መልሲ ንሕቶታትኩም
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስን ፍትሕን ንምምጻእ ብሞያኹም ሓርኮትኮት ትብሉ ዘለኹም ክቡራት ኣሕዋት ኣዳለውቲ መርበብ ኣዝማሪኖ-ናጻ ማዕከን፡፡
ሎሚ ምሳኻትኩም ክላለ ተበጊሰ ኣለኹ'ሞ ደሃይኩም ከይፍልየኒ እምሕጸን፡፡ ናይ ትግርኛ ዓምዲ፡ ኣብ መርበብ ኣዝማሪኖ ዳግማይ ምጅማርኩም ንኩላትና እንቋዕ ሓጎሰና፡፡
ክቡራት ኣዳለውቲ፡ መጀመርታ ክላለየኩም እፈቱ። ጆን-ፊፊ እበሃል፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣዲስኣበባ ኢየ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ኣዲስኣበባ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም እርከብ፡፡ ካብዛ ንፈለማ ግዜ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ጀሚረ፡ ናይ ወትሩ ተሳታፊ ክኸውን ድማ ተስፋ እገብር፡፡
ክቡራት ኣዳለውቲ፡ እቲ ኣብዚ ግዜ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቀዳማይሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዘካየድኩሞ ሰፊሕ ቃለመሕተት ኣዝዩ እዋናውን ኣገዳስን'ዩ ክብል እደሊ፡፡ እንተኾነ መብዛሕትና ኣብ ኢትዮጵያ እንርከብ ክንከታተሎ ኣይከኣልናን። እቲ ምኽንያት፤
1.ድምጺ(audio)ንክትሰምዕ እኹል ዓቕሚ ዘለዎ መሳለጥያ ስለዘድሊ፡ ነቲ ድምጺ ክንከታተሎ ኣይከኣልናን።
2.ከይነንብቦ ድማ ብጽሑፍ ኣይሰፈረን(ነቲ ሕቶታት ጥራይ ኢኹም ጽሒፍኩም)
ስለ'ዚ ክቡራት ኣዳለውቲ፡ ብዛዕባ ክንከታተሎ ዘኽእለና ዝያዳ ሓበሬታ ካባኻትኩም ንጽበ። ብፍላይ ነቲ ብድምጺ ዘሎ ጸዒንና(download)ጌርና ክንሰመዓሉ እንኽእል መንገዲ እንተትገብሩልና ጽቡቕ ነይሩ። ኣነ ብወገነይ መሊአ ኣብ ሽመልባን ማይዓይንን ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዓቕመይ ምለኣኽኩሎም ነይረ። መልስኹም ብሃንቀውታ እጽበይ።
ምስ ናይ ክብሪ ሰላምታ
ጆንፊፊ
ካብ ኣዲስኣበባ
መልሲ ካብ ስታፍ ኣዝማሪኖ፤
ዝኸበርካ ጆን ፊፊ፤ ስለተሳታፍነትካን ተገዳስነትካን ነመስግን።
ከም'ቲ ዝጠቐስካዮ ብመንገዲ ኮምፕዩተር ድምጺ ንክትሰምዕ ሓያል መሳለጥያ የድልየካ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቃለመጠይቕ ብመንገዲ ሬድዮ ድምጺ መሰልና ደሊና ከምኡ'ውን ብተለቪዥን ደሃይ ኤርትራ ክፍኖ ኢዩ። ብጽሑፍ እውን ኣብ ቀረባመጻኢ ክንዝርግሖ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ንኩላቶም ተኸታተልቲ ዝማሪኖ ክንሕብር ንደሊ። ተሳትፎኻ ይቐጽል። የቐንየልና።
ስታፍ ኣዝማሪኖ