ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ሓምለ2012 ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገረ- ኢትዮጵያ ክጋብኡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ እስትራተጂካዊ ተበግሶእዚ ብዘይ ምንም ተዓቅቦ መርሓባ ንብሎ።

ኣብ’ቲ ናይ ዓመታዊ-ጉባኤኡ፡EGS ዓው ኢሉ “ህላወ መጻኢት ኤርትራ መታን ክረጋገጽ፡ ሓድሽ ኤርትራዊ ወለዶ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ፣ ራኢን ኣመራርሓን ክህልዎኣሎዎ ኢሉ ኣረጋጊጹ። እዚ’ውን ከም ቀንዲ- መርሆ መትከላትና ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

EGS ነዚ መትከላዊ እምነት’ዚኣብ’ቲ “ መሰረታዊ እምነታት ምንቅስቓስና” ኣስፊሩዎ እዩ። ስለ’ዚ ነዚ ታሪኻዊ ምትእኽኻብ’ዚ ከም መወንጨፊ መድረኽ ግን ከኣቀጻሊ ተኽእሎነት ክህልዎ ኣሎዎ እንዳበልና መርሓባ ኢልና ደገፍና ነረጋግጽ። እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝውስኖ መቐይሮኣዊ(dynamic) ጠለብ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብግቡእ ምርዳእ፣ ንጉዳያት ኣኣብዝምልከቶም ምስኳዕ፣ ብልቦና ንተቐይሮታት ምምሕዳር፣ተግባራዊ ዝኾነ ኣጀንዳ ምውጻእን ንኹሉ ሸነኽ ሕብረተ-ሰብ እተንጸባርቕ ተሓባባሪት ሽማግለ ጌርኩም ንኽትወጹ ናይ ሓባር ዕዮ ናይኩሉኹም ተኻፈልቲ ከም ዝኾነ እምነትና ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብውሽጢ ሃገር ዘሎው መንእሰያት፡ ነዚ እትገብርዎ ዘሎኹም ክትዕ፣ ዕላምኡ፣ ደረጃ ተወፋይነትኩም፣ ተግባርነት ናይ ውሳኔታትኩም ኣብባይታን፡ ከመይ ከም ዝኸውን ብጽሞና ክከታተሎ ምዃኑ ኣይትረስዑ። ካብ ኩሉ ከኣ ዓቕልን ለጠቕ ዝበለ ዓውታን ከምኡ’ውን ተኸታታሊኣጀንዳ ምህላውን ካብ ክትውግዶ ዘይትኽእልን፡ ኣገደስቲ ክትዓትን ዝዓዘዘ ክብደት ከም ዘሎዎ ክትስሕትዎ የብልኩምን።

መንእሰያትና ሓያል፣ ኣወንታውንሓድነታውን ከምኡ’ውን ንቕድሚት ዝጥምት መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሒዝኩምሉ ክትወጹን ከም ማእከላዊ ሓላፍነት ክትወስድዎን ናትናዓቢ ተስፋ እዩ።

ንዘየሰማማዓኩም ጉዳያት ከይተፈላለኹምመንገዲ ፍጠሩሉ። ንጠቕሚ ህዝቢ ኢልካ ዝግበር ሕድገታት ከም ዝነኣድ ክብሪ ወዲ-ሰብ ትቖጺሩ ክውሰድ ኣሎዎ። ሓሳባትኩም ከም ውልቃዊተመክሮ ወሲድኩም ነንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ግን ከኣ ከም ልዑል ሓሳባት ወሲድኩም መምዘኒ ካልኦት ከይትገብርዎ። ንብዙሕነትና ከምቅዱስ መትከላዊ-እምነት ጌርኩም ግን ከኣ ልዕሊ ሙሁራዊ ኣረዳድኣወሲድኩም ኣብ’ቲ ምውጻእ ኣጀንዳ ይኹን ኣመራርጻ መሪሕነትኩም እትገብርዎ ምርድዳእ ዓቢ ኣስተብህሎ ንኽትገብሩሉ ነተሓሳስብ። ብኻልእኣዘራርባ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣረኣእያን ስምዒትን ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣሎኩም ማለት እዩ። ነቲ መስርሕ ናይ ምርድዳእን፡ ናይ ሓባርኣጀንዳ ንምውጻእን እትህብዎ ግዜ ተመሳሳሊ ማዕረ ክብደት ሃብዎ።

