መንግስቲ እምባትካላ
ህግደፍ ግንዖ ዞባ ማእከል ተመሲላ ክትርአ፡ ብኡ ዝመጸ ከኣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ክናቖት ተሓሲቡ ዝተጠጅአ ተንኮል ዳግም ክጽሞቕ ክንፈ እንከሎ፡“ ዞባ ማእከል ብምንታይካ ኢዩ ዝብጻሓካ፡ ብእንዳ’ቦ ወይስ ብኣደ“?
ናብ ዝብል መድረኻዊ መሕትት ኣብዝተሰጋገርናሉ እዋን፡ “ ንመንግስቲ ኤርትራስ መንግስቲ እምባትካላ ኢልካ
ኣነኣኢስካዮ፡ ወይለኻ!“ ተባሂለ ኣለኹ። ብተወሳኺ፡ “ ሰብኣይ እንተኾንካ ድኣ ሓቀኛ ስምካ ዘይትገልጽ“ ተደጊመ
ኣለኩ።………….
ጥራይ ሓንሳብ ’ትሰትሩኒ’ ይግበርኩም። ቁሩብ ከኣ ጽንሕ እምበር ዘይ ኩሉ ካባኹም ክርከብ ኢዩ እንታይ ካባይ
ኣጸብይኩም!! ትማልን ሎምን ጥራይ ዘይኮነ ጽባሕ ክጽዋዓሉ ሓሲበ ዘለኹ ከይተረፈ ትነግሩኒ ወሰንቲ ዕድለይ ብኾፍኩም እንታይ ኣጨነቐኒ!! ክሳብሽዑ ግን ’ሰብኣይነተይ’ ካብዘይመዓረኩም ’ሴትነተይ’ ባርኹለይ ሓደራኹም ! እንተኾነስ ከም’ተን ደቂ-ኣንስትዮና ድማ ከይትኾኑ ከይስዕርረኩም ኣንቱም ’ጀጋን ሰብኡት’። ንሳተን ነቶም ዘሕመቖኦም ደቂ-ተባዕትዮ (ክሳብ ንበዓልቤተን) ኣንስቲ ገይረን ኢየን ዝጽውዖዖም። “ነተን ወተሃደራት ኣኽቢብና ጭፍጭፍ! ኣቢልናየን። ብዙሓት ከኣ ማሪኽናለን“ ዝኣመሰለ ኢዩ’ቲ ዕላል። ክንደየናይ ድኣ ከይትሰምዕዎ እምበር፡ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣብቲ “ሰራሒት ቅያ“ ክበሃለሉ ዝቐነየ ዕላላ ክትውስኾ እትኽእል ፖለቲካዊ፡ ጾታዊ፡ ሞራላዊ…፡ ዝትሕዝቶኡ ቁምነገር ኢዩ። እቲ ንወይዘሮ ሶፍያ ዝገጠመላስ’ዃ ጉዳም ስነጥበባዊ ! ብትሕዝቶ ከኣ ኣስገደት ድኣ ኣመና ቀርጺጻ ከይትኸውን እምበር፡ ንሱስ ከምኣንጻርጓለንስተይታ ዘይኮነስ ንብውልቃ ይግባኣ ዝበሎ ኢዩ መሲልኒ። እዘን ክስንቅራኒ ናባይ ዝቐንዓ ሰብ መረዃዅስ ልውይዋይ ፊደላት እንተትርእየን ድኣ እንታይኮን ምበለት ኣስገደት? ዝኾነ ኮይኑ በሉ ንግዚኡ“ ኣቲ“ ኢልኩም ጸውዑኒ’ሞ “ እየይ“ ኢለ ከድሂ ድማ ኣነ !!
