ብሄር ብቋንቋ!"
ኣቶ ማዝን ብሄር ብቋንቋ ምዃኑ እናፈለጥካስ 20 ዓመት ዝኣክል ረሻይዳ "ብሄረ ረሻይዳ" ክበሃሉ እንከለዉ ኣበይ ዳኣ ኔርካ? ትጋገዩ ኣለኹም ዓረበኛ ኢዩ ቋንቋኦም ብሄረ ዓረብ በልዎም ዘይበልካ?
ዝኾነ ኾይኑ ኣብቲ ብሄር ዝብል ብእንግሊዝኛ NATIONAL ብዓረበኛ (القومية) ምስቲ ሕልኽ-ልኽ ዝብል ሓደ ካብኡ ከምዚ ናትካ ዓይነት ተረድኦ ብምዕዛብ ኣብ ጽሑፋተይ ብዘይካ ንዝተጠቕሰ ተሞርኪሰ ተገዲደ ዝብሎ ካብ ምዝውታሩ ይቁጠብ ነይረ፡ ዝኾነ ኾይኑ ኣብዚ ግዜ ንዘይምጥፋእ ዋላ ከምቲ ካንጋሮ ዘይካንጋሮ እንከላ ካንጋሮ ኮይና ዘላ መጠን ንወስዶ።
ኣቶ ማዝን ክትፍልጦ ዘለካ ቋንቋ ሓደ ከም ናይ ሓባር ነጥቢ (ሮቛሒ) መጺኡ ንብሔርነት ዘረጋግጽ እምበር ከም ኣባሃህላኻ ብሄር ብቋንቋ ኣይኮነን።
ብሄር ዝባሃል፡
• ኣብ ሓደ ውሱን ዞና/ሃገር ብምንባር
• ሓደ ቋንቋ ብምጥቃም
• ናይ ሓባር ጠቕሚ (ቁጠባ) ብምፍጣር
• ናይ ሓባር ታሪኽ ኣብ ሞንጎኻ ብምህላው
• ሓደ መበቆል (ማይቤት) ብምዃንካ
ዝፍጠር ማሕበራውን ስነ-ልቡናውን ዝምድና ኢዩ፡፡ ስለ'ዚ ብሄር ብቋንቋ ኢዩ ዝብል ኣባሃህላኻ ዘይስነ-ፍልጠታዊ ኢዩ።
ገለ ኣብነታት፡
ህዝቢ እስራኤል ቋንቋኦም "እብራይስጢ" ኢዩ፡
ኣብቲ "መሃሪ" ሰሌዳኻ ንኣብነት ኣብቲ ብሄር ዝብል መስመር ትግረ ኢልካ ። ኣቶ ማዝን ትግረ ዝቋንቆኦም ግና ከም ህዝቢ ትግረ ተባሂሎም ክጽውዑ ዘይደልዩ ከምዘለዉ ትፈልጥ ዶ? ዋላስ ኣመንጊካ'ዩ ።
ኡርዱ ዝዛረቡ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ኢዮም። ኡርዱ ዝባሃል ህዝቢ ግና ፍጹም የለን፡፡
ስለዚ ኣቶ ግርማይ ንገለ ብሄራት ኢሎም ዝጠቐስወን ቋንቀኤንን ስመንን ሓደ ምዃኑ ዘንጊዖም ከይኮኑ ዲኻ ተዘኻኽሮም ዘለኻ? እዚስ ካብ ኣስመራ ንባጽዕ ወሪድካ ንደቃ ምሕምባስ ምምሃር'ዶ ኣይመስልን? ድፍረት።
ኣቶ ማዝን ክንደይ'ዩ ዕድሜኻ ዝፈልጦ የብለይን፡ ግና ትግርኛ ዝበሃል ህዝቢ ከምዘሎ ካብ ትፈልጥ ክንደይ ዓመት ኮይኑካ ኣሎ። ድሓር ካኣ ኣግአዝያን'ዮም ዝበሉኻ ኣግአዝያን ቋንቋኦም ግእዝ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
"ብሄረ ዓረብ" ኢልካ ንዘምጻእካዮ "መሃሪ" ኣብነት ካኣ፡ ንህዝቢ ዓረብ (ኡማ ዓረቢያ) እቲ ክሳብ ሕጂ ኣማሊኦሞ ዘሎዉ ገለ ካብቲ ብሄር ዘብል ሮቛሒታት፡
• ናይ ሓባር መበቆል/ትውልዲ
• ናይ ሓባር ቋንቋ ጥራሕ ኢዩ፡
እቲ ብሰንኪ መግዛእቲ ኣብ መንጎኦም ዝፈጠሮ ምግምማዕ ብዙሕ ብሄር ዘብሎም ናይ ሓባር ሮቛሔታት ከም ዘጥፍኡ ሰለ ዝገበሮም፡፡ ስለዚ'ዩ ኻኣ ነዚ ዝጎደለ ኣማሊኡ ሓደ ብሄረ ዓረብ ንምፍጣር ናይ ቆውምዩን ዓረብ ምንቅስቓስ ዘድለየ፡፡
ኣቶ ማዝን ብሄር ፍረ ናይ ሕብረተ-ስብኣዊ ምዕባሌ ኮይኑ ኣብ ሓደ ውሱን ሕብረተ-ስብኣዊ ምዕባሌ ዝፍጠር ደኣምበር ምስቲ ምስ ምፍጣር ደቂ ሰብ ዝተፈጥረ ቋንቋ ዝተወልደ ማንታ ኣይኮነን። እዛ ብሄር ረኺባቶ ዘላ መከራ።
ኣቶ ማዝን ክሰናበተና እንከሎ (ካብ ብሄር ብቋንቋ) “ሎሚ እዚ ፈቲነ ኣለኹ” እናበለ ኢዩ። “ፈቲነ” ዝመስለንን ዝካኣለንን ገይረ ማለት እንተኾይኑ መርበብ ሓበሬታን በጻሕቱን መፈተኒ ኣይመስለንን። “ፈቲነ” መርሚረ ወጢረ ማለትካ እንተኾይኑ ኻኣ ንመን ኢኻ ክትፍትን! ኣቶ ማዝን ግጥምኻ ኣይርዳኣንን ኢዩ። ኣብ ስዲ ንባብ ግና ሩዱእ ኢኻ። ብዓብዩ ኻኣ ኣብቲ ዝበረኸ ማዕበል ናይ ምስቃል ጥበብ ኣሎካ ብፍላይ ኣብተን ዝዳሓራ ጽሑፋትካ።
ኣቶ ማዝን ከም ሰብካ ኣብታ ኣፍራዪት ኦም ሓዂርካ ስለምንታይ ጎጉዑ ጥራሕ ትለቅም!
ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