ሕጂኸ ናበይ??? ብራሰልስ
መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ኣንነት: ንዓይ-ንዓይ ኣብ ኣእምሮ ኢደወነናውያን ሰብ ብረት ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮነን ሰሪቱ ዘሎ:: ኣብ`ቶም ብትምህርቶም ዝንየቱ ኤርትራውያን እውን ጥጁእ እዩ:: ወድ-ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ: ፍሉይ ብልሒ ኣእምሮ ስለ ዝተዓደለ እዩ:: ኮታ ክሓስብ: ክመሚ: ዝሓለፈን ዘሎን ኣዛሚዱ ሕሉፍ ጌጋታቱ ኣሪሙ ብዛዕባ ዝመጽእ መደብ ከሊሱ ከውጽእ ዝኽእል ኣእምሮ ስለ ዝተዓደለ ንኹሎም እንስሳታት ይበልጾም:: ዝተመሃረ ወዲ-ሰብ ከኣ ዝያዳ ብልጫታት ኣለዎ:: ኩሉ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ብተግባር ዝተኻፈሎን ወዘተ እርይ ቁጽር ኣቢሉ መስርዑ ኣትሒዙ: ኮታ ዕለቱ: ቦታኡ ብንጹር መዝጊቡ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ መሊሱ ይዝርግሖ: ህዝቢ ከኣ ይመሃረሉ:: ዝሓለፈ ጌጋታቱ ኣሪሙ ማሕበራዊ መነባብሮኡ ኣመሓይሹ ከጣጥሕ ይእንፍት:: ኮታ ምጣነ ሃብታዊ: ማሕበራዊ: ጸጥታዊ ወዘተ ሃለዋቱ ሰሪዑ ብሰላም ክነብር ይህንድስ::
ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ: ብጌጋ ከይትርዱኡኒ ሓደራ!! ትምህርቲ ክብል ከለኹ ብሓፈሻኡ ንህሉው ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታትና ኣዛሚዱ ዘንጻላለወ ደኣ`ምበር ውሽጢ-ሊጡ ናይ ትምህርቲ ኣይኮንኩን:: እዚ ኮነ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ሳላሳ (30) ዓመታት ዝወሰደ: ብዋጋ ክሽነን ዘይኽእል ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ: መሪር ተጋድሎ፡ ሰጊሩ ጎይታ መሬቱ ካብ ዝኾነሉ ንደሓር: ምሁራት ኤርትራውያን እንታይ ግደ ተጻዊቶም??? ንህዝቦም ዘበርከትዎ እወንታዊ ኣስተዋጽኦኸ እንታይ ኣሎ?? ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ምቕራብ ከሊእዎምዶስ: ቦታ ስኢኖምዶስ: እንታይዶስ እናበልካ ዓጀውጀው ምባል ንነብስኻ ምትዕሽሻው እዩ:: ብሓቂ ብህዝቦም ዝግደሱ እንተዝነብሩ ካብዚ ናይ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸበባ ዝኸፍእ ተጋኒፍዎ ኣይፈልጥን:: መጽሓፍ ድጊ ግፉዓት ትብል ብኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ ዝተደረሰት ምንባብ እኹል እዩ:: ምስጋና ይብጻሕኩም ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ!!
ልቢ በሉ ብህዝብኹምን ሃገርኩምን ትግደሱ፡፡ ብዙሓት ክጽሕፉን ክዛረቡን ከለዉ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሓይልታት ህዝባ ዝወቀበት ሃብታም ሃገር እያ ክብሉ ሰጋእ ኣይብሉን:: ብፍላይ ከኣ እቶም በትሪ ጎራሓት ክኾኑ ዝመረጹ:: በትሪ ጎራሓት ክትከውን እንተደኣ መሪጽካ ብተግባር ስንኩል ኢኻ:: ሓቂዶ ሓሶት? ብሓፈሻ ተምኩሮና ድሕሪ ነጻነት: ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ኩናት ኢሳይያስን መለስን ኩነታት ምሁራት ኢና በሃልት ኤርትራውያን ኣስተብሂልናሉዶ ንፈልጥ? ናይ ቅድም ስሕታን ናይ ሎሚ ግን ዕብዳን ይበሃል:: ብጂ13 ነብሶም ዝጸውዑ ነንሕድሕዶም ተዓዳዲሞም ኣብ ጀርመን ኣኸባ ጌሮም ናብ መዋፈሪኦም ኢደወነናዊ ሃብሮማይ ኢሰያስ ተመሊሶም ንብሱል ኩነታት ኣበርዒኖም ንግዳያት መፍተቱ ከም ዘሳጥሕዎ ናይ ትማሊ ተዘክሮ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ:: ንጂ15`ውን ሕማቕ ኣሰር ኣንጺፈሙሎም ነናብ መሕበኢኦም ተመሊሶም:: ብሓጺሩ ንተንኮል ፍሕሶታት ኢሰያስ ኣራጉዶም ንጂ15 መለገጫኡ ንኸውዕሎም ሓጋዚ ታራ ከም እተጻወቱ ዘይምፍላጦም ዘብኪ እዩ:: ሎሚ ከኣ ኮር-ተገልበጥ ምስ ገለ ሽርሓኛታት ከም በዓል ኣና ጎመዝ ዝኣምሰሉ ኤውሮጳውያን ኮነ ኣመሪካውያን ተማሻጢርካ: ሰብ ዋኒን ደቂ ሃገርካ ጠንጢንካ ላዕሊ ታሕቲ ሸለብ-ገለብስ ንመን ጠቕሚ ኮን ይኸውን? ኣቱም ህዝቢ ዓገብ ይግበር ኣሎ:: ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ዘይመሃር ምሁር ከም ምሁር ክትገልጾ ዘሰክፍ እዩ::
ካብቲ ዘስደምም ግን ኣብ ክልተ ባላ ተሰቐል እቲ ሓደ እንተተሰበረስ ኣብቲ ሓደ ክትጥልጠል ዝዓይነቱ ጉዕዞ ጽብ-ጽባሕ ተደጋጊሙ ብልጭ ብልጭ ክብል ከሎ እዩ:: ዝቐደመ መፍትሒ ኣየምጸአን:: ብኣንጻሩ ንኹነታት ንድሕሪት ጎቲትዎ ሃምን ቀልብን ህዝቢ ረሚሱ:: ኣብነት ንምጥቃስ ካብ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ዝብል ስም ዝተሰጋገሩሉ ወቕቲ ዝተጠቐምሉ ሜላ: ንሓደ ኣንጺልካ ንኻልኣዩ ምሕቃፍ ኣሉታዊ ሳዕበናት ጥራሕ ፈርዩ:: ነቶም ሽዑ ዘዋሰኑዎም ተመሊሶም ሓቑፎም ከሰራስርዎም ሰገጽ ኣይበሉን:: ጊዜ መጢጦም: ኣቓልቦ ህዝቢ ኣላሕሊሖም: ብሽግረ-መከራ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ተጻዊቶም:: ትዕድልቲ ብልሒ ኣእምሮ ብጉብእ እንተዘይተጠቒምናሉ ካብ እንስሳ ብምንታይ ንፍለ? ዝብእስ ዝብላዕ ተረኺቡ ምስ በልዎ ኣበይ ከይበለ ንቕድመኡ ይጎይ ኮይኑ::
ኪዳን ንህዝቢ መደናገሪ ዝጥቀምሉ ትካል ምኻኑ ካብዚ ዝኸይድ ዘሎ መጻወድያታት ክምዘን ይከኣል:: ብሓቂ ንዕለት 9-10 ሕዳር 2009 ክግበር ተወጢኑ ዘሎ ኣኸባ ብራስልስ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘማዕደወ እንተደኣ ኮይኑ: ስለምንታይ እቲ ናይ ሓባር መሪሕነት ኢሎም ዘቐሙዎ ናይ ኪዳን መሪሕነት ዘይተኻፈሎ??? ክውዒ ብማንካ ክዝሕል ብኢድካ ዝኾነ ከይዲ ላግጺ ፖለቲካ ዝበሓቶም ኣካላት ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሽግረ-መከራ ህዝቢ ኤርትራ ኣይንታዮም እዩ:: ዘሕዝን ናይቶም መድረኽ መጸ ዝወዛወዙ መራሕቲ እና በሃልቲ ኣይኮነን: ናይቶም ደድሕረኦም ተገሪዞም ዝዕንድሩ ዓገብ ክብሉ ድፍረት ዝሰኣኑ መሰረታት ዝበሃሉ እዩ:: ስለዚ ንኢደወነናዊ ሃብሮማይ ፕረሲደንት ኣቶ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ነጺልካ ምኽሳስ ንህዝቢ ኤርትራ ካሕሳ ኣይኮነን:: ሕሰም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሕዎን ዘስብሕዎን ዘለዉ ብስም ተቓውሞ ዘዋጣውጡ ኮነ ገለ ተማሂርና ብማለት ዝንየቱ ዝዋፈር እዩ:: እዚ ሓፈሻዊ ሕማም ኤርትራውያን ክሳብ ዘይተፈወሰ ስቕያት ውርደት ህዝቢ ኤርትራ ቀጻሊ ምኻኑ ካብ በቢእዋኑ ዝቕልቀሉ ተርእዮታት ክትመሃር ይከኣል::
ብዙሓት ሰባት ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዝንህሉ ኣለዉ:: እዚኣቶም ከኣ ንባዕላቶም ተደናጊሮም ንህዝቢ ኤርትራ ይሃስዩዎ ምህላዎም ጌና ኣይተረደኦምን:: መምስ ዝተቐልቀለ ትርእዮ ተለኪምካ ምዕንዳር ገበን እዩ:: ሓደ ሰብ ኢዱ ኣብ ጋንቲ ወድዩዋን ከይወደያን ፍልልይ ዘለዋ ኣይመስለንን:: እታ ኢዱ ወትሩ ኢዱ ምኻና እያ:: እዞም ሰባት ብምቁር ቃላት ላዕጢጦም ዘምጽእዎ ለውጢ ዘሎ ኣይመስለንን:: ይመጽእ ነይሩ እንተዝኸውን ዝተፈላለየ እዋናት ፈቲኖም ዘምጽእዎ ፋይዳ ግን ኣይተራኣየን:: ብኣንጻሩ ዘይቁዱስ ህልኽ ኣማዕቢሎም: ቂምን ቅርሕንትን ኣራጉዶም: ጉጅለታት ከኣ ኣራቢሖም:: በዚ ኣገባብ መስርሕዚ ህዝቢ ኤርትራ እንተይ ተጠቒሙ??? ስለዚ ካብ ዝሓለፈ ጉጉይ ተመኩሮኹም እንተተማሃርኩም ይሓይሽ::
ስቶክሆልም