ኣብ ሳልሳይ ገጽ ዓሰራይ መስመር ንዝተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ንዘይብሉ ነገር ክንድኡ ምውጣጥ ንዓይ ቁምነገር ኣይምሃለዎን። ብፍጥረተይ ፈራህ ኢዩ ውቃበይ ኢለኩም ነይረ። እሞ እቲ ኩሉ ቅዉም ነገር መንግስቲ ኤርትራ
ከምዘየለ ከምዘይተገብረ ክዝረብ ሕልናይ ኣይምፈቐደን። ብኣውራኡ’ኮ ካብ በረኻ ተሰኪምናዮ ኣቲናን፡ ከምሕሱም ከኣ ምእንቲ መጎጎ ክንብል ኣናጹ ኣሕሊፍናን ተማእዚዝናዮን ኢና። እንተኾነ ግን ንሱ ምሳና ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ምስማንም የለን። በሉ እምበኣር እታ ከነመሳምሰላ ክንነብር ዝተደለየት ሓቂ ተጎስያ መንፈስ ስዉኣት ካብረበሸት፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። መንግስቲ ከምትሕዝቶኡ እንተኾይኑ ማለተይ ኢዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብሕጊ ዘይግዛእ፡ ብቕርጺ፤ መንግስታዊ ሰብነት ዘይብሉ፡ ብስነ-ምግባር፤ ብብልሽውና ዝተቖማጠዐ፡ ብሰባውነት፤ ኣረሜንነቱ ክሓብእ ፈቲኑ ዝተቓልዐ ሸያጥ ኣካላት ደቂ-ሰብ እናተባህለ ዝንወር ስርዓተ-ጊላነት፡ ብታሪኽ፤ ኪኖ ናጻነት ፍጹም ዘይሰጎመ፡ ብቑጠባ፤ ናብ ናይ መጀመርታ መድረኽ ሃገራውነትና ዝነበረ ጥንታዊ ጅማሮ ዘንቆልቆለ፡ ብሰረተ-እምነት፤ ተመሃራይ ናይ ሓድሽ ዓለማዊ ፍልስፍና ክንሱ ብቐንዱ ልኡኽ ለኣኽቱ፡ ብተወሳኺ ድማ ሰራቕ ሓሳባት ብምዃኑ መስራትን መሃዝን ክመስል ዝተተኾሰ ሕሉፍ ……….፡ ዝዓይነቱ ስርዓት ኢዩ ዘሎ ኣብ ሃገርና።
ድሕሪ ናጻነት ዝተገብረ ውደባ፡ ብጉልባብ መሰጋገሪ ዝተኸወለ ሰረትን ምስፍሕፋሕን ሰልፊ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ። ብእዋኑ ክልተ መንግስታት ዝመስል ኣቀራርጻ ሒዙ ኢዩ ከኣ ተበጊሱ። እቲ ሰልፊ ብኲናት ተሰንዩ ጸላእቱ ንዝቖጸሮም ንጹሃትን ብሉጻትን ሃገራውያን ኣጽኒቱ ስልጣኑ እናኣረጋገጸ ምስመጸ፡ ዝተረፉ ንምልኣም ክብል ዝተፈላለየ ቅድመ-ኩነታት ኣካየደ። በቲ ሓደ ኣብ እምባትካላ ከምመቐጸልታ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ናይ ሓጺር ግዜ ዙርያታት ትምህርቲ እናሃበ፡ ጐድኒ ጐድኑ ከኣ ኣብኡ ኣብቲ ቦታ’ቲ ንሓደስቲ ይኹኑ ነባራት ካድረታት ህግደፍ ዝወሃብ ዙርያታት ምልመላን ከምኡ ድማ ብሽፋን ስልጠና ክዳቐቑ ንዝተላእኩ ንጹሃት በቲ ድሮ ዝጠንጠንዎ በትሪ ነቐፌታ ሰብ ክጭፍጭፉ ተራእዩ። እዚ ማለት ኣብ ርእሲ ደለይቲ ለውጢ ከቢድ ጸለመን መጥቃዕትን ኢዩ ተኻይዱ። ንሳቶም ከምኣገልገልቲ ሃጸይ-መጸይ፡ ከም ኣካል ናይቶም ኢሰይያስ ብቓላቱ “ማይ ሩዃን“ ኢሉ ዘቃልሎም ወጻኢ ዝምቕማጦም “ተቓወምቲ“ ዝበሃሉ ኣምሲልካ ምግላጽ፡ ከምኡ ከኣ ካብ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ክሳብ ሰብዓ ሚሊዮን ዶላር ዝተቐበሉ ተምበርከኽቲ ምዃኖም ኣምሲልካ ምስተደወኑ ንምእሳሮም ቅድመ-ኩነት ምጥጣሕ ይግበር ነይሩ።
ኣውራ ካብቲ ናይ ሽዑ ተግባር ንምዝኽኻር እቲ ስማዊ መንግስቲ ንምስራዙ ዝተገብረ ጎስጓስ ኢዩ። እቲ ግዜያዊ መንግስቲ ብመንጽር ዕላማ ህ.ግምባር ዘይቅቡልን ዘየስርሕን ስለዝተቖጽረ፡ ከምቲ ናጽነት ብሳላ ህዝባዊ ግምባር ዝተረኽበት፡ ሓርነት ድማ ብሳላ ህግደፍ ጥራይ ክትርከብ ብዝብል ሸፈጥ ኢዩ ወያ ሓዳስ ሰልፊ ከምመተካእታ ግዜያዊ መንግስቲ ብስዉር ስልጣን ክትብሕት ዝተገብረ። ኣብቲ ንይምሰል “ እንታይ ኢዩ ርኢቶኹም“? ዝብል ኣብ ጸቢብ ቦታ ዝቐርበ ጸቢብ ሓሳብ ክምክት ዘዝፈተነ እንታይ ከምዝሰዓቦ ድሒሩ ብማእርቲ፡ ምዝንባልን ስደትን ተጋሂዱ ኢዩ። እቶም ሰብ ጻማ ድማ ከከምደረጃኦም ግንዖኦም ረኺቦም ኢዮም። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከኣ እቲ ’መሰጋገሪ’ ዝተባህለ መንግስቲ መዓስ ዓዂዅ መንግስቲ ከምዝኣኸለ፡ ተኣልዩ እንተኾይኑ’ውን በየናይ ኣገባብን መዓስን ከምዝተወገነ ብወግዒ ህዝቢ ዝፈለጦ የለን። ቢዘን ከምዘይድይቡን፡ ኩንትራት ዝሃቦም ስለዘየለ ከምድላዮም ክኸዱ ከምዝጸንሑን ጥራይ ኢዩ እቲ ግሁድ ነገር።
ክደግሞ ብወገነይ ኣብ ዓለም ዝኾነ ፖለቲካዊ ትንግርቲ የለን። መሰረት ናይ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካ ቁጠባዊ ረብሓ ጥራይ ኢዩ። ህዝብና ድማ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይኮነን ዝሓምም። ቀንዲ ሕማም ህዝብና ኩሉ ዓይነት ጥልመት ከይክሰት ጥራይ ኢዩ። ኮይኑ ከኣ እቲ ዝተፈርሀ መጺኡ። ህግደፍ ተሓቢኡ ዝጠልም ዘሎ እናመሰሎ እንሆ ሎሚ ኣብ ጻልጣ ጎልጎል ተጋሊጹ ። መርኣያኡ ኮንትሮባንዳዊት መንግስትናን ቁጠባናን እንታይ ትመስል ከምዘላ ሎሚ ዘየተሓትት ሓቒ ኢዩ።