ንመንእሰያትና መጠናዊ- ርእይቶክንህብ ዘኽእለና እንተኾይኑ፡ ነዘን ዝስዕባ ርእይቶታት መቕረብናልኩም። እምበኣርከስ ዝለዓለ ትኹረት ክግበረሎም ኣሎዎ እንብሎምጉዳያት ምልዕዓል ህዝብና፣ ስልጣን ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብና ዘንጸባርቕ ናይ ምስግጋርመድረኽ ምፍጣር እዩ። ካልእ እቶም ዝተረፉ ኣጀንዳታት ከም ካልኣዊ ተወሲዶም ክውንዘፉ ኣሎዎም ንብል። መልእኽትኹም ብሩህ፣ ቀሊልንተግባራውን ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ብዝርድኦ መንገዲ ክቐርብ ኣሎዎ ንብል።

ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጨቋኒ ስርዓት“እንታይ ይገበር” ኢልኩም ንኽትመያየጡን ሓሳብ-ንሓሳብ ክትወሃሃቡን ንናይ ኣሽሓት ማይልስ እትጓዓዝዎ ዘሎኹም መገሻ ከነመስግነኩም ንፈቱ። ንሃገራዊ ስራሕ እተርእይዎዘሎኹም ተወፋይነት ዝምስገንን ዝነኣድን እዩ። እቲ ህጹጹነት ናይ’ቲጉዳይ ከኣ ከም ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንእሰያትና ተወጢሑ ከም ዘሎ ኣይንስሕቶን። ስለ’ዚ መንእሰያትና በቒዖምንኣፍረይቲ ኮይኖምን ካብ ኣኼባኦም ንኽወጹ ናይ EGS ጽኑዕ እምነት እዩ።

ነቶም ንመንእሰያትና ናቶም ኣጀንዳንምውጻእን፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ድምጽን ራኢን ምውናንን፤ ዝተሓለወት ልዑላዊት መንግስቲ ኣብ ሰላምን፣ ፍትሕን፣ ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግንዝተመስረተት ሃገር ንምፍጣር ኢሎም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣሕዋትን ፈተውትን ዝለዓለ ምስጋና ይብጻሓዮም።

እቲ ንመንእሰያትና እንሓቶን ከነረጋግጾእንደልዮን፡ እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ክኸውን ከም ዘይብሉ እዩ። ነቲ ጉዳይ ምክታታል ዘድልዮ ኣኼባታት፣ ናይኣተረጓጉማ ናይ’ቲ ዝተወስደ ውሳኔታትን ኣጀንዳታትን ካብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምውጻእኩም ኣጻፍፍዎ። መንእሰያትና ንኹሉ ልምስና፤ ርኣዩለይ፣ናይ ስራሕ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኤርትራዊ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ክትውግድዎ ኣሎኩም። “ካብ ሕሉፍ ተማሂርኩም ኣርእዩናብሩህ መጻኢኹም”። እቲ መድረኽ ናትኩም እዩ። ራኢኹምን ተልእኾኹምን ብሩህ ኣብ ዝገበርኩምሉን፣ ተግባራዊ ኣጀንዳን ተወፋይነትንኣብ ዘርኣኹምሉን ግዜ ንሕና እሙናት ሰዓብትን ኣብ’ቲ ዝግበር ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ድማ ናይ ሓባር ተዋሳእትን ከም ዝኾንና ነረጋግጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹለን ኤርትራውያንውድባት እቲ ዝድለ ናይ ሞራል ምትብባዕን ፖለቲካዊ ደገፍን ንዋዕላ መንእሰያትና ክህባ ኣለወን። ኣብ ካልኣዊ ምኽኑይ ዘይኮነ ናይ ጠርጠራ-ሓሳብ ኣስፊርካ ካብ ደገፍ ምቑጣብግን ንጉዕዞን ጸዓትን መንእሰያትና ምስንኻል ጥራይ እዩ ዝኸውን። መንእሰያትና ንናቶም መስርሕ ክረኽቡ ክተባብዑ ኣሎዎም።

 

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓበሬታን ህዝባዊ ርክባትን

ዋሺንግቶን  ዲሲ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...