቲ ምመደብኩማ?

መልስኹም ባዕላ ትፈልጥ እንተኾይኑ፡ ንሳስ በሉ ኩሉ ዓይነት ዝባህርያታ ፍርያት ሓሶት ኢያ። ሓሳዊ ዝተባበዓሉ፡

ዝምጎሰሉ ስርዓት ሎሚ “ካብ ሰማይ ደም ዘኒቡ“ ክብል ድሕር ኣይብል ኢዩ። ሎሚቅነ ድማ መቐነይ ዝሓሰበቶ

መቐጸልታ ናይቲ ቀቲላ ዘተንሰአቶ ክቡር መራሒና ሰንሰለታዊ ድራማታት ቀሪባትልና እነሀት። እንተኾነስ ክንደየና ይ ድኣ ከምቲ መይቱ ከምዝተንስአ ዝኣመነ መራሒና ከይትኣምኑዋ!

- ረድኢ መሓሪ ካብ ኤርትራ ብ2007 ኢዩ ወጺኡ። ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ድማ ናይ 2006 ኢዩ። መጺሀት ፖሊስ ከኣ ኣብ ግንቦት 2008 ፈንያቶ። ስለዚ ሞያዊት ፎርቶ ስእሉ ምስቶም ብዘይመጠ ምጠምያ ዝሸየኹ ጠንቆልቲ ከተውጽኦ ኣይከኣለትን። ካርካርካር………….

- ንሱ ተሓቢኡ ንዝፈጸሞ ’ገበን’ ከይፈርሃሉን ከይሓፈረሉን ተገምጢሉ ፖሊስ ንጠንቛሎ ክሕዙሉ ከምዝኸ ሰሰ ሓቂ እንተኾይኑ፡ እንታይ ኮይና ድኣ ፖሊስ መሻይኽ እናኣሰረት ንዕዑ ንሒፋቶ? ካርካርካር……….

- ካብ ጥንቁላሓስ ዝተጻዕነ ኣእማን ኣስመራ በጺሑ ኣዋርቕ ከምዝቕየር ዝነግር ኣፈታሪኽ እንተነይሩ፡ ንሕግደፍ ከመይ ተሰዊርዋ? ወርቅስ ይትረፍ እምኒ ምውሳድከ ሃገራዊ ሃብቲዶ ኣይኮነን? ክሳብ ጉልበት ሰራዊት እንተሓቲቱ እቲ ስራሕ ድኣ መዓስ ምስጢራዊ ነይሩ? ካርካርካር……….

- “ጣልያን ቀቢርዎ ከይዱ“ ንዝበሃል ኮንተይነር ወርቂ ንምእላሽ ንዝተዋፈራ ማሽነርታትከ ረድኢዶ ነይሩ

ድግድጊት ዝተዓጠቐ በዓልመዚ? ካርካርካር…….

- ሱዳናውያን ጠንቆልቲ በየናይ ኤርትራዊ ቢዛኸ ኣተዉ? ማለተይ ብሕጋዊ መስርሕ ካብ ኣተዉስ ሰነዶም

ከምቲ ንዕዳጋ ዝወረደ ኣይኮነን ማለት ኢዩ። እሞ ህግደፍ ድኣ ገለ ወረ ኣይነበራን ዶስ ኢድ ነይርዋ?

ብዛዕባ’ዚ ገመል ዘይትጸሮ ጉዳት ኣሎ ግደፊ ህግደፍ ተሰተሪ! እንተዘየሎ ካርካርካር……

ኣየ ውዕሎ ፎርቶ! ካን ኮይንኪ። ሓሶት ክትቅላዕ እንከላ ከምኡ ኮይኑ እምበር፡ ኣለና መጽሓፍ ዘይኣኽሎ ፖለቲካዊ  ዛዕባ እናተዛረበ ካል’ስ ይትረፍ ከተመሳምሲ’ዃ ዘይከኣልክስ፡ ቁንጽ ቀኒኺ ዝኣኻኸብኪዮ ማሕበራዊ ክስታትኪ ኣቕሪብኪ። ብትሕዝቶ ድማ ዘኽዕበኪ! “ጓል ዓሚጹ፡ ብሓይሊ ተመርዕይዋ፡ ክእሰርን ክፍታሕን ዝውዕል ዝነበረ….“

ጉዳይ ካብ ሓሙሽተ ወሊዱ ዝበሃል ክቡር ፕረሲደንትና’ውን በታ “ክንዶም ይዕድሉወን ነይሮም“ ትብል ተራ ኣገላልጻ ንምግፋሕን ያኢ ንፓይሎት ንምድሃልን ክበሃል ስለዝመጸት ኢዩ ተጠቒሱ። እሞ ሎሚ ንዓኺ ምእማን ካብኮነ ዕጫኡ ሓቅታት ከኣ ደራዕክሉ ፈርቶ። ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ሓጸባ!

ክእሰርን ክፍታሕን ዝውዕል ዝነበረ ተጋዳላይ ሎሚ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ካብ

ኣቕረበ፡ ምምካቱ’ዃ እንተዘይተኻእለ ጽውጽዋይ ንምምሳሉ ተባሂሉ እንተኾይኑ ከኣ፡ ክንደይ ክሳብ መራሒና ንኽቀትሉ ዝመረሹ ኣልኼራት’ውን እኮ ተደሪሱ ኢዩ። በሊ ፎርቶ ብሓቂ ኣንደልሂጽኪ እንዲኺ፡ ሓንቲ ነገር ግን ከብርህ  እፈቱ። ጽሕፈተይ ጉዳይ ረድኢ መሓሪ ኣይኮነን። ብቐንዱ ጉዳይ ናይቲ ብሸፈጥ ሃገር ዘማሰነና ምድዋን ሕልናዊ ሓቂ ኢዩ። ሓቂ ዋላ’ኻ ክትሃጥም እንተተደለየት መዋጽኦ ስለዘለዋ፡ብዘይካ’ተን ፍላይማንታኺ ’ማይ ሩዃን’ ተቓወምቲ ካልእ ንመን ከይተእምኒ። ኣይከኣልኪዮን ፎርቶ ኩሉ ተወጃቢርኪ ኣሎ። ከምቲ ዘይድቅስን ዘይነክስን ከልቢ ካብኮንኪ ግና ብሓቂ ምስላ ቶምን ጀርን’ዃ ክውሕደኪ!!

ኣለና።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...