እዚ መንግስቲ’ዚ ከምቲ ብወለንታኡ ዝተጋደለ፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ስልጣን ከምድላዩ ክብሕት መሰል ከምዘለዎ ገይሩ ኢዩ ዝምጉት። ስለ’ቲ ንሱ ብዓንተቦኡ’ውን ንህዝቢ ከምዘይወጸ ንዝዝረብ ትንተና መሰረቱ ንሱ ባዕሉ ኢዩ።
ብልክዕ ንረብሓ ሓፋሽ እንተዝሰርሕ’ውን ማንም ካባና ቆጽሊ ክሳብ ዘየውደቕናሉ ንከይንቕበሎ መሰልና ምዃኑ ክኣምን ምተገብአ። ካብዘይኣመነ እምበኣር መላኺ ኢዩ።ንርእሱ ኩነታቱ ስለዘሰከፎ ከኣ ብዘይካ ብሕቡእ፡ ብጋህዲ
ክሰርሕ ኣይተራእየን። እንተኾነስ ህዝቢ ድማ ‚ኣርባዕተ ኣዒንቲ ኢዩ ዘለዎ’ሞ፡ ምንም’ዃ ክልተ ኣዒንቱ እንተሸፈንካ ዮ፡ በተን ዘይረኣያ ካልኦት ክልተ ናይ ምርኣይ ብቕዓት ስለዘለዎ ሎሚ ሃገር ካብ ነቐዝ ከናግፍ ዓጢቑ ኣሎ።
መንግስቲ እምባትካላ ሃገራዊ ይኹን ዓለማዊ መዐቀኒ ዘየብሉ ዓንዳሪ ስለዝነበረ፡ ኣቐዲሙ “ርኣዩኒ ርኣዩኒ“ ከምዘይ
በለ፡ ሎሚከኣ ሕብኡኒ ሕብኡኒ ይብል እንሀ። ብዋጋ ኣይትተንክፉኒ ዝዓንደረን ዝተጃህረን ጃንዳ፡ ምንም’ዃ ፖለቲ
ካ ከትሕዞ እንተፈተነ፡ ብኩናት ይኹን ብዲፕሎማሲ ከሲሩ ማዕረ’ታ ኣንዊሑ ዝኣሰራ ደርሆ’ውን ምውስዋስ ስኢኑ ኣሎ። ልኡላውነት ናይታ ዝተሸጎጠላ በዓቲ እናተፈርፍዐት ለዚቡ እንክርአ በሉ ካብኡ ዝዓቢ ምጥልቓይ የለን’ሞ ድሩዕ ኣብምንታዩ ከምዝነበረት ነውርነቱ ሎሚ በሪቕልኩም ክኸውን እትስፎ። ዝኾነ ኮይኑ ዓምና ዝተዋህቦ ዕማም’ዛ ’ ዓለም’፡ ኣውራ ከኣ ጉዳይ ጎረባብቲ ኣብደረታ ክሳብ ዘብጻሓ ብሂወት ክህሉ ክፍቀደሉ ይኸውን። ብድሕሪኡ ግን ግደፍ ንዓለምሲ ንሃገርና ከይተረፈ ከምታሪኽ’ውን ኣይከድልን ኢዩ ዝብሉ ኣይወሓዱን።
ሓሳባተይ ከዛዝም፡ ህግደፍ እቲ ከፋፊልካ ግዛእ ጥበባቱ በቲ ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ ምስተጋለጸ፡ መህደሚ ዝኾኖ ሓደስቲ ጥበባት ክሰናንዕ ይርአ ኣሎ። ሰልፉ ፎእ ተባሂላ ምስተፈንፈነት፡ ገለዶኾን ተባሂሉ ነቲ ኣብ ቤተ-ስልጠና ዝቐበሮ ግዝያዊ መንግስትነቱ ክጽውዕ፡ ከምኡድማ እታ “ህግደፍ“ እትብል ስምሰልፉ ስለዘይረሓሰቶ ንርሱ ከይተረ ፈ ኣሕፊራቶን ፈንፊንዋን ይርአ። ከምሳዕቤኑ ነቲ ውርደት ተሰከምቲ ሓላፍነት ከናዲ፡ ብኣውርኡ’ውን ነታ ትርፎ ግማባራዊት፡ መዐቀኒ መንግስትነት ዘይጠምዐት ሰልፉ ጠንጢኑ ከምቀደሙ ናብ ህዝባዊ ግምባሩ ክምለስ ዘይገብሮ ጥበባት የለን። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ባኣረጊት ወኒ ተጋደልቲ ነበር ሸሓሒሩ ምሸተ-ምሸት ዝግበር ሸኾርተት ትምህርቲ፡ ከምኡ ድማ ብላዕ እናገበረ ትንፋስ ዝመልሰሉ ኩነት ይፍትን ኣሎ። ከምመጎሳጎሲ ተባሂሉ ድማ ክልተ ብልሓታት ክስረሓለን ንርኢ ኣለና።
ቀዳመይቲ፡- ንሱ ዓለም ዘይገበረቶ ነገር ከምዘይገበረ። ክሳብ ብሓደ ሰልፍነት ንዝኸሰስዎ መማህራኑ ንሳቶም ከይተረፈ ከምኡ ከምዝሰርሑ ከረድኣና ሃቂኑ። “ መንኩር“ ይብል ኣሽመላሽ ኣብርሃ። ካብቲ ንሱ ዘቕረቦ ኣመሪካ ኣብልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ፈጺማቶ ዝብል ሓተታስ በሉ ኣየነይቲ ኢያ ህግደፍከ ኣብገዛእ ህዝባ ዘይፈጸመቶ? ብኻ ተሪፋትካ ኣሽመላሽ ኣብራሃ እታ “ መሰል ሰብ……….ለኹመይናታትካ።
ጆርጅ ዋሽንግቶን ዓሰርተው ሸውዓተ ባራዩ እንተነይረሞ፡ ዓምና ክንደይ ገላዩ ከምዘለውዎ ብዘይመረጼን ክተንብቦ ትኽእል ኔርካ እንዲኻ። ባራዩ ፕረሲደንት ኣመሪካ ክሕከሙን ክነብሩን እንተተፈቒድሎም፡ ገበናት ክፍጽሙ፡ ሰባት
ክቐትሉ ዝተገደዱ ገላዩ ክቡር መራሒናኸ ዕጫኦም ትፈልጣ ዲኻ ክሳብ ትቐርበካ ተሰዊራትካ ኣላ? ኦይ! ኣንታ ኣነስ ቀልቢ የብለይን እንተንስኻ’ሞ ኩሉነ ነገር ንግዜ ገዲፍካዮ ድኣ ትህሉ……….።
ካልኣይቲ፡- ኣለፋሊፍኒ’ዚ እኩይ ተኣልየ ጸኒሐ። ብዝኾነ ኣሸሓት መዝሙር ሰላም ዝዝምሩ ሃዋርያ ተላኢኾም ኣለዉ ንወጻኢ። ኣውራ ኣብውሽጢ ህዝብና ናይ ይቅረ ሽግ የንበልብሉ ኣለዉ።ሓንሳብ ሓንሳብ ክደልዎም እንከሎ እዛ ሃገር ብዘይ ወዲኣፎም ማንም ከምዘይሰርሓላ ዝጉስጉሱ ሽዩጣት ሕልና፡ ፍቱሓት ስረን፡ ባዕሎም መንነቶም ዘዳቕቑ ብቱናትን ብምዃኖም ከኣ ሽጎም እናኣምበልበለት ብርሃን ምዕዳል ኣብያቶም።
ኣስተውዕል መንእሰይ! ተበግሶኻ ንምብርዓን ብዙሕ ይሕለም ኣሎ። መራሕቲ ህግደፍ አብዚ ዕስራ ዓመታት ሓንቲ ከምዘየፍረዩ ብጋህዲ ዝዛረብሉ ዘለዉ ምኽንያት ልብኻ ሸሓሒጦም ተደናጋጽነትካ ንምርካብን ግዜ ንምሽማትን ጥራይ ኢያ። እቲ ኣረጊት መዳፍዒ ኢቲዮ-ኣመሪካ ቀንዲ ምስምስ ኮይኑ፡ ዕድመ እንተረኺቦም ሰልፍታት ክእውጁ ኢዮም። ንሱ ንኽኸውን ክሳብ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘይብለን ክጫጭሑ ጸኒሖም ኣለዉ። ከምዝውረስ ድሮ’ዃ ወየን ’ሩኻን ሳምና’ ዝተሰመያ ተቓወምቲ ክኣትዋ ከምዝተዳለዋ ይትረኽ። እሞ መንግስቲ እምባትካላ ተኣልያ ተባሂሉ ከምሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክትከል ይሕለም ከምዘሎ ይውረ። ነገር ዕንኪላሎ ካብኮነ፡ ንስኻ መንእሰይ ንለው ጢኸ እንታይ ኢዩ ርኢቶኻ ?
ሰላም ቅነ!
ጎደፋ፡